ድለ

ቀዳማይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት፥ ‘ብሓድሽነት ኣምላኽ ክንግረም ልብና ንኽፈት’

ሓድሽ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓሶሊኒ ብምኽንያት ዘመነ ምጽኣት ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ላዕለዎት ኣካላት ኩርያ ሮማና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ መሰረት፥ ዕለት 6 ታሕሳስ "ዘደንቕ (ምስተንክር) በሪ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘተኮረ ቀዳማይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ሓድሽነት እግዚኣብሔር - ምስጢረ ስጋዌ የገርመና ኢዩ፡ እዚ ድማ በዓል ልደት ጐይታ ንምብዓል ንኽንከይድን ሓድሽ ተስፋ ሒዝና ብበሪ ኢዮቤል ንኽንሰግርን ኣብ ምድላው ዘበራብረና ናይ መጀመርታ ምንቅስቓስ ልቢ" ኢዩ።

ድሕሪ ብስራት ገብርኤል መልኣኽ፥ ናብ ውጥን ኣምላኽ "ብባህርያዊ መገዲ ኽትስሓብ፡ ብናጻን ብምስትውዓልን ክትሳተፍ እነኹልካ ቢላ መልሲ ካብ ዝሃበት” ማርያማ ዝወሃብ ኣግራሞት ክንመሃር ጻውዒት ይቐርበልና፡ ነዚ ንምግባር ፈለማ ንዅሉ እቲ ከጨንቐናን ኪኸብደናን ዚኽእል ነገራት ማለት ፍርሂ ምንስሓብን ርእሰ ኣምልኾን "ኣይፋል" እናበልና ድርቀት ልብና ኸነጥፍኦ ኣሎና። ሽዑ ጥራይ ኢና "ንዅሉ ብሓድሽ ዓይኒ እናረኣና ነቲ ድሮ ዘሎ ዘርኢ ወንጌል ኣለሊና" ተስፋ ኣምላኽ ናብ ዓለም ንምምጻእ ድሉዋት ክንከውን እንኽእል፥ ዝበሉ ኣባል ማሕበር ካፑቺን ሓድሽ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓሶሊኒ ዕለት 6 ታሕሳስ ንግሆ ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ኣባላት ኵርያ ሮማና ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝለገስዎ ቀዳማይ ስብከት ዘመጽኣት ኣስተብሂሎም፥ እቲ ናይ ለምዘበን ስብከት ዘመነ ምጽኣት መርሕ ቃል፥ “ኣፍደገታት ተስፋ፥ ብትንቢት ልደት ናብ ምኽፋት ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል” ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ምኽፋት ማዕጾ መስተንክር

ኣባ ፓዞሊኒ ነቶም ቕድሚኦም ዝነበሩ ን44 ዓመታት ስባኬ ቤተ ጳጳስ ኮይኖም ንዘገልገሉ ኣባል ማሕበር ካፑቺን ኣሃው ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላመሳ “ሰባኺ ሓጐስን ብርሃንን ወንጌልን” እንክብሉ ብምግላጽ ልባዊ ምስጋና ምስ ኣቕረቡ፥ “ማዕጾ መስተንክር” ዝብል ኣርእስቲ ናይ ቀዳማይ ኣስተንትኖ ዘመነ ምጽኣት ምዃኑ ገሊጾም፥

ኣብ ድምጺ ነብያት: ኣብቲ ኤልሳቤጥ ዝነበራ ከመይ ገይሩ ይኸውን ዝብል "ናይ ተቓውሞ ትብዓት" ከምኡውን ኣብቲ ማርያም ዝነበራ "ትሕትና" ብምትኳር ስብከቶም ብመሰረት "ንትርጕም ታሪኻዊ ፍጻመታት ኣበጊሶም - ነቲ ኣምላኽ ኣብ ታሪኽ ዘለዎ ህላወን ተግባርን ንኽንርድኦ ከምኡውን ነቲ ኽገብሮ ዝኽእል ጥራይ ዘይኰነስ ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ ህይወትናን ኣብ ታሪኽ ዓለምን ክብጽሖ ዝደሊ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው ዘደንቕ ነገራት ንምንቕቓሕ ኢዩ።"

