ድለ

2024.12.12 መልእኽቲ መዓልቲ ሰላም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምልዋጥ ልብን ኣእምሮን ክህሉ ዝዕድም እዩ 2024.12.12 መልእኽቲ መዓልቲ ሰላም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምልዋጥ ልብን ኣእምሮን ክህሉ ዝዕድም እዩ 

መልእኽቲ መዓልቲ ሰላም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምልዋጥ ልብን ኣእምሮን ክህሉ ዝዕድም እዩ

ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ከምቲ ልሙድ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሓድሽ ዓመት ዕለት 1 ጥሪ መበል 58 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ዘማእከለ ጋዜጣዊ መገልጺ ዕለት 12 ታሕሳስ ከም እተወሃበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2025 ዓ.ም. ዕለት 1 ጥሪ መዓልቲ ሰላም ናይ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ኣርእስቲ “በደልና ይቕረ በለልና ሰላምካ እውን ሃበና" ዝብል ምዃኑ ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መገልጺ ክም እተሓበረን እቲ መልእኽቲ ሰላም ምስ 2025 ዓ.ም. ምስ ዝበዓል ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ዘለዎ ትርጉም ዘጒልሕ ምዃኑ ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማይክል ችዘርኒ ኣብሪሆም፡ ናይ ካቶሊካዊ መርበባዊ ምንቅስቓስ ፈጻሚ ኣካል ሓላፊት ክሪሳን ቫይላንኮርትን ቪቶ ፎንታና ትካል ኣፍራዪ ነተጉቲ ዝውንን ዝነበረ ሕጂ ኣብ እዋን ከቢድ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ህጹጽ ረድኤት ምስ ዘቕርብ ማሕበር ብምትሕብባር ዘገልግል ኣሳቲፉ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተመልከተ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕድገት፡ ምሕዳስ፡ ዓለማዊ ሓላፍነት

ካርዲናል ችዘርኒ ኣብ መንጎ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ሰላምን ኣዋጅ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ዘሎ ሕመረት የጉልሑ፥ እቲ መልእኽቲ ሰላም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትርጉም “ሓጢኣትን ዕዳታትን” ዘወሃህድ ምዃኑ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ መልእኽቶም ይቕሬታን ምሕዳስን ዓለማዊ ሓላፍነትን ይምሕጸኑ።

ብፍላይ ኣብ ዓለም ዘሎ በደልን ክፍኣትን ንምምካት ኣብ ኢየሱስ ዘሎና እምነት ከነሐይል ዝዕድመና ከም ዝኾነን፡ ንኻልኦት ብፍላይ ድማ ንድኻታትን ምድርን ብፍቕርን ሓላፍነትን ተመሪሕና ንልብን ኣእምሮን ንምልዋጥ ቃል ክንኣቱን ሓድነትን ሓልዮትን ዘዕቢ ለውጢ ዘምጽእ ኣረኣእያ ብምሕቋፍ፡ ከም ምሕረት ዕዳ ወጻኢ፡ ምውጋድ ናይ ሞት ፍርዲ፡ ምቅላስ ጥሜት ዝኣመሰሉ ዓለማዊ ተግባራትን ንምርጋፍ ኣጽዋር ክትጋህ ዘተባብዕ መልእኽቲ እዩ . . . እዚ ስጉምትታት እዚ፡ ይቕሬታን ፍትሕን ምትሕግጋዝን ኣብ ሽግር ዝመልኦ ዓለም ናብ ተስፋን ሰላምን ዝወስድ መንገዲ ምዃኑ ዘጉልሕ መልእኽቲ እዩ እንክብሉ ካርዲናል ችዘርኒ የብርሁ።

ባህሊ ህይወት ምህናጽ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሞት ፍርዲ ክስረዝ ዝጣበቕ ናይ ካቶሊካዊ መርበባዊ ምንቅስቓስ  ፈጻሚት ኣካል ዋና ሓላፊት ክሪሳን ቫይላንኮርት መርፊ፡ መልእኽቲ ሰላም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይቕሬታ ወይ ሕድገት ​​መሰረት ሰላም ምዃኑ ዘጉልሕ እዩ ክትብል ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ፡ ውልቀሰባትን ሕብረተሰባትን ንመሓውር ሓጢኣት ክገጥምዎን ፈውሲ ከስፍሑን ብፍላይ ድማ ብመገዲ ብድሆ ምሕዳስ ፍትሒ ከም ዝኾነ ዘነጽር እዩ . . . እቲ ንኹሉ ዝሓቁፍ ናይ ቅዱስነቶም መልእኽቲ ሰላም፡ ሓሳባዊ ዘይኮነስ ተግባራዊ ጻውዒት እዩ፡ እዚ ድማ ይቕሬታ ​​ንምሕቋፍን ከም ናይ ሞት ፍርዲ ዝኣመሰሉ መሓውራት ዓመጽ ንምፍራስን፡ ኣብ ምሕረትን ፍትሕን ዝተመስረተ ባህሊ ህይወትን ሰላምን ንምህናጽ ዝዕድም ምዃኑ ተመልክት።

ንግዲ ኣጽዋር

ቪቶ ኣልፊየሪ ፎንታና ዝተባህለ ኢጣልያዊ ኣፍራዪ ነተጉቲ ነበር፡ ንህይወቱን ተልእኾኡን ዝቐየረ ተጣባቒ ሰላምን ዓለም ለኻዊ ተሓታትነትን ዘነቓቕሕ ኮይኑ፡ ንግዲ ኣጽዋር ኣብ ምትላል ቅልጡፍ ፍታሕ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሸለል እናበለ ንመኽሰብ ዝኸውን ግርጭታት ብምጉህሃርን ብኸመይ ከም ዝስስን ኣብሪሆም፡  ኲናትን ሓሶትን ዘይምዕሩይነትን ንውሑዳትን ሓያላትን እናጠቐመ ንኣካሊት ማሕበረሰባት ከም ዝትርትርን ብኲናት ዝተሃስዩ ሰባት ግብረ ሰናይ ዘይኮነስ ፍትሒ ከም ዝጠልቡን ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘጉልሖ ጉዳያት ምዃኑ ኣስተብሂሉ፡ እቶም ካብ ግጭት ዝረብሑ ሰባት እዮም ነቲ ዝወረደ መጉዳእቲ ንምጽጋንን ንምሕዋይን ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ዘለዎም ዝብል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ኣምር ብምቅላሕ ሓቀይና ሰላም ዓለም ኣብ ልዕሊ ብኲናት ዝተሃስዩ ማሕበረሰባት ዘለዋ ሓባራዊ ዕዳ ኣፍልጦ ምሃብን ሓቢርካ ዕርቂን ፍትሕን ንምንባርን ንምስዓብ ተወፋይነት ከምዘድሊ እምንቶኡ ከም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 December 2024, 15:56