ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Finale: Allegro con spirito
መርሓ ግብሪ ፈነወ
2025.03.09 ESERCIZI SPIRITUALI CURIA - PASOLINI - AULA PAOLO VI 2025.03.09 ESERCIZI SPIRITUALI CURIA - PASOLINI - AULA PAOLO VI  

ሱባኤ ኵርያ ሮማና፦ እቲ ናይ መጀመርታ ሞት

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ክቡር ኣባር ሮበርቶ ፓዞሊኒ ነቲ ንሲባኤ 2025 ዓ.ም. ናይ ኩርያ ሮማና ዘሰናደውዎ ሳልሳይ ሳልሳይ ኣስተንትኖ ኣካፈሉ፣ ኣብዚ ክፍሊ ኣስተንትኖ ድማ ኣብቲ "ናይ መጀመርታ ሞት" ዝብል ኣርእስቲ ዘተኰረ ኢዩ ዝነበረ። ጽማሬ ናይቲ ኣስተንትኖኦም ድማ እንሆ ነቕርበልኩም፦

ኣባ ሮበርቶ ፓሶሊኒ - ሰባኬ ቤተ ጳጳስ

ዘለኣለማዊ ህይወት ድሮ ኸም ዝጀመረ ትዝ ዝብለና ስለምንታይ እዩ ? ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዝገልጸልና ሰባት ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ንተግባራት ኣምላኽ ስምዒት ኣልቦን ተጻባእትን ከም ዝነበሩ ኢዩ ዝሕብረና። ነብያት ብሉይ ኪዳን እቶም ህዝቢ ነቲ ኣምላኽ ዚፍጽሞ ዝነበረ "ሓድሽ ነገር" ኬስተብህሉሉ ብዘይምኽኣሎም ኰነንዎም፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እውን እቶም ሰማዕቱ ዘይርድኡ ምዃኖም ምስ ረኣየ ብምሳሊያዊ ኣዘራርባ ተዛረቦም። እዚ ንመልእኽቱ ንምቕላል ዘይኰነስ፣ ነቲ ምሉእ ህይወት ካብ ምርካብ ዓጽይዎም ዝነበረ ትሪ ልቢ ወድሰብ ንምጕላሕ እዩ ዝነበረ።

ሓድሽ ኪዳን ነዚ ዅነታት እዚ ድሮ ሞይትና እኳ እንተ ዀንና ኣይንፈልጦን ኢና ብዚብል ግርምቢጥ ዝኾነ መግለጺ ገይሩ እዩ ዘቕርበልና ። ሞት (ባህርያዊ ሞት) ናይ መወዳእታ ፍጻመ ህይወት ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ኣምላኽ ኪህበና ዝደሊ ዘለኣለማዊ ሕይወት ንኸይንርእዮ ዚዓግተና፣ ኣብ ገዛር ርእስና ዕጽዋት ብምዃን እውን እዩ። ኦሪት ፍጥረት ነዚ ርድኢት እዚ በቲ ብልማድ "ናይ ኣቦና ኣዳም ሓጢኣት" ኢልና እንጽውዖ ምስጥሪ ገይሩ ኢዩ ዝገልጸልና - ደቅሰብ ንህይወት ከም ውህበት ገይሮም ኣብ ክንዲ ዝቕበልዎ፣ ካብቲ ኣምላኽ ዘውጽኦ ደረት ንላዕሊ ክቈጻጸርዎ ኢዮም ዝጽዕሩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ እቲ ተመን ዝነገሮም ርእስኻ ናይ ምቍጽጻር ክእለት ዘይኰነስ ሕፍረትን ምድንጋርን እዩ ዘስዓበሎም ።

እዚ ናይ መጀመርታ "ውሽጣዊ ሞት" እዚ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ባዶነት ኣብ ክንዲ እንቃለሶ ንምስኪንነትና ብምስልን ግዳማዊ ኣሳልጦን ንምሽፋን ኣብ እንገብሮ ቐጻሊ ጻዕሪ እዩ ዚርአ። ይኹን እምበር ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣምላኽ በዚ ዅነታት እዚ ኣይሰንበደን፣ ከመይሲ ፈለማ "ኣበይ ኣለኻ?" ኢሉ ብምሕታት ንደቂ ሰብ ኬናድዮም ተረኽበ (ዘፍ 3፡ 9)። እዚ ኸኣ ውሽጣዊ ሞት መወዳእታ ዘይኰነስ ጕዕዞ ድሕነት መበገሲ ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ።

እዚ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብ ታሪኽ ቃየልን ኣቤልን እውን ይርከብ እዩ ። እዚ ኸኣ እቲ "ቐዳማይ ሞት" ክንሃድመሉ ዘይንኽእል ጽሕፍቶ ዘይኰነስ፣ ንዘለኣለማዊ ህይወት ከም ህሉው ኵነታት ጥራይ ዘይኰነስ ከም ህሉው ክውንነት እንደገና ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርቶስ ባዕሉ ነቲ ኣብ ህይወት ዜጓንፈና ፍጻመታት ከም ምልክት ኵነኔ ዘይኰነስ ንስሓ እንገብረሉ ፍሉይ ኣጋጣሚ ገይርና ክንትርጉሞ እዩ ዝዕድመና (ሉቃ 13፡4-5)።

ኣምላኽ ንውሽጣዊ ሞትና ኸም ስዕረት ዘይኰነስ ከም መበገሲ ሓድሽ ህላወ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ። ንዘለኣለማዊ ህይወት ዕንቅፋት ዚዀነስ ወይ ውን ንስነ ህይወታዊ ሞት ዘይኰነስ ንኣምላኽ ብምትእምማንን ብግሉጽነትን ንኽንመላለስ እንተ መሪጽና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ዚሓልፍ ሓቂ እተጠሓልና ኽንግንዘቦ ዘይምኽኣልና እዩ።

11 Mar 2025, 14:14
Prev
March 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
3031     
Next
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930