ድለ

2023.02.11 S.E. Mons Frank Leo, nuovo arcivescovo di Toronto, Canada 2023.02.11 S.E. Mons Frank Leo, nuovo arcivescovo di Toronto, Canada 

ካናዳዊ ሓድሽ ካርዲናል - ናይ ቤተ-ክርስትያን ተልእኾ 'ካብ ሰብኣዊ ልቢ ክብገስ' ኣለዎ

ዜና ቫቲካን ነቶም ካብ ቶሮንቶ ዝመጹ ሊቀ-ጳጳሳት ካናዳ ዝዀኑ ብፁዕ ካርዲናል ፍራንክ ሊዮ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ንዓለም ዜጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ኣዘራረቦም። ብፁዕነቶም ኣብቲ ዝሃብዎ መግለጸኢ "ነቲ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ሕይወት ናብ ዓለም ንምምጻእ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ የድልየና ኣሎ" በሉ።

ኣባ ተወለደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 7 ታሕሳስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እተገብረ ጉባኤ ካርዲናላት ዕስራን ሓደን ሕጹያት ናብ መዓርገ ካርዲናልነት ደይቦም ይርከቡ።

ሓደ ካብዞም ሓደስቲ ካርዲናላት እቶም ወዲ 53 ዓመት ዝኾኑ ሓደ ኻብቶም ዝነኣሱ ኣባላት ጉባኤ ካርዲናላት፣ ናይ ሰበኻ ቶሮንቶ ካናዳ ሊቀ - ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፍራንክ ሊዮ ኢዮም ።

ብፁዕ ካርዲናል ሊዮ ቅድሚ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ካርዲናላት ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በዚ ሓድሽ መዝነት እዚ ንኸገልግል" ከምኡውን "ምስ ካልኦት ካርዲናላት ንኽራኸብን ምሳታቶም ምሕዝነትን ሕውነትን ንኽዓቢ" ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ኸም ዘሐጐሶም ገለጹ።

ብፁእ ካርዲናል ሊዮ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ንቤተ-ክርስትያን ዜጋጥማ ዘሎ ዝዓበየ ብድሆታት ምስ ተሓተቱ ድማ ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ፖለቲካዊ ምክፍፋልን ከምኡውን እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 'ባህሊ ኣህላኽነት' ክብሉ ዝጸውዕዎ ነገራት ኣስፊሖም ገለጹ።

ቤተ-ክርስትያን ነዚ ጸገማት እዚ እትህቦ ምላሽ "ካብ ሰብኣዊ ልቢ  ክብገስን" ከምኡውን ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ "መንፈሳዊ ምንቕቓሕ" ከም ዘድልዮን ካርዲናል ሊዮ ገለጹ እዚ ድማ "ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ሕይወት ናብ ዓለም ንምምጻእ" ዘነቓቕሕ ኢዩ።

ብፁዕነቶም ኣስዒቦም ኣብዚ ግዜና ንስድራ ቤታትን ንመንእሰያትን ንምክንኻን "ፍሉይ ቈላሕታ" ምግባር "ቀዳማይ ቦታን" ኣገዳስነትን ከም ዘለዎ ገለጹ።

"ሎሚ መንእሰይ ምዃን ቀሊል ኣይኰነን ብዙሕ ፈተናታት ብዙሕ ምድንጋራት ብዙሕ ጭንቀትን ፍርህን ኢዩ ዘለዎ" በሉ።

እዚ ቓልሲ እዚ እናሃለወ ኽነሱ ቤተ-ክርስትያን "መራሒት" ክትከውን ኣለዋ የግዳስ ጽን ኢላ እትሰምዕ ክትከውን ኣለዋ - "[መንእሰያት] እንታይ ይብሉ ኸም ዘለዉን ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝበሉን ብልብና ኽንሰምዖም ኣሎና ። "

ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን ደቀባትን ዝግበር ዕርቂ

ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ካርዲናል ሊዮ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብ2022 ናብ ካናዳ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዶም ጳጳሳት እታ ሃገር ዝጀመርዎ ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን ደቀባት ካናዳን ዘሎ መስርሕ ዕርቂ ተሓተቱ።

"ኣገዳስነት ኣኽብሮት ደቀባትን ባህልታቶም ሓድሽ ርድኢት ከም ዘሎ" ብምጕላሕ "በቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝግበር ዘሎ ምትብባዕ" ከም እተደገፈ ገለጹ።

ብፁዕ ካርዲናል ሊዮ ንኣገዳስነት እታ ቤተ - ክርስትያን ምስ ደቀባት ሓቢርካ ምጕዓዝ ማለት "ንቝሱላት ዓለምና ንምሕዋይ ብሓባር ምዕያይ" ኣድላዪ ከም ምዃኑ ኣጕልሑ ።

10 December 2024, 12:42