ድምጽታት ነብያት፡ ናብ ተስፋ ዝመርሕ ምኽሪ

ኣብዚ ወቕቲ እዚ ሊጥርጊያ ኣብ ብዙሓት ትንቢታዊ ጽሑፋት ከመይ ከም ዘጥሕለና ዘጒልሑ ኣባ ፓሶሊኒ ድምጾም ፈጺሙ ሸለል ክንብሎ ዘይከኣለና እዩ . . . ከምቲ ነቢይ ኤርምያስ ዝምህሮ ኣባና ክልተ ሳዕቤን የፍርይ: እዚ ኸኣ ድሕሪኡ ንተስፋ ክፉታት ይገብረና ምኽንያቱ “ኣምላኽ ነቲ እሙን ፍቕሩ ደጊሙ የረጋግጽ: ንህዝቡ ድማ ሓድሽ ኣጋጣሚ የቕርብ።”

እንተዀነ ከም ናይ ኢሳይያስ ዓይነት ድምጺ ኢዩ ዘለዎ - "እንሆ ሓድሽ ነገር እገብር አሎኹ ዝብል። ኣብቲ ህሉው ኵነታት ሓድሽ ብርሃን ክህብ ከም ዘይክእል ጌርና ንኽንሓስብ እንፍተንሉ ቦታ ብልክዕ ይበጽሓና፣ ስለዚ እምበኣር እቲ ብድሆ ነቲ ኣምላኽ "ክሳዕ ሕጂ ኣብ ህይወትናን ኣብ ታሪኽ ዓለምን ክፍጽሞ ዝደሊ" ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው "ኣግራሞት" ዳግማይ ምንቕቓሕ ኢዩ።

ኣብነት ኤልሳቤጥን ማርያምን

ነዞም ትንቢታዊ ድምጽታት ክንሰምዕ ንርእስና ንምድላው፡ ኣብ ውሽጥና ውጥን ድሕነት ንምንቕቓሕ ዘድልዩ ክልተ መሰረታዊ ኣተሓሳስባታት ዘንጸባርቓ ክልተ ተክለ ሰብነት ደቂ ኣንስትዮ ማለት ኤልሳቤጥን ድንግል ማርያምን መሰረት ገይሮም፥ ኤልሳቤጥ ነቲ ርኡይ ቀጻልነት ነገራትን ዝምድናታትን ብትብዓት ‘ኣይፋል’ ክትብል ከላ፡ ማርያም በዓልቲ ናዝሬት ድማ ንሓድሽነት ኣምላኽ ‘እወ’ ምባል ከምዘድሊ ኣብነት ትኸውን፡ ንፍቓዱ ብናጻን ብሓጐስን ዝሰማማዕ ፍቓድ ሓንጺጻ . . . ነቲ ወንጌላዊ ሉቃስ ዝነገሮ ታሪኽ ኤልሳቤጥን በዓል ቤታን ዘካርያስን ነስተንትን። ዘካርያስ ዝተባህለ ብዕድመ ዝደፍአ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር “ንነዊሕ እዋን ዝድለ ግን ከኣ ዘይከኣል ዝመስል ፍጻመ ምእዋጅ ብተኣማንነት ክቕበሎ የጸግሞ” ማለት ውላድ ናይ ምርካብ ዕድል፡ ብሰንኪ ስእነት እምነቱ፡ ክሳዕ እቲ ግዝረት የውሓንስ፡ ዓባስ ይኸውን። ኣዝማድ ነቲ ቘልዓ ብስም ኣቡኡ ኺጽዋዕ ክሕብሩ፡ ኤልሳቤጥ ጣልቃ ብምእታው፡ “ኣይፋል፡ ዮውሃንስ ኪበሃል እዩ” ዝበለቶም

ዘካርያስ ማለት “ኣምላኽ ይዝክር” ማለት ክኸውን ከሎ፡ ዮውሃንስ ድማ “ኣምላኽ መሓሪ እዩ” ማለት እዩ። እቲ ሓድሽ  መልኣኽ ዝሓበሮ ስም፡ ኣቓልቦ ናብ ህሉው ዘሰጋግርን “ታሪኽ ብሕድሪታቱ እኳ እንተተጸልወ፡ ኣምላኽ ክዋሳእ ከሎ ወትሩ ገዛእ ርእሱ ሰጊሩ ንሓድሽ ተኽእሎታት ክኽፈት ከም ዝኽእል ይእምት።”

ዘካርያስ ውላዱ ዮሓንስ ተባሂሉ ክጽዋዕ ኣብ ጽላት ምስ ጸሓፍ ድማ ድምጹ ይመልስ . . .

