ቅዱስ ኣፍ ደገ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ስግር መናድቕ ሮማ ተኸፊቱ

ኣብ ድሮ በዓለ ኣስተርእዮ ዘእግዚእነ ኣብ ካልአይቲ ሰንበት ዘመነ ልደት ብፁዕ ካርዲናል ጄምስ ሃርቪ ሊቀ ኻህናት ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ስግር መናድቕ ከተማ ሮማ ዚርከብ ናይ ዝርከብ ቅዱስ ኣፍደገ ኸፊቶም፣ መዝሙር ዓመተ ኢዮቤል እና ተዘመረ ድማ ነቲ ድርኵዂት ባዚሊካ ተሳገሩ። ቤተ-ክርስትያን ንነፍሲ ወከፍ ነጋዲ ዓመተ ኢዮቤል "ብኣሰር እምነት መንፈሳዊ ጕዕዞ ኺገብሩ" ትእድም ከም ዘላ ውን ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"'ናብ ቤት ኣምላኽ ንኺድ!' ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ። ኦ ኢየሩሳሌም ኣእጋርና ኣብ ኣፍ ደገታትኪ ደው ኢለን ኣለዋ።” ክብል እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንዝበሎ ቓላትን ደሃይ መለኸትን ምስቲ ትማሊ ሰንበት ዕለት 5 ጥሪ ብብፁዕ ካርዲናል ጄምስ ማይክል ሃርቪ ሊቀ ካህናት ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ስግር መንደቕ ሮማ ኣብ ዚርከብ እተ ኻየደ ምኽፋት ናይ መወዳእታ ቅዱስ ኣፍደገ ጽንብል ኢዮቤል ተሳንዩ ዝኸይድ ኢዩ ዝነበረ።

እዚ ብተኸታታሊ ዝተካየደ ጽምብላትን መደባትን ነቲ ኣብ ምኽፋት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ዘሎ ቅዉም ሓሳብ ዘቃልሕ ኢዩ ዝነብረ። እዚ ድማ ካብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ስዒቡ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሪቢብያ ሮማ ከምኡውን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራንን፣ ቅድስተ ማርያም ዓቢይን ስዒቡ እተኸፍተ ቅዱስ ኣፍደገ ኢዩ ። እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእማናን ናብቲ ቅርያት ሓዋርያዊ ኣህዛብ ዝሓዘ ባዚሊካ ቅድሚ ምእታዎም ናብቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድባባዊ ኣይቆና ዝርከብ መስቀል ገጾም ጠመቱ። ኣብ ትሕቲ እዚ ንሞትን ሓጢኣትን ንምስናፍ እተገብረን ንህይወት ዜመልክት ክልተ ቓላት ብላቲን ተዘርዚሩ ዘሎ - ' Spes unica' ዚብላ ቓላት ክርስቶስ እንኮ ተስፋ ዝትርጐም ነቲ ክርስቶስ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ዜኽእለናን ናባኡ እንኣትወሉ ኣፍ ደገን ምዃኑን ዚገልጻ እያተን ።

ምኽፋት ቅዱስ ኣፍደገ

ኣብቲ ኣብ ጥቓ ጸጋማይ ገማግም ገለግ ጢግሮስ፣ ቪያ ኦስቲንስ ዝተሰምየ ጐዳና ኣብ ክፍለ ከተማ ቅዱስ ጳውሎስ ዝርከብ ባዚሊካ ከምኡውን ካብቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ሰማዕትነት እተቐበለሉ ቦታ ሒደት ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ኣፍደገ ናይ ምኽፋት ሥነ-ስርዓት ብፍሉይ ናይ ጸሎት መደባት ተኻዪዱ። ብፁዕ ካርዲናል ሃርቪ ናብቲ ናይ ህይወት ቅዱስ ጳውሎስ ኣገዳሲ ፍጻመታት ዜርኢ ብነሓስ እተገብረ ብየማናይ ሸነኽ እቲ ህንጻ ዚርከብ ቅዱስ ኣፍደገ ተረኽቡ። ብድሕርዚ እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመና ብናይ ጸሎት መንፈስ ብጽሞና ደው ኢሎም ብተመስጦ ይዕዘቡ ነበሩ። ስዒቡ ድማ እቲ ዓቢይ ደወል ናይቲ ባዚሊካ ኪድወል ጀመረ።

ብፁዕ ካርዲናል ሃርቪ እቲ ኣብ ዓመት እቲ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ወግዓቢ መዝሙር ክዝመር ምስ ጀመረ ነቲ ቅዱስ ኣፍደገ ከፊቶም ድርኩኺቱ ተሳጊሮም ሓለፉ። ኣባላት ናይዚ ኣብ ስግር መናድቕ ከተማ ሮማ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሃል ገዳም እውን ዓዲቦምዎም ብምእታው ናብ መካነ ኑዛዜ ገጾም ከዱ ። እዞ ሊቀ-ካህናት ናይዚ ርእሰ ኣድባራት ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ምስ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ሪኖ ፊሲኬላ ተራዳኢ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ሓድሽ ኣስፍሖተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅስቲ መንበርን ኣዋሃሃዲ ዓመተ ኢዮቤል ናብ ምንበረ ታቦት ገጾም ኣምርሑ። ኣብቲ ዕለተ እቲ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድማ ልዕሊ 2,800 ምእመናን ተሳተፉ ።

ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ስግር መናድቕ ሮማ
ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ስግር መናድቕ ሮማ
ምኽፋት ቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ

