ድለ

ፍርቂ ሚልዮን ነጋድያ ድሮ ብቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝሓለፉ ተሓቢሩ ፍርቂ ሚልዮን ነጋድያ ድሮ ብቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝሓለፉ ተሓቢሩ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ፍርቂ ሚልዮን ነጋድያ ድሮ ብቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝሓለፉ ተሓቢሩ

ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብወግዒ ካብ ዝብገስ ኣብ ቀዳሞት ክልተ ሰሙናት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ነጋዲያን ብቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝሓለፉ ዜና ቫቲካን ቤት ጽሕፈት ኣወሃሃዲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ዘቕረቦ ጸብጻብ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዕለት 24 ታሕሳስ 2024 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽፋት ብወግዒ ካብ ዘበገስሉ ክልተ ሰሙን ድሮ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ነጋዲያን ብቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝሓለፉ ዕለት 7 ጥሪ ቤት ጽሕፈት ኣወሃሃዲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምምልካ፡ት ብትኽክል ድማ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ብቅዱስ ኣፍድገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓለፉ ነጋዲያን 545,532 ከም ዝኾኑ የረጋግጽ።

ብሉጽ ጅማሮ ኢዮቤል

ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ፡ ናይ ስብከተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተን ኣወሃሃዲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ንብዝሒ እቶም ድሮ ቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ዝሰገሩ ነጋዲያን ተወኪሶም “ትርጉም ዘለዎ ጅማሮ” እዩ እንክብሉ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፥ “እዚ እውን ነቲ ኣብ ከተማ ሮማን ኣብ ከባቢ እተን ኣርባዕተ ጳጳሳዊ ባዚሊካታትን ነጋድያን ዝስምዖም ዓቢ ናይ ድሕነትን ጸጥታን ስምዒት ዘንጸባርቕ እዩ” ቢሎም፥ ቫቲካን ምስ ሰበስልጣን ኢጣልያን ናይ ከተማ ሮማ ቤት ጽሕፈት ህየንተ መንግስትን ብምትሕብባር ዘረጋግጽዎ ዘለዉ ድሕነትን ስሉጥ ኣወዳድባን ዋሕዚ በጻሕቲ ንምርግጋጽ ብትግሃት ይሰርሑ ከም ዘለዉ ዘረጋግጽ እዩ፡ ይኹን እምበር ኣብ ምምሕዳር ዋሕዚ ነጋድያን ኣብ መጀመርታ ገለ ብድሆታት ከምዝነበረ ኣሚኖም፡ እቲ ዘጋጠመ ምድሆታት ድማ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንኹሉ ንምምሕያሽ ተጊሁ ንኽዓዪ ብሉጽ ተመክሮ ከም ዝኾነ ይሕብሩ።

ኢዮቤል ንሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን

ናይ መጀመርታ ዓቢ ፍጻመ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ካብ ዕለት 24 ክሳብ ዕለት 26 ጥሪ ዝካየድ መደብ ኢዮቤል ንሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሃን ዝውከል ምዃኑ ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ ሓቢሮም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ጋዜጠይናታት፡ ክኢላታት መራኸቢ ብዙሓን ሰብ ሞያ ርክብን ሓበሬታን ኣብ ሮማ ክእከቡ ትጽቢት ይግበር ከም ዘሎ ሓቢሮም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 January 2025, 15:24