እቲ ዝበለጸ ገና ከም ዝመጽእ ምርካብ

ግብረ - መልሲ ኤልሳቤጥ “ሓድሓደ ግዜ፡ ንሓድሽነት ኣምላኽ ንምኽፋት ዋሕዚ ፍጻመታት ምቁራጽ ኣድላዪ ምዃኑ ሓሳብ ዘቕርብ እዩ . . . “ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ኣብ ዘይተለምደ እዋን፡ ነዚ ዓይነት መንፈሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ክውንነት ክንመልሶ የድልየና” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፥ ኣብ ህሉው ኩነታት ከም ዘለና ኣተኲርና፡ ኣብ መጻኢ ወፍሪ ክንገብር ንቃለስ፡ ጽባሕ ድማ ከም ተራ ቅዳሕ ናይ ሎሚ ክንሓስቦ ንፍትን . . . እታ ንመጻኢ ወዳ ዮውሃንስ ንኣምላኽ ብሕድሪ ዝሃበት ኤልሳቤጥ ግን "ኣይፋል" እትብል ናይ ፈለማ ቃላ "ዝዀነ ይኹን ነገር ኰነ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብታሪኹን መበቆሉን ጥራይ ከም ዘይጽሎ የግዳስ ብቐጻሊ ብጸጋ ኣምላኽ ከም ዝምራሕ የዘኻኸረና።"

ማርያም፡ ትሕትና ንኽትሰማማዕ

ኣብ መወዳእታ፡ ብዛዕባ’ቲ ማርያም ንጸዋዕታ ኣምላኽ ዝሃበቶ ምላሽ ከስተንትኑ እንከለዉ፡ “ብምስጢረ ስጋዌ ዝነቓቓሕ ኣግራሞት ክንዝክር ክሕግዘና ዝኽእል ዝርዝራት እንከቕርቡ፥

ኣብ ወንጌል ሉቃስ፡ ዕማም መልኣኽ ገብርኤል “እቲ ዝካየድ ዘተ ብፍጹም ናጽነት ክፍጸም ስለዘለዎ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ፍቓዳ ከይገደደ ናብ ልቢ ማርያም ምእታው” ከምኡ’ውን “ብናይ ምትእምማን ሃዋህው” ዝፍጸም ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ማርያም “ሓደ ነገር ድሮ ከም ዘሎ፡ እግዚኣብሄር ምስኣ ከም ዘሎ” ብምግንዛብ ክትሕጐስ ተኣዚዛ። እዚ ድማ “ጸጋ ምጽኣት” ምዃኑ ብምግላጽ “ህይወት ቀሊል ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ፡ ጐይታ ምሳና ስለ ዘሎ፡ ሕጂ’ውን ዝኾነ ነገር ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ካብ ምሕዛን ንላዕሊ ንኽንሕጐስ ምኽንያታት ከም ዘሎ ክንግንዘብ የኽእለና።”

ምስ ናይዚ ግን ማርያም ንቃላት እቲ መልኣኽ ብውሑዱ ብኽልተ ምኽንያታት “ዓቢ ምድናቕ” መልሲ ትህበሉ፡ እቲ ቀዳማይ፡ “ሓደ ሰብ ፍቕሪ ክገልጸልና ከሎ፡ ኩሉ ግዜ ዘገርም እዩ። ፍቕሪ ፈጺሙ ውሁብ ኣይኰነን”፡ “ተፈላጥነትን ተቐባልነት ከም ዝረኸብና ክስምዓና የድሊ።”

ካልኣይ፡ ልባ “ብቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ዳግማይ ዝልለየሉ” ግዜ ኸም ዝኣኸለ ዀይኑ እዩ ዚስምዓ፣ እዚ ኸኣ "ቃል ኣምላኽ ኣብቲ ሓያሎ ኻልእ ሓሳባት ድሕሪ ግዜ ዝኣከበሉን እተወደበሉን ኣብ ወረቐት ስለ እተጻሕፈ ተወሳኺ ሓሳባት ንምሃብ ብዙሕ ቦታ ዘይህብ ዘምስል እዩ።”

