ድለ

2024.12.03 Riunione del C9 (3 dicembre 2024) 2024.12.03 Riunione del C9 (3 dicembre 2024) 

ተስኣቱ ካርዲናላት መማኽርተ ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ጉባኤያውነን፣ ተራ ደቂ ኣንስትዮን፣ቅልውላው ዓለምን

ኣብቲ ካብ ዕለት 2 ክሳብ 3 ታሕሳስን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምዃን ኣብ መዕረፊ ኣጋይሽ ቅድስቲ ማርያ እተኻየደ ጉባኤ ተስኣቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ከምቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ እተገብረ ሲኖዶስ እተዘተየሉ ብዛዕባ ቤተ-ክርስትያንን ዓለምን እተፈላለየ እዋናዊ ጕዳያት ኣልዒሎም ዘትዮም። ኣብቲ ዘካይድዎ ዘተ ብዛዕባ እተን ብካርዲናላት ዝውክላ እተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ዅነታት ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡን ኣጋጣሚ ከፈተሎም ከምኡ ውን "ብዛዕባ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታትን ቅልውላቃትን ድማ ዘለዎም ሻቕሎትን ተስፋን ንምክፋል" ዘተ ኣካየዱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዞም ጉባኤ ተስዓቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጦስ ዝኾኑ ኣብዚ ናይ ወርሒ ታሕሳስ ዘካይድዎ ዋዕላ ብዛዕባ ጉባኤያዊ ኣካይዳ ቤተ-ክርስትያን፣ ተራ ደቂ ኣንስትዮ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተኻይደ ሲኖዶስ፣ ብዛዕባ ኣተገባብራ ሓዋርያዊ ቅዋም “ስብኩ ወንጌለ”፣ ተራ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር፣ ከምኡ ውን ብዛዕባ ሻቕሎትን ተስፋን ናይቲ ኣብዚ ናይ ቅልውላውን ግጭታን ዝኾነ ዘመን ዘሎ ኩንነትን  ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ዘትዮም።

ጉባኤያዊ ጕዕዞ ቤተክርስቲያንዘሎ ምትሕብባር

እዚ ጉባኤ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 2ን ሰሉስ 3ን ታሕሳስ ኣብ መእረፊ ኣግይሽ ቅድስቲ ማርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እተረኽቡሉ እዞም 9 ካርዲናላት ዘካየድዎ ጉባኤ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲትን ሚያዝያን ሰነን እተኻየደ ስዒቡ ዝመጸ ናይ 2024 ናይ መወዳእታ ጉባኤ እዩ ዝነበረ። ቤት ጽሕፈት ዜን ክፍሊ ማሕተም ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ "ኣብቲ ጉባኤ ብዛዕባ እተፈላለየ ኣርእስትታት ከም እተመያየጡ" ኣመልኪቱ። ብፁዕ ካርዲናል ማርሴሎ ሰመራሮ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ኣዋጅ ቅድስና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከም ዘመልከትዎ “ብዛዕባ ጉባኤያዊ ጕዕዞ ቤተክርስቲያን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኣከባቢያውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣቅላሲያውያን ጉባኤታትን ዘሎ ርክብ፣ ስዒቡ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተዛዘመ ሲኖዶስ ሓባራዊ ዘተ ኣካይዶም።”

ግደ ደቂ ኣንስትዮን ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበርን

ብተወሳኺውን ኣብቲ ዘካየድዎ ጉባኤ "ብዛዕባ ደቂኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደ ዳህሳስ ከም ዘካየዱን፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ጉባኤታት እዞም 9ቱ ካርዲናላት እተላዕለ ጕዳያት ውን ሓደ ጽማሬ ሰነድ ክቐርብ ከም ዘድሊ ተዛትዮም። ኣብ መደምደምታ እቲ መግለጺ ከም ዝሓበሮ - ንሓዋርያዊ ቅዋም “ስብኩ ወንጌለ” ኣብ ደረጃ ሰበኻዊ ኩርያ ንምትግባር ዘድሊ ግዜ ክወሃቦን ብዛዕባ ንመሰረታዊ ስርዓታትን መለክዒታትን ዝምልከት መጽናዕቲ ክግበርን ከምኡውን ምስ ብፁዕ ካርዲናል ኦዝቫልድ ግራስያስ ሊቀ - ጳጳሳት ቦምበይ ኣብ ዝተገብረ ዝርርብ 'ልኡካን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሲኖዳዊ ተልእኾ ወንጌል ዘለዎም ኣረኣእያን ግደን ' ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ውን ዘትዮም ።

ብዛዕባ ቤተ-ክርስትያንን ዓለምን ምስትንታን

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ሕተምን ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ "ከምቲ ዅሉ ሳዕ ዚገብርዎ እዚ ጉባኤ መማኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ቤተ ክርስትያንን ዓለምን ኣብቶም እዞም ካርዲናላት ዝውክልዎም እተፈላለቱ መዳያት ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም ቀጺሎም ውን ብዛዕባ እቲ ዝቕስል ዘሎ ዅነታት ግጭታትን ቅልውላዋትን ድማ ዘለዎም ሻቕሎትን ተስፋን ንኽዛተዩ ኣጋጣሚ ከፊቱሎም እዩ።"

ዚቕጽል ጉባኤ እዚ ቤት ምኽሪ ካርዲናላት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2025 ኪግበሩ ኢዮም ።

06 December 2024, 09:44