ድለ

2024.12.10 ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መጻኢ ሶሪያ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ 2024.12.10 ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መጻኢ ሶሪያ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ 

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መጻኢ ሶሪያ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኢጣልያ ከተማ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ንዝካየድ መደብን ሽልማት ስነ ምርምር ኣል ኢሳ ንመጽናዕቲ ዓረብን እስልምናን ሕሩያት ንዝኾኑ ስልማት ኣብ ዝህብ ኣብ ዝተረኽብሉ ፍጻሜ ጎኒ ድሕሪ ውድቀት ባሻር ኣል-ኣሳድ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሶርያ ዘሎ ዅነታት ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ከም ዝሃቡን፥ እቲ ለውጢ ስረዓት ሶሪያ ብናህሪ ከም ዝመጸ ኣፍሊጦም ንዅሉ ዘኽብርን ዘተን ስኒትን ክህሉ ተስፋ ዝተነብሮ ኩነታት የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ እቲ ጽኑዕ ዚመስል ስርዓት ኣብ ሶሪያ ብናህሪ ከም እተልወጠን እቶም ስልጣን ዝሓዙ "ንዅሉ ሰብ ዘኽብር ስርዓት" ክፈጥሩ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ርእሰ ብሔር ኣል ኣሳድ ብኢድ እቶም ዓማጽቲ ካብ ዚወድቕ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ርእይቶ ከም ዝሃቡን ኣብ ደማስቆ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ኣኼባታት ይዳሎ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቅልጡፍ ለውጢ

ኣብ ሶርያ ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ምዕባለታት ምስ ኣስላም ዓለም "ድልድላት ኣብ ምህናጽ ንቕድሚት ንምስጓም ጽቡቕ ዕድል" ዝህብ ምዃኑ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት እታ ሃገር ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ እቲ ኣዝዩ ተኣፋፊ ጉዳይ ኣብ ዝሓለፈ 72 ሰዓታት ኣብ ሶርያ ዝተራእየ ዕግርግርን ዝፍጸም ዘሎን ንኹላትና ዘሻቕለና እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡ ብፍላይ ድማ ፍጻሜታት ብዝተጋህደ ቅልጣፈ ይስጉም ብምህላዉ እንታይ ይካየድ ከምዘሎ ንምርዳእ ኣጸጋሚ እዩ፡ ኣዝዩ ሓያልምን ጽኑዕን ዝመስል ዝነበረ ስርዓት፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ምሉእ ብምሉእ ክውገድ ምኽኣሉ ኣዝዩ ዘገርም እዩ” ኢሎም።

ተስፋታት ክፉትነት

ንዅሉ ሰብ ዘኽብር ክፉት ስርዓት ኪህሉ ተስፋ ንገብር። "ንክርስትያን ማሕበረሰባት ዘኽብር ምልክታት ኣሎ፡ ስለዚ ኣብ መጻኢ ንዅሉ ማሕበረሰብ ሶሪያ ዘኽብር ህዋሁ ክፍጠር ተስፋ ንገብር፡ እቲ ተስፋ "እቶም ናብ ስልጣን ዝመጹ ንዅሉ ሰብ ክፉት ዝዀነን ዘኽብርን ስርዓት ክፈጥሩ ክጽዕሩ እዮም ዝብል ኮይኑ፡ ቅድስቲ መንበር "ወግዓዊ እጃም" እኳ እንተ ዘይብላ ነቲ ናይ ዘተን ክሌኣዊ ስነ ሜላውን ዕዮኣ ብትግሃት ትቕጽል። ንኣብነት ኣብ ዩክሬይን "ወግዓዊ ዘተ ኣይጀመር፡ ግን ንኹሉ ኩነታት ምላሽ ብምሃብ ዘተን ምፍታሕ ጸገማትን ዘፍቅድ ኩነታት ንምድላይ፡ ከም ስምምዓት ምቁራጽ ተኹሲ፡ ምፍታሕ ጅሆ ዝተታሕዙን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰብኣዊ ሓገዝ ውሑስ ምግባርን ኣብ ዝብሉ መዳያት ብንጥፈት ተዋፊራ ትርከብ” እንክብሉ የመላኽቱ።

ኣገዳስነት ዘተ

ከም ወትሩ ዘተ ቀዳምነት ዚወሃቦ ነገር እዩ። እቲ ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቕዱስ ልቢ እተገብረ ፍጻመ ኣብ መንጎ እቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሕብረተሰብ ዘሎ እተፈላለየ ሃይማኖትን ባህልታትን ዘሎ ርክብ ንምድልዳል ኣጋጣሚ ዝኸፍት እዩ ብምባል ኣጕሊሖም፥ "ከም ካቶሊካውያን መንበረ ጥበብ ዝኣመሰላ ትካላት ኣብዚ መዳይ እዚ ተበግሶ ብምውሳድ ሓባራዊ ምርዳእ ንኽህሉ ፍልጠት ንኸዕምቝ ከምኡውን ምትሕብባር ንኸስፍሕ ዘካይድኦ ጻዕሪ ዘሕጉስ እዩ፡ እቲ ሎሚ ዘሎ ብድሆ ነቲ ዓለም ዘጋጥማ ዘሎ ብዙሕ ጸገማትን መተዓናቕፎን ንምውጋድ ምትሕብባር ወሳኒ ምዃኑ ዘረጋገጽ እዩ” እብክብሉ ዝከድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

11 December 2024, 15:22