ሓወልቲ ሓዘነ ማርያም ናይ ሚካኤልኣንጀሎ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዳግም ከም እተሓደሰ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሳላ እቲ ሓድሽ መከላኸሊ መስትያትን እተመሓየሸ መብራህትን እቲ ብሚካኤልኣንጀሎ እተሰርሐ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ምስሊ ሓዘነ ማርያም፣ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ዝርአን ዘተኣማምንን ኰይኑ ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ምምሕያሽ እዚ ሓደ ኽፋል ናይቲ ብሓፈሻዊ ኣገልግሎት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘካየዶ ዕዮ ዳግመ ሕደሳ ዓመተ ኢዮቤል እዩ ዝንበረ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ብሉጽ ስርሓት ዘመነ ተሓድሶ ዘለዎ ዘደንቕን ንውሕስነቱ ዘውሕስን ኣብቲ ዝርከበሉ ቤተመቕደስ ዓብዪ ምምሕያሽ ኣምጺኡ ይርከብ ኣሎ።
እቲ ትሽዓተ ቀጸላላታት ዘልዎን ጠያይት ዘየሕልፍን መከላኸሉ መስትያት ዝሓዘ ሓድሽ መቃን፣ ነቲ ብ1973 እተገጥመ ናይ ቀደም መስትያት ተኪእዎ ይርከብ ኣሎ ። እቲ ናይ ቅድም ኣባኡ ዝጸንሐ መስትያት ብባህርያዊ ግመ ስለ እተጐልበን ዝያዳ መከላኽልን ስለ ዘድለዪ እዚ ምምሕያሽ እዚ ኣድላዪ ነበረ። ሓላፊ ተክኒካዊ ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ኣገልግሎታት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዀነ መሃንድስ ኣልበርቶ ካፒታኑቺ "እዚ ሓድሽ መከላኸሊ መስትያት እዚ ኽሳዕ 26 ሞደሻ ኪጻወር ዝኽእል እዩ ፣ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ መዐቀኒታት ንላዕሊ ድማ ጠያይት ክከላኸል ዝኽእል እዩ ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ስነ - ጥበባዊ ስርሓት ዝለዓለ ዕቝባ ኸም ዚዀኖ ዚገብር እዩ " በለ ።
እቲ ንምዝዛሙ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ውጥን ካብ ኢጣልያውያን ነጋዶን ክኢላታትን ብዝገበርዎ ወፈያ እዩ ዝተመወልደ ። ገለ ኻብቶም ቀንዲ ገበርቲ ሰናይ ከኣ ባንካ ሰላ፣ ሳንሎረንዞ ስፓ ከምኡውን ኢናልፒ ስፓ ይርከብዎም።
ሊቀ ካህናት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ጋምቤቲ "ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዓለምለኻዊ ጂኦፖለቲካዊ ዅነታት ምእመናን እንደገና ብዛዕባ እታ ንደቂ ሰብ ወዲ ኣምላኽ ዘቕተበትሎም ቅድስቲ ኣደ ኺሓስቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ዕዮ እዚ ንልቢ ሰባት ንምትዕራቕ ከምኡውን ናብ ሕውነትን ሰላምን ዝመርሕ መገዲ ንምህናጽ መገዲ ዝኸፍት ኢዩ።"
ቤተ-ክርስትያን ንሓወልቲ ሓዘነ ማርያም ኣብ ርእሲ እቲ ሓድሽ መከላኸሊ ጥርሙዝ በቲ ኢጉዚኒ ዚበሃል ኢጣልያዊ ኩባንያ እተወፈየ ዘመናዊ መብራህቲ እውን ኣግጢማትሉ ትርከብ። እዚ ሓድሽ ኣገባብ እዚ ነቲ ስነ-ጥበባዊ ስርሓትን ቅብኣ ስእልታን እቲ ቤተ-ክርስትያን ብዝያዳ ኸም ዚርአ ብምግባር ንበጻሕቲ ሓፈሻዊ ናይ ኣድናቖት ተመክሮ ኸም ዚህልዎም ዝገብር ኢዩ።
ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ናይ ምሕዳስ ውጥን ነቲ ኻብ 1629 ክሳዕ 1632 ጆቫኒ ላንፍራንኮ ዝበሃል ቀባኢ ዝሰኣሎ ቅብኣታት ዘለዎ ጽፍሒ እቲ ባዚሊካ ምድልዳልን ምምላስን ዘጠቓልል ኢዩ ዝነበረ ። እዚ ካብ ሕማማት ክርስቶስ እተወስደ ፍጻመታት ዜርኢ ቅብኣ ኣሳእል ናብቲ ናይ ቅድም ኩነቶም ብጥንቃቐ ምምላስን፣ እዚ ድማ ነቲ ዚመጽእ ወለዶታት ከም ዝዕቀብ ንምግባርን ኢዩ ።
እቲ ብ1498-99 እተቐርጸ ሓወልቲ ሓዘነ ማርያም ናይ ሚካኤልኣንጀሎ ኣብ ኣልባብ ኣፍቀርቲ ስነ-ጥበብን ነገድያንን ፍሉይ ቦታ ዘለዎ ኢዩ። በዚ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተገብረ ምምሕያሻት እቲ ቕርጻ ብዝያዳ ዝርአን ዘተኣማምን ውሕስነት ዘለዎን ኮይኑ ኣኽብሮትን መንፈሳውነትን ከም ዚለዓዓል ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ መደምደምታ እቲ ንሓወልቲ ሓዘነ ማርያም ናይ ሚካኤልኣንጀሎ እተገብረ ምሕዳስ ዕቝባን መብራህትን ንሓደ ኻብቲ ኣብ ዓለም ዝኸበረ ስርሓት ስነ-ጥበብ ኣብ ምዕቃብን ኣብ ምቕራብን ዓብዪ ዓወት እዩ ዜመልክትን ኢዩ። ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመጹ በጻሕቲ ነቲ ስነ-ጥበብን መንፈሳውነትን ዘለዎም ቈራጽነት ዘንጸባርቕ ብዘይ ዕንቅፋት ከምኡውን ብብርሃን ክርአ ዘኽእል ኮይኑ ኣሎ።