ኣብ ምጽኣት . . .  ምጽባይን ምስማዕን ድምጺ ኣምላኽ “ኣብ ቅድሚ ገጹ መን ምዃንናን ክንከውን ከም እንኽእልን ዳግማይ ክነግረና ዳግማይ ክኣትው ምፍቃድ እዩ”

ማርያም ብመዐቀኒ ደቂ ሰባት ናብ ዘይከኣል ጥንሲ ምጽዋዓ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ንዘይምርድዳእን ፍርድን ኣቃሊዕዋ እዩ!

እዚ ማለት “ኩሉ ጻውዒት ካብ ኣምላኽ፡ ንሞት ከቃልዓና ናይ ግድን እዩ ምኽንያቱ ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽን ንዓለምን ዝተዋህበ ሕይወት ተስፋ ዝሓዘ ስለ ዝኾነ።”

ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሒ “ቅድሚ እዚ ዓይነት ሓላፍነት . . . ንጽባቐን ዕብየትን እቲ ዝጽበየና ብምስትንታን” ጥራይ እዩ ክስገር ዝኽእል። ነዚ ምሉእ ብምሉእ ንምሕቋፍ . . . እወ እነኹልካ ምባልና ዘኽፍለና ኮነ ዘስእነና ነገር የልቦን ኣብ ምባል ገዛእ ርእስና ክንድርቶ የብልናን።

ኩሉ “ሓቀይና ውሳኔ ወንጌል” ምሉእ ህይወትና ዋጋ የኽፍለና፡ ፍሉይ መሰላትናን ርግጸይናነትናን ክንስእን ኣብ ዘኽእል ሓደጋ የቃልዕ። ንኣምላኽ "እወ" ምባል "በቲ ዝዓመምናዮ ጸኒዕና ኣብ ምቕጻል ኮነ ኣብ ዝበጻሕናዮ ሚዝናውነት ክንመውት ምፍቃድ ማለት እዩ፥ እንተዀነ ግን እዛ መገዲ እዚኣ ብልክዕ "ንገዛእ ርእስና እንደገና ንኽንረኽባ እትሕግዘና" ኢያ።

እንሆ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር

ማርያም ነቲ መልኣኽ "ሓደ እኳ ኣይፈልጥን እየ እሞ እዚ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ?" ብዝብል "ቅዱስ ምድናቕ" ብዘቕረበቶ ሕቶ ትምልሰሉ፥ “ንመደብ ኣምላኽ ብዝርዝር ክትርድኦ ኣይትደልን” እንታይ ደኣ “ብናጻን ብፍላጥን ኣብ መደቡ ክትሳተፍ” ጥራይ እያ እትደሊ። እቲ መልኣኽ ከመይ ጌራ ንወዲ ኣምላኽ ብስጋ ከመይ ገይራ እትጠንስ ኣይገልጽን፡ እንታይ ደኣ መንፈስ ቅዱስ እሙን ሓላዊኣ ከም ዝኸውን እዩ ዘበስራ።

“እንሆ ጊልያ እግዚኣብሄር፡ ከም ቃልካ ይኹነለይ” ብዝብል ቃለ ማርያም “በቲ ሕጂ ዝተቐበለቶ ጻውዒት ምሉእ ሓሴታ ትገልጽ።”

ኣብ መወዳትእታ ኣባ ፓዞሊኒ ነቲ መልኣኽ “እቲ ክቕበሎ ዝሓተትካኒ ሕጂ ንርእሰይ እየ ዝምነዮን ዝመርጾን ዘለኹ” ትብሎ . . . “ኣብ ጉዕዞ ህይወት እንረኽቦ ዘበለ ኩሉ ብስራት” በዚ መንገዲ’ዚ ክውዳእ ይግባእ። “ብርሃን ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ፍርሒ፡ ተኣማንነት ናይ ዘለኣለማዊ ተስፋ ከም ዘሎ ከርእየና ምስ በቕዐ፡ ኣብ ውሽጥና ምግራም ይለዓዓል፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ‘እንኹልካ’ ክንብል ንረክብ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቀዳማይ ስብከት ይዛዝሙ።

07 December 2024, 17:15