ድለ

ኣባ ፓዞሊኒ፡ ተኣምኖ መፍትሕ ተስፋ እዩ!

ሓድሽ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ብምኽንያት ዘመነ ምጽኣት ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ላዕለዎት ኣካላት ኩርያ ሮማና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ብምቕጻል፥ ዕለት 13 ታሕሳስ ካልኣይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ ፓዞሊኒ ኣብ ስብከቶም ተኣምኖ “ንሰብኣዊ ዝምድናታት ዘጽንዕ፣ መዓልታዊ ብድሆታት ንምግጣም ትብዓት ዝህብን ንመጻኢ መንገዲ ዝኸፍትን መሰረታዊ ኣተሓሳስባ” ምዃኑ ኣጉሊሖም፥ ተኣምኖ ትስፉውነት ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ተስፋ ህያው ዝገብር ጥበባዊ ውሳነ” እውን ምዃኑ ዘብርህሉ ስብከት ጸሚርና ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኩም፥

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነታት

ኣባ ፓዞሊኒ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝግለጹ ናይ ሰለስተ ሰባት ተክለ ሰብነት መሰረት ገይሮም ኣብ ዝቕረብዎ ካልኣይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት፥

እቲ ቀዳማይ ካብ ወንጌል ሉቃስ ዝተረኽበ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ ዝምልከት ተክለ ሰብነት ኮይኑ፣ “ጐይታይ ናብ ቤተት ክትኣቱ ኣይብቑዕን እየ እሞ ኣይትድከም . . . ስለዚ ድማ ናባኻ ንምምጻእ ንርእሰይ ብቑዕ ገይረ ዘይቈጸርኩ። ግናኸ ሓንቲ ቓል ተዛረብ ጊልያይ ከኣ ኺሓዊ እዩ” (ሉቃ 7፡7) ዝበሎ መሰረት ገይሮም፥ ነዚ “ዘደንቕ ኣበሃህላ” ኣብ ኣምላኽን ኣብ ጽቡቕ ሂወት ካልኦትን ዘሎ ምትእምማን ዓሚቝ መግለጺ ምዃኑ ኣብሪሆም . . .

ከምኡ እውን ኣብነት ቅዱስ ዮሴፍ ብምቕራብ፥ ኣብ መጀመርታ ብሰንኪ ዘይተጸበዮ ጥንሲ ማርያም ጭንቀት እኳ እንተነበሮ፡ መንገዲ ተኣምኖን ርህራሄን መሪጹ፡ “ምልክት ተእምኖ” ኮይኑ “ብትብዓት ምስ ኩነታት ህይወት ክንላመድን ንኻልኦት ብፍቕሪ ከመይ ጌርና ከም እንገልግልን” ይምህረና . . .

ምትእምማንን ዝምድናን

ኣብ ኣምላኽ ምውካል ካብ ንኻልኦት ኣንህቦ ኣቃልቦ ዘይፍለ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ። "ምስ ኣምላኽ ዘለና ርክብ፡ ከምቲ ምስ ካልኦት ኣብ እንገብሮ ርክብ ምትእምማንን ሕያውነትን ከነርኢ ብዘሎ ድልውነትና ጥራይ እዩ ሓቀይና ርክብ ዝኸውን . . . ምትእምማን ማለት ንነብስኻ ኣብ ጫማ ካልእ ኣእቲኻ ብንቑሕ ፍቕሪ ምውሳእ ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም። ኣብዛ መብዛሕትኡ ግዜ ብነብሰ - ፍትወት እትልለ ዓለም፡ ዘመነ ምጽኣት ንኣመንቲ “ብኣፍደገ - ተኣምኖ” ክሓልፉ ይዕድም . . . “እዚ ዝኽወን ድማ ኣብ ኣምላኽን ኣብ ገዛእ ርእስናን ኣብ ካልኦትን ዘሎና እምነት ዳግማይ ብምርካብ ጥራይ እዩ” ኣንክብሉ ኣስሚሮም፥ “ኣብ ከባቢና ዘሎ ሰናይ ነገር ኣለሊና ክውንነት ክንቅበል እንኽእል፡ ዋላ’ውን ዘይምሽእ ኣብ ዝኾነሉ እዋን።”

14 December 2024, 16:52