ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኤውሮጳ፥ "መንፈስ ሄልሲንኪ" ዳግማይ ክጅምሮ ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኤውሮጳ (OSCE) ኣብ 2025 ዓ.ም. መበል 50 ዓመት ቅዋመኡ ንምኽባር ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፡ ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ካልኦት ትካላትን ቫቲካን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ መንጎ ኣባላቱ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ነቲ ሱር “ናይቲ ትካልን ኣብ ሞንጎ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓለማዊ ብድሆታትን መዓልታዊ ስርሑ ዝጸልው እዩ” እንክብሉ ስኽፍታ ቅድስቲ መንበር ይሕብሩ።
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዕለት 5 ሕዳር ኣብ ቫሌታ ማልታ ኣብ ዝተኻየደ መበል 31 ዓውደ ኣኼባ ባይቶ ሚኒስተራት ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኤውሮጳ (OSCE) ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “እቲ ውድብ ምዕቃብ ወሳኒ እዩ፣ ብፍላይ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ትግባረ ዘተ ኣብ ዝዳኸመሉ ዘሎ እዋን” እንክብሉ ኣስሚሮም፥
ወከልቲ 40 ካብተን 57 ኣባል ሃገራት ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኤውሮጳ ምስ መሻርኽቲ ምትሕብባር ካብ ዞባታት እስያን ማእከላይ ባሕርን ኣብቲ ኣብ መላእ ዞባታት ኤውሮጳ - ኣትላንቲክን ኤውሮ - እስያን ዘሎ ህሉው ጸጥታዊ መልክዕ ኣብ ምግምጋም፣ ቀጻሊ ብድሆታት ኣብ ምፍታሕ፣ ስርሓት OSCE ኣብ ምግምጋም ዘተኮረ ናይ ክልተ መዓልታት ዘተ ይሳተፉ ከም ዘለዉን፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ከምኡ’ውን ምሻም ናይቶም ኣብቲ ትካል ዘገልግሉ ኣርባዕተ ላዕለዎት ኣካላት ክሓርይ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
መትከላት ቅዋመ ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኤውሮጳ ምድጋፍ
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ መግለጺኦም፡ ነቲ ሎሚ ዓለም ዘጋጥማ ዘሎ ሓድሽ ብድሆታት ንምፍታሕ፡ ኣብ 1975 ዓ.ም. ዝተሓንጸጸ ሕጊ ሄልሲንኪ፡ ናይቲ ውድብ መስራቲ ሰነድ ሄልሲንኪ ዘንበሮም መትከላት ምሕላው ወሳንን ኣገዳስነቱን ኣስሚሮም፥ እቲ ንውጥረት ዝሑል ኲናት ንምንካይ ዝተዳለወ ፍሉይ ስምምዕ፡ “ሰላም ኲናት ዘይምህላው ወይ ምዕቃብ ሚዛን ሓይሊ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ፍረ ምሕዝነታዊ ዝምድናታት፡ ሃናጺ ዘተን ምትሕብባርን ኣብ መንጎ ሃገራት ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ግዴታታትን ንዅሉ ኵላዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምኽባርን” ኣብ ዝብል ርድኢት ዝተመርኮሰ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት ዝፍጠር ምፍንጫልን ምብትታንን ምትእምማን
ይኹን እምበር እዚ ኣረኣእያ እዚ ብሰንኪ እቲ ኣብ ውሽጢ ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኤውሮጳ (OSCE) ዘሎ ናይ ኣሰራርሓ ሓባራዊ ስምምዕ፥ "ልዕሊ ዅሉ ግን ኣብ ገሊአን ተሳተፍቲ ሃገራት ዘሎ ሓባራዊ ምትእምማን እናነከየን ርእየተ ዓለማዊ መጥቃዕትን እናወሰኸ ብምኻዱ ከምኡውን ነዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ ብጋህዲ ዝርአ ዘይምኽባር ጉዳያት ይዳኸም ምህላዉ ኣመላኺቶም፥
“ቅድስቲ መንበር ነቲ ንባዕሉ ሱር ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኤውሮጳ ዘጸልምትን መዓልታዊ ስርሑ ዝጸሉን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምብትታንን ምፍልላይን ብስክፍታ ትርእዮ!
ኲናት ዩክሬንን ካልእ ፖለቲካዊ ስነ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ወጥሪታትን
ቢሎም ብፍላይ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ጎኒ ጎኒ ኣብ ውሽጢ ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኤውሮጳ ምብትታን ዝፈጥር ሰፊሕ ፖለቲካዊ ስነ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድራዊ ወጥሪ፡ ከምኡ’ውን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምድንጓይ ምምላእ ካብ ነዊሕ እዋን ዝቕጽል ዘሎ ከም ናይ 2026 ኣቦ መንበርነት ዝኣመሰለ ውሳነታት ምዕባለ ዘይምህላዉ ጠቒሶም፥ እቲ ትካል “ሓይልን ፍሉይነቱን ኣብቲ ንመስርሕ ዘተን ውሳነን ዘሀብትም ብዙሕነት ኣረኣእያኡ እዩ” እንክብሉ ብምዝኽኻር . . . ናይ ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ዘለወን ሃገራት መድረኽ ጥራሕ ከይከውን ኣጠንቂቖም፣ ምርድዳእ ምድላይ ምውጋድ “ናብ ርእሰ ምጥፋእ” ወይ ናብ ምጥምዛዝ “መንፈስ ሄልሲንኪ” ክመርሕ ይኽእል እንክብሉ ኣጠንቂቖም፥
ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኤውሮጳ ከም መድረኽ ዘተ መተካእታ ዘይብሉ ተራ
ኣብ መደምደምታ መደረኦም ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኤውሮጳ (OSCE) ከም መድርኽ ዘተን ሽምግልናን መተካእታ ዘይብሉ ተራ ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ ኣባላት ሃገራት ናይቲ ውድብ ፍሉይ ተልእኾ ክዕቅባ ኣተሓሳሲቦምን ብፍላይ ድማ ብመንጽር ህሉው ዓለማዊ ወጥሪ ዘተን ምርድዳእን ንምዕባይ ዳግማይ ጻዕርታት ክግበር ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።