ደሞክራስን ምትላልን ሓፋሽን፡ ትንቢታዊ ቃላት ፒዮስ መበል 12
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅድሚ ሰማንያ ዓመት ዕለት 24 ታሕሳስ 1944 ዓ.ም ፒየስ መበል 12 ብዛዕባ ፍረ ነገር ደሞክራሲ ዜስተንትን "ንህዝቢ ዓለም" ዚብል ብራዲዮ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ በዓል ልደት ብዛዕባ እቲ ብማሕበር ር.ሊ.ጳጳሳት ፓቸሊ እተወደበን ብካርዲናል ዶሚኒክ ማምበርቲ ዚምራሕን ዓውደ ጉባኤ፥ . . . እቲ ኣብታ በቲ ዘሕዝን ፍጻመ ውግእ ዝተሰናበደት ዓለም ዝፍኖ ናይ ረድዮ መልእኽቲ ነቲ ዣክ ማሪተን ዝነበሮ ክርስትያናዊ ባህርያት ኣብ ፖለቲካ ክዋሳእ ከም ዝኽእል ዘረጋግጽ ናይ መጀመርታ ወግዓዊ ኣሰራርሓ መልክት ኢዩ፡ እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኣብ ህዝባዊ ጕዳያት ዘለዎ ሓላፍነትን ተሳትፎን ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ።
ብዛዕባ እቲ ከም ሓደ ዓይነት "ጥምቀት" ዲሞክራሲ ጌርካ ዚርአ ናይ ምስትውዓል ጽሑፍ ብዙሕ ኣርእስትታት ኣለዎ፡ እዚ ኸኣ ካብ መሰረታዊ ስርዓት ሰብኣዊ ኽብረት ኣትሒዙ ክሳዕ ሓድነት ኵሎም ደቂ ሰብ ዝብል እዩ፣ ካብቲ ጽኑዕን ወሳንን "ኣይፋል” ካብ ዝብል ውሳነ ኣትሒዙ ክሳዕ እቲ ንዓለምለኻዊ ግጭታት ሕጋዊ ፍታሕ ንምርካብ ዚግበር ውግእ ብፍጹም ዘይቅብሉ ዝብል ር.ሊ.ጳ. ፓቸሊ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ "ኣይፋል ንውግእ!" ቢሎም፥ "ንሰላም ዚከናኸን ሕጋዊ ኣካል" ክቐውም ጻውዒት ዘቕረብሉ መልእኽቲ እዩ ነይሩ። (ኣብ 1945 ዓ.ም. ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝቖመ ዝዝከር እዩ።)
ኣብ መንጎ እቲ ውልቀ - ምልካዊ ስርዓት ዘምጽኦ ጎዳኢ ሳዕቤን ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ናይ ፒዮስ መበል 12 መልእኽቲ ትንቢታዊ ሓሳባት ዘለዎ ኣብ መንጎ እቲ ህዝብን “ሓፋሽን” ዘሎ ፍልልይ ብርግጽ ብምምልካት፡ ሰባት ብህይወቶም ኢዮም ዝነብሩን ዝንቀሳቐሱን ፣ እቲ ሓፋሽ ግን ብገዛእ ርእሱ ዘይኮነስ ብደጋዊ ሓይሊ ዝድረኽ . . . ነቲ ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ስምዒት ዝስዕብን ብቐሊሉ ዝምዝመዝን እዩ።
ር.ሊ.ጳ. ፓቸሊ ብውሕሉል መገዲ እንከረድኡ፥ ሓፋሽ መንግስቲ እውን ኪጥቀመሉ ኸም ዚኽእል ሓቢሮም፡ እቲ መንግስቲ ዝቆጻጸሮ ሓፋሽ "ጸላኢ ናይ ሓቀይና ደሞክራስን ንናጽነትን ማዕርነትን ከኣ ይኸውን።”
ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ሎሚ ካብ ቀደም ብዝያዳ ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነታት ዚርአ ብሉጽ መጐተን መደባትን ዘይኰነስ ቅርሕንትን ቂምን ባህረትን እዩ ዝርአ ዝመስል። እቲ ቐንዲ ዕላማ ንማሕበራዊ ዅነታት ኵሎም ንምምሕያሽ ዘይኰነስ ንማሕበረሰብ ድሕሪት መታን ከይተረፍ ናብ ውደራ ዝድርኽ እዩ።
ኣተገባብራታት ስነ መፈጠራ ምህንድስና፡ ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ቅድድም ኣጽዋር - ውሑዳት ኣብነታት ጥራይ ንምሃብ - ተወዳዳሪ ኮይኑ ንኽቕጽልን ውደራ ከም መዋቕራዊ ኣድላይነት ዘቕርብን እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ Centesimus Annus - ምእተ ዓመት” ኣብ ዘርእስታ ዓዋዲት መልኽቶም ከም ዝገለጽዎ፥ "ክቡር ዋጋታት ዘይብሉ ደሞክራሲ፡ ከምቲ ታሪኽ ዘርእዮ፡ ብቐሊሉ ናብ ክፉት ወይ ረቂቕ ምልካዊ ስርዓት እዩ ዝቕየር።
ነዚ ሎሚ ዘሎ ዅነታት ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ኣብ መርበብ ዘሎ ሓበሬታ ሰባት ንምቁጽጻርን ዝርጋሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንንግዳዊ ዕላማታት ዝቖመ ከመይ ገርና ኢና ክንመዝኖን ክንሓስቦን ዘይንኽል? ነቲ ማሕበረሰባዊ ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያን ‘ማእከላይ ኣካል፡ ኢሉ ዝጽውዖ ማለት ማሕበራትን ውድባት ፖለቲካን ሰባት ንድሌት ሕብረተሰብ ንምምላእ ገዛእ ርእሶም ዝውድብሉ ካብ ታሕቲ ዝመጽእ ከም ዝኾነ ከመይ ጌርና ክንሓስቦ ዘይከኣለና? ደሞክራሲ ኣብ ርእሲ እቲ ውልቀ - ሰባት ንምድንፋዕ ዘለዎ ግደ መሰረታዊ ስለ ዝዀነ ተሳትፎ ዚግበረሉ ቦታታትን መዋቕርን ናይ ግድን ኣድላዪ እዩ። ጽን ኢልና ኽንሰምዕን ክንዝትን ከምኡውን ክንራኸብን ኣሎና። ደሞክራስያዊ ምምሕዳራት ናብ ምልከ ውሁዳን ምእንቲ ከይቅየር ኣዒንትና ኽንከፍት ኣሎና።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ሽልማት ካርሎ ዓቢይ ምስ ተቐበሉ ነቲ ሓደ ካብቶም መስረትቲ ኣቦታት ኣውሮጳ ዝዀነ ኮንራድ ኣደናወር እተዛረቦ ዜነቓቕሕ ሓሳብ ዘኪሮም - "መጻኢ ምዕራባውያን ብፖለቲካዊ ውጥረት ዘይኰነስ ብጃምላውነትን ሓደ ዓይነታዊ ኣተሓሳስባን ስምዒትን እዩ ኣብ ሓደጋ ዝኣትው፡ ሓደ ዓይነት ኣመለኻኽታን ካብ ሓላፍነት ካብ ምህዳምን ከምኡውን ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ምሕሳብ እዩ ንሓደጋ ዘቃላዕ” ዝበልዎ ጠቒሶም ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ሓተታ ይዛዝሙ።