ኣቦ መንበር ናይ ላዕለዋይ ምንፈሳዊ ቤት ፍርዲ ቫቲካን ፒኛቶነ ብምኽንያት ዕድመ ጡረታ ወጺኦም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ክሊ ዕድመ ጡረታ ንዝበጽሑ ኣቦ መንበር ቤት ፍርዲ ሃገረ ቫቲካን ጁሰፔ ፒኛቶነ ብምስጋና ኣፋነውዎም ። "ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ዶ/ር ጁሰፔ ፒኛቶነ ኣብቲ ንቤት ፍርዲ ሃገረ ቫቲካን እተመደበ ገደብ ዕድመ ብምብጽሖም ካብ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ቤት ፍርዲ ቫቲካን ተሰናቢቶም ኣለዉ " ዝብል መገለጺ ውን ወጸ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ስለቲ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ዘወፈይዎ ኣገልግሎት እንከመስግንዎም ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ካብ ዕለት 31 ታሕሳስ 2024 ኣትሒዞም ካብ ኩሉ ግድነታት ዝነበርዎ መዝነት ናጻ ከም ዝኾኑ ኣምልከቱ።"
ፒኛቶነ ካብ 2012 ክሳዕ 2019 ዓቃቤ ሕግ ከተማ ሮማ ኮይኖም ድሕሪ ምግልጋል ፣ ኣብታ ዓመት እቲኣ ርእስ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንነበር ኣቦ መንበር ቤት ፍርዲ ሃገረ ቫቲካን ጁሰፔ ዳላ ቶረ ብምትካእ ንምሕደራ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝምልከት ጕዳያት ንዘገልግል ላዕለዋይ ሓላፊ ቤት ፍርዲ መዘዝዎም ። ንልዕሊ ኽልተ ዓመት ዝኸውን ፒኛቶነ ኣብ ቁጠባዊ ምሕደራ ቅስቲ መንበርን ከምኡ ውን ንከም እቲ ዝሓለፈ መዓልታት እተመደበ ቍጠባ መዘምራን ቤት ጸሎት ሲስቲና ዝኣመሰለን ካልእ ጕዳያትን ውን ከይተረፍ ኣብ እተኻየደ መጋባእያታት ኣስታት 86 ክሂሎታት ተኻፊሎም ኢዪም ።
ፒኛቶነ ብዕለት 8 ግንቦት 1949 ኣብ ካልታኒሰት ተወሊዶም ብ1971 ካብ ዩኒቨርሲቲ ፓለርሞ ብሥነ ሕጊ ተመረቑ ። ኣብ ካልታኒሰት ዳኛ ኮይኖም ድሕሪ ምግልጋል ድማ ካብ 1977 ኣትሒዞም ኸኣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ከገልግሉ ጸንሑ ። ብ2008 ከም ዓቃቤ ሕግ ከተማ ሮማ ተመዙ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2012 ድማ በቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ፍርዲ ኢጣልያ ድማ ከም ላዕለዋይ ወሳኒ ኣካል ዓቃቤ ሕግ ሮማ ዀይኖም ተሾሙ ።