ካርዲናል ዜናሪ፦ ሰባት ክሃድሙ ኣብ ዝደልዩሉ ዝለዉ ኩነታት ኣብ ሶርያ ተስፋ ይመውት ኣሎ
ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ካርዲናል ዜናሪ ብዛዕባ እታ ኣብ ሶርያ ብዕቤታ ኻልአይቲ ዝዀነት ከተማ ኣሌፖ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ተቐናቐንቲ ጉጅለታት ጀሃዳውያን ዘሎ ሓደገኛ ዅነታት ሓፈሻዊ ሓሳባቶም ኣካፈሉ። እዚ ምዕባለታት እዚ ሓይልታት መንግስቲ ስለ እተዳኸሙን ዕጡቓት ጕጅለታት ንዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ብምግላጽ ኣብ ግዝኣታዊ ሓይሊ ዓብዪ ለውጢ ይርአ ኣሎ ። ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሶርያ ዝቕጽል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘሕድሮ ዓቢይ ጽልዋ ኣስፊሖም ገለጹ።
ውድቀት ኣሌፖን ሲቪላዊ ድሕንነትን
ብፁዕ ካርዲናል ዜናሪ ከም ዝገለጽዎ ኣብቲ ኣሌፖ እተታሕዘትሉ ኩነታት ልዕሊ 350 ግዳያት ከም ዝኾኑን፣ ካልኦት ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኻብ መረበቶም ከም እተመዛበሉን "ሓድሽ ህጹጽ ኵነታትን ካልእ ውግእን " ክብሉ ገሊጾሞ ይርከቡ ። ከምዚ ድማ በሉ - "መንግስታውያን ኣብያተ - ጽሕፈት ተዓጽዮም፣ እቶም ዕጡቓት ሰራዊት መንግስቲ ውን ይረኣዩ የለዉን፣ እቶም ዕጡቓት ጕጅለታት ከኣ ንሰላማውያን ሰባት ከም ዘይጓድኡ ቃል ይኣትዉ ኣለዉ ። ክሳዕ ሕጂ ድማ ነዚ መብጽዓ እዚ ዘኽብርዎ እዮም ዚመስሉ ዝለዉ፣ እቶም ነበርቲ እቲ ከባቢ ግና ብፍርሓት ተዋሒጦም ኣብ ቤቶም ተዓጽዮም ኢዮም ዘለዉ።"
ኣብ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ዜሕድሮ ጽልዋ
ብፁዕነቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቶም ኣብ ኣሌፖ ዝነበረ ዘልዉ ክርስትያን ዘለዎም ተጻዋርነት ብምጕላሕ ከምዚ በሉ - "እቶም ጳጳሳትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ኣብ ኣሌፖ ኣብ ጐድኒ ህዝቦም ከም ዝጸንሑን ነዚ እሙናት ምዃኖም ኣረጋጊጾምሎም ኢዮም። ይኹን እምበር እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘየተኣማምንን ኣጸጋምን እዋን እዩ" በሉ።
ካብ ምምዝባልን ስደትን ኣስፋሕፊሑ ኣሎ
ካርዲናል ዜናሪ ኣስዒቦም ነቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ናይ ምምዝባልን ቅልውላዋትን ኣጕልሑ፣ ብገምጋም 7 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ከም እተመዛበሉን፣ ኣስታት 6 ሚልዮን ዝኾኑ ድማ ተሰዲዶም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ይርከቡ ከም ዘለዉ ኣመልከቱ ። "እቶም ህዝቢ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ብዛዕባ መጻኢ እታ ሃገር ዝነበሮም ተስፋ ኣጥፊኦም እዮም። ዳግመ ህንጸት ቍጠባዊ ምምሕያሽ ወይ ስራሕ ከም ዘሎ ዝሕብር ምልክት የለን፣ ስለዚ እቲ እንኮ ትምኒት ካብቲ ዞባታት ምውጻእ ኢዩ" ብምባል ጓሂኦም ገለጹ።
ዳግመ ህንጸት ንተስፋ ዘለዎ ብድሆታት
ብፁዕነቶም ብዛዕባ እታ እትመጽእ ዘላ ዓመተ ኢዮቤል እንከስተንትኑ "እዛ 'ነገድያን ተስፋ' እተሰምየት ዓመተ ኢዮቤል፣ ነቶም ን14 ዓመት ብውግእን ጥሜትን ሽቕለት ኣልቦነትን እተሳቐዩ ሕዝቢ፣ ጽሩይ ኣየር ከስተንፍሱላ ተስፋ ንገብር። እቲ ዘሕዝን ግን ኣብዚ ዘሎ ተስፋ ማህሚኑ ሞይቱ ወይ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ድሮ ተቐቢሩ ኢዩ" በሉ።
ብፁዕ ካርዲናል ዜናሪ ኣብ መደምደመታ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሶርያውያን ቀጻሊ ግጭትን ካብ መረበቶም ምዝንባላት እናኣጋጠሞም ክነሱ፣ እቲ ዘልዉዎ ኩነታትን ብድሆታትን ዜደንቕ ስእሊ እዩ ዘቕትበልና ። ብፁዕነቶም ናብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ግጭታት ንምክልኻል ንጡፍ ስጕምትታት ክውሰድ ከም ዘድሊ የጉልሑ፣ ከምዚ ድማ ይበሉ - "ግጭታት ንምፍታሕ ሓገዝ ኣድላዪ ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ቅድም ዓቃብ ሰላምን ድሕንነትን ክመጽእ ኣለዎ ።... ውግእ ደው ንምባልን ኣቐዲመ ስጕምቲ ንምውሳድን ኣድላዪ ምዃኑ ውን አጕልሑ።" ብፁዕ ካርዲናል ዘናሪ ኣብቲ ዘካይድዎ ቃል-መሕትት ነቲ ኣብ ሃገረ ሶርያ ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላው ብህጹጽ ንምፍታሕ ከምኡውን ዓለምለኻዊ ሓድነት ናብ ሰላምን ርግኣትን ዝመርሕ መገዲ ኣብ ምድንፋዕ ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሕ ዝነበረ።