Opening of the Holy Door and Mass at Rome's Basilica of Saint Mary Major Opening of the Holy Door and Mass at Rome's Basilica of Saint Mary Major  (ANSA)

ቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ተኸፊቱ

ብፁዕ ካርዲናል ሮላንዳስ ማክሪካስ ንነጋድያን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብእምነት ኪጐዓዙ ብምዕዳም ነቲ ንዓመት ኢዮቤል 2025 ዘመልክት ቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ከፊቶም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ዕለት 1 ጥሪ ቅዱስ ኣፍ-ደገ ብዚሊካድስተ ማርያም ዓቢይ  ብወግዒ ተኸፊቱ ። እቲ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ እተኻየደ ጽምብል በቶም ሊቀ-ካህናት ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ዝኾኑ ሊትወይናዊ ብፁዕ ካርዲናል ሮላንዳስ ማክሪካስ ኢዩ ተመሪሑ። ብፁዕነቶም ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ኣብ እተኻየደ ጉባኤ ካርዲናላት ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ መዓርገ ካርዲናልነት ዝደየቡ ኢዮም።

ብፁዕ ካርዲናል ማክሪካስ ነቲ ቅዱስ ኣፍደገ ድሕሪ ምኽፋቶም ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ መንፈሳዊ ኣገዳስነት እዚ ቅዱስ ኣፍደገ ምስታ ኣደ ኣምላኽ ዝዀነት ድንግል ማርያም ዘለዎ ዓሚቝ ምሳሌ ኣስተንተኑ ። "ጕዕዞና ሎሚ ኢዩ ዝጅምር ብደሃይ ናይቲ 'ዝጠፍአ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ጫፍ ኵርባ ኢስኲሊን ዝድውል ጥንታዊ ደወል ከአ ኢዩ ዝጅምር" በሉ። እዚ ደወል እዚ ንዘመናት ዚኣክል ማእለያ ንዘይብሎም ነገድያን ዝመርሕ ዘሎ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ መብራህቲ ተስፋን ጻውዒት ጸሎትን እዩ።"

ማርያም፦ ምራሒት መብራህቲ

ብፁዕ ካርዲናል ነቶም ምእመናን ኣብ ዝለገሱሎም ስብከት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንደቅሰብ ከም መራሒት መብራህቲ መጠን ዘለዋ ግደ ከስተንትኑ ዓደምዎም ። እቲ "ምልኣት ጊዜ ምስ በጽሐ ኣምላኽ ነቲ ካብ ሰበይቲ እተወልደ ወዱ ለኣኸ" ዝብል ቃላት ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብምጥቃስ ማርያም ናይ ግዜ ምልኣት ከም እተመልክት ኣስተንተኑ። ንሳ "እታ ብኣምላኽ እተመርጸት መገዲ እያ" ውን በሉ። "ኣብኣ ዘለኣለማውነትን ታሪኽን ሓድነት ረኸቡ፣ ። ንሳ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ግዜ ኣምላኽ ናብዚ ድሩት ዝኾነ ህይወትና ዘምጽአት ንጽሕተ ንጹሓን ዝኾነት ኣደ ኢያ።"

ብፁዕ ካርዲናል ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - እዚ ባዚሊካ እዚ ድማ ነቲ ግኑን ዝኾነ ኣይቆና እኖና ድንግል ማርያም ድሕነት ሮማውያን ዝሓዘ ኢዩ፣ ብዛዕባኡ እንከስተንትኑ ድማ "እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ዘላትሉ እዋን ህውከት ኣይስዕርን ኢዩ፣ ፍርሂ ውን ኣይዕወትን ኢዩ ። ከምቲ ንኢየሱስ ሕጻን ኣብ መብልዕ ማል ዘደቀሰቶ ኣእዳዋ እውን ንህይወትና ይሓልየልና ክዳና እውን የዕቍበና ኢዩ።"

ኣይቆና ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን
ኣይቆና ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን

ጕዕዞ ተሓድሶ

ካብዚ ብምቕጻል ውን ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ እዚ ባዚሊካ ዝርከብ ቅዱስ መብልዕ ማል እውን ኣዘኻኸርዎም ። ካርዲናል ማክሪካስ ቀጺሎም "ሕስብ እሞ ኣብልዎ ግዜና ካብዚ መብልዕ ማል እዩ ዚግለጽ። እቶም ናይ መጀመርታ ነጋድያን ዝኾኑ ክርስትና — ጓሶት — ንጐይታ ንምርኻብ ካብ ግራውቲ ቤት - ልሄም ተበገሱ ። ሎሚ እውን ከምኡ ኢና እንገብር ዘሎና።"

ቅዱስ መብልዕ ማል
ቅዱስ መብልዕ ማል

ንብዙሓት ሰባት ንግደት ኢዮቤል ኣካላዊ ጕዕዞ ጥራይ ዘይኰነስ ዓሚቝ መንፈሳዊ ጕዕዞ እዩ ። ብፁዕ ካርዲናል ማክሪካስ ከምዚ በሉ - "እዚ መብዛሕትኡ ግዜ 'ቤት-ልሄም ምዕራባውያን' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብዚሊካና ልክዕ ከም ኰዀብ ቤት-ልሄም ዝመርሓና ማእከል ናይ ከተማ ሮማ እዩ። እምነትና ልክዕ ከምቲ ኰዀብ ጽባሕ ናብቲ ናይ ሓቂ ብርሃን ዓለም ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ” ከም ዘመልክተልና ውን ኣዘኻኽሩ።

ንዅሎም ነጋድያን ዚኸውን ተስፋ

ብፁዕ ካርዲናል ማክሪካስ ኣብ መደምድምታ ስብከቶም ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰነድ ኣዋጅ ዓመተ ኢዮቤል ንዝበልዎ ቃላት ጠቒሶም - "ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ምእንቲ ኽትመርሓና ህይወትናን ግዜናን ንኣደ ኣምላኽ ብሕድሪ ነወፍየላ።

ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል ንዅሎም እቶም ነጋድያን መንፈሱ ኪቕበሉ ብምምሕጻን ጸጋ ዝቕበሉሉ እዋን ምዃኑ ብፁዕነቶም ኣጕልሐ። "ካብዛ መገዲ ተስፋ እዚኣ እተገለለ ወላ ሓደኳ የልቦን። ማርያም ኣዴና ኣብ ጐድኒ ነፍሲ ወከፍና እያ ዘላ ። ንዅላትና ተፍቅረናን ወትሩ ናብ ወዳ ትመርሓና ውን እያ" ክብሉ ድማ ስብከቶም ዛዘሙ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ምኽፋት ቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ
መሥዋዕተ ቅዳሴ ምኽፋት ቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ
02 January 2025, 15:56