ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዮርዳኖስ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ምጥማቕ ስርዓተ ንግስ ክሰርዑ እዮም ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዮርዳኖስ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ምጥማቕ ስርዓተ ንግስ ክሰርዑ እዮም  (ANSA)

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዮርዳኖስ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ምጥማቕ ስርዓተ ንግስ ክሰርዑ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ጥቓ ገማግም ፈለግ ዮርዳኖስ ዝተሓንጸ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ምጥማቕ ንቕዱስነቶም ወኪሎም ስርዓተ ንግስ ንኽመርሑ ከም ዝሰምይዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓድሽ ንዝተሃንጸ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ምጥማቕ ስነ ስርዓተ ንግስ ንኽመርሑ ልኡኸይ እንክብሉ ዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ናብ ዮርዳኖስ ንኽገሹ ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉሎም መልእኽቲ፥ Lumen Gentium - ብርሃነ ኣህዛብ ዘርእስቱ ውሳነ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፥ "እግዚኣብሄር ንደቂ ሰባት ብውልቅን ኣብ መንጎኦም ብዘይ ዝኾነ ማእሰርን ዘይኮነስ ክቕድሶምን ከድሕንን እዩ ዝደለየ፡ እንተኾነ ግን ብሓቂ ኣፍልጦ ዝህብን ብቕድስና ዘገልግሎን ህዝቢ ከቕውም እዩ ዝደሊ" ዝብሎ ጠቒሶም፥ በዚ መሰረ ድማ  ንሓድሽ ዝተሓንጸ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ምጥማቕ ስርዓተ ንግስ ክፍጽሙ ልኡኸይ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። እቲ ስነ ስርዓት ንግስ ዕለት 10 ጥሪ ኣብ ዮርዳኖስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናብቲ ኢየሱስ ዝተጠመቐሉ ቦታ መንፈሳዊ ንግደት ዘበገሰትሉ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት ዝፍጽም ኮይኑ፡ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ገማግም ፈለግ ዮርዳኖስ (ኣል-ማግታስ) ኣብ ዝርከብ ቦታ ዝተሓንጸ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ምጥማቕ ንቅዱሰንቶም ወኪሎም ስርዓተ ንግስ ክፍጽሙ እዮም፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ጽምብል ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣባላት መደበይና ጉባኤ ጳጳሳት ክሓብሩ ከም ዝኾኑ እውን የመላኽት።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ንዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ገማግም ፈለግ ዮርዳኖስ ሕንጸት ቤተ ክርስቲያን ደብረ ምጥማቕ  15 ዓመታት ከም ዝወሰደን ምእመናን ነቲ ደብረ ምጥማቕ ብሃንቀውታ ይጽበዮ ከም ዝነበሩ እውን ብምምልካት፡ ነቲ ህዝበ ክርስቲያን ቤተ ክርስቲያን ደብረ ምጥማቕ ክህነጸሉ ዝተገብረ ጻዕሪ ቤተ ክርስቲያን ንማሕበረሰብ ኣመንቲ ዘለዋ ፍቕሪ ዝምስክር እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ዮርዳኖስ ዝያዳ ንክርስቶስ ክመስልዎ፣ ነቲ ካብ እምነት ዝምንጩ ህያው ተስፋን ንጐረባብቶም ከፍቅሩን ብሓድሽ ሓይሊ ክምስክሩ ድማ ከተባብዕዎም ንካርዲናል ፓሮሊን ተላብዮም፥ ኣብ መወዳእታ ንኹሎም ኣብቲ ጽምብል ንዝሓብሩ ሰላምታኦም ከብጽሑሎም ሓቲቶም፥ እዚ ድማ ነቶም ኣብቲ መደብ ንዝሓብሩ ካቶሊካውያን ጥራይ ዘይኮኑስ ንበርገሳዊ ሰበ ስልጣንን ኣመንቲ ካልኦት ሃይማኖታትን ንኹሎም ሰበስልጣን፣ ንኹሎም ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን፣ ሃይማኖታዊ ናጽነት፣ ዓለም ሓቆፍ ሰላምን ክብርን ዘነቓቕሑ ሰላምታኦም ከብጽሑሎም ከም እተላበዉን ናይቲ ደብረ ምጥማቕ እምነ መሰረት ዕለት 10 ግንቦት 2009 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተነብረን ዝተባራኸን እውን ምንባሩ የዘካኽር።

08 January 2025, 15:19