ድለ

ቫቲካን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሓድሽ ፖስታ ቤት ኣመሪቝ ቫቲካን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሓድሽ ፖስታ ቤት ኣመሪቝ  (AFP or licensors)

ቫቲካን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሓድሽ ፖስታ ቤት ኣመሪቝ

ሓደ ሰብ "ቃል ኣምላኽ ክሰድድን ክቕበልን" ዝኽእለሉ ሓድሽ ተንቀሳቓሲ ፖስታ ቤት ቫቲካን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 19 ታሓሳስ ተምሪቑ ኣገልግሎት ምሃብ ከም ዝጀመረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 19 ታሕሳስ 2024 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት እቲ ብፖስተ ኢጣልያ (ኣገልግሎት ፖስታ ኢጣልያ) ዝተለገሰ ተንቀሳቓሲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ፖስታ ቤት ተመሪቑ ድሮ ኣገልግሎት ምሃብ ከም ዝጀመረን እዚ ንነጋድያንን በጻሕትን ካብ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ደብዳቤ ንኽልእኹ ዘብቅዕ ከምኡ እውን ናይ ሃገረ ቫቲካን ቴምፕብራት ዘቕርብ ምስ ታሪኽ ሃገረ ቫቲካን ዘላልይን ከም ዝኾነ እቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተተኽለ ተንቀሳቓሲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ፖስታ ቤት ንምምራቕ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ናይ ሃገር ቫቲካን ኣመሓዳሪ ካርዲናል ቨርገዝ ኣልዛጋን ናይ ኢጣሊያ ኣባይቲ ፖስታ ዋና ሓላፊ ጁሰፐ ላስኮን ዋና ጸሓፊ ቤት ምሕደራ ሃገረ ቫቲካን እናቴ ራፋኤላ ፔትሪኒ ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ተንቀሳቓሲ ፖስታ ቤት ቫቲካን ንስራሕ ወይ ንኣገልግሎት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብሓቂ “ቃል ኣምላኽ ክትልእኽ፡ ክትቅበል፡ ክትራኸበሉን” እትኽእለሉ ቦታ ክኸውን እዩ እንክብሉ ካርዲናል ኣልዛጋ ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ምረቓ ስነ ስርዓት ተረኺቦም ነቲ ተንቀሳቓሲ ፖስታ ቤት ቫቲካን እንክባርኹ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካ ይሕብር።

ንርክብን ሓድነትን ዘገልግል ቦታ

ብፁዕ ካርዲናል ኣልዛጋ ብዛዕባ ኣብ ወንጌላት ዘሎ ብስራት እንከስተንትኑ፥ ካብ ኣምላኽ ዝተላእከ ቃል ብስራት ናብቲ ብዙሕ ዘይፍለጥን ብዙሕ ግምት ዘይወሃቦ ዝነበረ ከተማ ናዝሬት ሰባት ከብጽሕ ገብርኤል መልኣኽ ከም እተላእከ ኣዘኻኺሮም` እቲ መልእኽቲ ድማ ናብቶም ብዙሕ ዘይፍለጡን ትሑታትንን ከም ማርያም፡ እታ ንእሽቶ ከተማን ናዝሬት’ ከም ዝበጽሐን ሰዳድን ተቐባልን ንጹር ዝኾነሉ ኵላዊ መልእኽቲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ንኹሎም ሰራሕተኛታትን ነጋድያንን፡ በጻሕትን ካልእን ነቲ ቤት ጽሕፈት ዝጥቀመሉ ሰባትን ንብጽእቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም እኖ "ናይ ርክብን ሓድነትን ኣገልግሎት ቦታን" ከም ዘወከፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዘላቕን ተበጻሕን ፖስታ ቤት

ኣብ ጸጋማይ ሸነኽ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ እዚ ፖስታ ቤ ሰለስተ ናይ ስራሕ መደበራት ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብ ዕንጨይቲ ሓዊሱ ከባቢ ብዘይብክል ንብረት ዝተሰርሐ ክኸውን እንከሎ፡ ነጋድያንን፡ ዜጋታትን በጻሕትን ንምቕባል ድሉው ከም ዝክዕነን ብዘይካ እዚ ባህላዊ ኣገልግሎት ፖስታ፡ ንመጽናዕቲ ማሕተም ፖስታን ታሪኽ ፖስታን ዝተወፈየ ቦታ እውን ኮይኑ ከም ዘገልግል ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 December 2024, 16:39