ሓጐስን ተስፋን

እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናንን ነጋድያንን ነቲ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ዝተወስደ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ብዛዕባ እቲ ቃል 'ኣብ መንጎና ማሕደሩ ዝገብረ' ዚገልጽ ክንበብ ሰምዑ። ብፁዕ ካርዲናል ሃርቪ እቶምም ነቲ ቅዱስ ኣፍደገ ዝኸፈቱ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ "እዚ ተፍባር እዚ ከም ጽዋዕታ ከም ምኹኑ ሓደ ተራ ተግባር ኢዩ" በሉ። "ብዓምሳላዊ  መገዲ ብኣፍ ደገ ተስፋ ስለ ዝሓለፍና ድርኵዂት እታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ብዓብዪ ሓጐስ ተሳጊርናያ ኣሎና።" ኣብዛ ቅድስቲ ዓመት ክልተ ቐንዲ ቓላት ከነስተንትነለን ዘሎና ክብሉ ኣጕልሑ ንሳተን ድማ - ሓጐስን ተስፋን ኢያተን ። ብፁዕ ካርዲናል ሃርቪ "መድሓኒ ስለ እተወልደ ሓጐስ፣ እዚ ድማ ክርስቶስ ተስፋና ክንዲ ዝዀነ እዩ።"

ይቕሬታን ምሕረትን

ሓጐስ እቲ "ብኢየሱስ ክርስቶስ እተዋህበና ውህበት ድሕነት ቅንቕበለሉ ቅኑዕ ስምዒት" ከም ምዃኑ ነቲ ቤተ-ክርስትያንን ህዝቢ ኣምላኽን ኣብዚ እዋን እዚ ዘሕለፍዎ ዘለዉ ግዜ ሓድነት ከም ዘምጽእ ገለጹ። ኣብዚ ዓመት እዚ በዓል ልደት ኣብ ዚበዓለሉ ዘመን ዚርአ ሓጐስ ምስ ዓመት ኢዮቤል እተተሓሓዘ እዩ፣ እዚ ጕዕዞ እዚ ኸኣ እቲ ኮዀብ ልደት ንዅሉ ወድሰብ ዝመርሕን ንዚወስድዎ ስጕምትታት ይቕረታ ዚሓትትን እዩ። ኣስዒቦም ድማ ኣብ ስብከቶም "እዚ ቅዱስ ኣፍደገ ኣብ እተኸፍተሉ ነቲ ክርስቶስ ብስጋዌኡን ብሞቱን ብትንሳኤኡን ኣቢሉ ንዅሎም ኣባላት ቤተ-ክርስትያን ምስ ኣምላኽን ንሓድሕዶምን ክዕረቑ ንምጽዋዕ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ምድሓን ጸዋዕታ ዘመልክት ኢዩ" በሉ።

ድርኵዂት እዚ ቅዱስ ኣፍ-ደገ ብእምነት ምስጋር ክበሃል ከሎ ናብ "ግዜ ምሕረትን ይቕረታን" ምእታው ማለት ኢዩ ። ንደቂ ኣንስትዮ ዀነ ንደቂ ተባዕትዮ እዛ ዘይተሕፍር መገዲ ተስፋ ኽትከፍተሎም ትኽእል እያ።" ስለዚ "ሕጂ ተስፋ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘድልየና! ኣብዚ ድሕሪ ለበዳዊ ሕማም ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመታትን ውግእን ከምኡውን ብእተፈላለየ ዓይነት ቅልውላዋት ዝቘሰለ ተስፋ ኣብዚ ግዜና እውን ተራእዩ ኢዩ" በሉ።

ተስፋ ዘለዎም ንግደት

ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ተስፋ ንዝበልዎ ዘከሩ - "ተስፋ ባዶ ዝኾነ ቃል ወይ ኵሉ ነገር ዝሓሸ ክኸውን ዝኽእል ኢዩ ዝብል ዘይንጹር ትምኒት ኣይኰነን ፣ ኣብ ክንድኡስ ኣብቲ ኣምላኽ ዝኣተወልድና ኪዳን ዘሎና ተኣማንነት እተመስረተ ብምዃኑ ተስፋና ርግጽነት ኢዩ ።"

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ተስፋ ከም ሓደ "ልኡም መንፈሳዊ ሓይሊ" ገይርካ ክውሰድ የብሉን፣ እዚ ድማ ሓደ ሰብ "ንኽፍጸም ጥራይ ዝጽበየሉ" እዋን ኢዩ። ከም ሓቁ እኳ ደኣስ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ትምህርትም ዘጕልሕዎ "ንነገራት ኣብ ምፍጻም ዝሕግዝ ኣዝዩ ንጡፍ መንፈሳዊ ሓይሊ ኢዩ።"

ብፁዕ ካርዲናል ሃርቪ ኸም ዝገለጽዎ ዓመት እልልታ 2025 ልክዕ ከም ነፍሲ ወከፍ ቅዱስ ዓመት ንግደት ክንከውን ኢና እንሕተት ዘሎና፣ እዚ ኸኣ "ክፍሊ እቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ብምእዋጅ ንኽልተ ሽሕ ዓመት ኣብ ጐደናታት እዛ ዓለም እዚኣ እተጓዕዘ ማሕበር ምዃንና" ዘመልክት እዩ። ቤተ-ክርስትያን ንነፍሲ ወከፍ ነጋዲ "ኣስኣሰር እምነት ብምስዓብ መንፈሳዊ ጕዕዞ ኺገብር" ትዕድም ኣላ። "መንፈስ ቅዱስ... ኣብዚ ናይ እምነት ጕዕዞና ስጕምቲ ክንወስድን ኣብቲ ዘየሕፍር ተስፋ ጽኑዓት ክንከውን የሰንየና" ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ምኽፋት ቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ስግር መናድቕ ከተማ ሮማ
07 January 2025, 09:00