ሱባኤ ኩርያ ሮማና፦ ዘለኣለማዊ ደኣ እምበር ዘይምሟት ኣይኮነን
ብኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ - ሰባኬ ቤተ ጳጳስ
ኣብዚ ግዜና ብምዕባሌን ውሕስነትን ዝተታለለ ሓደ ከም ዘይትመውት ህይወት ዝብል ምናባዊ ኣተሃሳስባ ይምዕብል ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንድሩት ኵነታት ደቂ ሰብ ዕሽሽ ከም እንብሎ ኢዩ ዝገብረና። ሓድሓደ ግዜ ቤተ-ክርስትያን እውን እንተ ዀነት፣ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዜተኣማምን ምስክርነት ንምሃብ ገዛእ ርእሳ ኽትለምድ ኣብ እትቃለሰሉ ኩነት ኢያ እትርከብ።
እዚ ንሞት ዕሽሽ ምባል እዚ ነቲ ናይ ምጽባይ እዋን ብህድኣት ክንነብር ከም ዘይንክእል፣ ከምኡውን ኣብቲ ክውንነት ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ዘድልዮ ብዙሕ ዓውድታት ልዑል ንጥፈታትን ቈላሕታን ከም ዘሎና ዘርኢ ኢዩ። ፍርሂ ሞት ውሱን ምርጫታት ንምግባር ኣጸጊሙና እዩ ዘሎ፣ እዚ ኸኣ ምፍልላይ ከም ዚሰፍን ንኽንገብርን ነቲ ድሮ እተገብረ ውሳነታት ወትሩ ኽንስርዞ ኸም እንክእልን እዩ ዝገብረና ዘሎ።
ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሕብረተሰብ ነቲ ሰባት ንሞት ብትርጕምን ብትብዓትን ንኺዋጽኡሉ ዝሕግዞም ዝነበረ ጽምብላትን ቃላትን ኣጥፊእዎ እዩ። ሎሚ ሞት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝርአ ትርኢት ወይ ናይ ሕክምና ስነ-ፍልጠት ተክኒካዊ ጸገም ኰይኑ ኣሎ። እዚ ኻብ ሞት ዝረሓቐ ምዃኑ ነቲ ዓሚቝ ትርጕም ህይወትን ክርስትያናዊ ተስፋን ንኸይንርድኦ ዝዓግተና ኢዩ ። ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብዓል ኣሲዚ "ሓውትና ሞት" ኢሉ ኺጽውዓ እንከሎ፣ ሓደ ሱር ነቀል ዝኾነ ምርጫ እዩ ዚህበና ፣ እዚ ኸኣ ንሰብኣዊ ብርታዐ ኸም ክፍሊ እቲ ናብ ዘለኣለማውነት ዚመርሕ ጕዕዞ ጌርካ ምቕባል እዩ።
እቲ ንሓርነት ከም ዘይተጠቐምካሉ ጌርካ ዚርአ ሓጢኣት፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ሓደገኛ ዅነታት ንምምላጥ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እዩ ዚመጽእ። ይኹን እምበር እቲ እንኮ ኣማናዊ ፈውሲ ፍቕሪ ኢዩ፣ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ "ንኣሕዋትና ስለ እነፍቅሮም ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም ከም እተሳገርና ንፈልጥ ኢና" (1 ዮሃንስ 3፡ 14) ዝበሎ። ክሳዕ መወዳእታ ምፍቃር ኪበሃል ከሎ ደረት ኣልቦ ምቕባልን ብዘይ ገለ ገደብ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምሃብን ኣጋጣሚ ምፍጣር ማለት እዩ ።
ክርስቶስ ንሞት ኣየጥፍኦን የግዳስ ሰብ ኪነብረሉን ኪልውጠሉን ከም ዚኽእል ንኼርእየና ኢሉ እዩ እተሳገሮ። ምስጢረ ሥጋዌ ንሓጢኣት ምላሽ ዚህብ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣምላኽ ኣብ ህልውናና ተጸሚዱሉ ዘሎ ሱር ዝሰደደ ፍቕሪ እዩ። ወንጌል ማርቆስ እቲ ግርምቢጥ ዝኾነ ተግባር ኣምላኽ የርእየና፣ ብመስቀል ኣቢሉ ዜድሕን ኣምላኽ፣ ዘለኣለማውያን እኳ እንተ ዀንና ዘይትመውት ግን ከም ዘይኰንና ኢዩ ዝገልጸልና።
ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ንሰብ ገላትያ ኣብቲ ናጻ ውህበት ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዝውከሉ ብፍርህን ብሕግን ናብ እትምራሕ እምነት ኪምለሱ ኸም ዚኽእሉ ኣጠንቀቖም። ቅዱስ ዮሓንስ ንምስጢረ ሥጋሴ ከም ሥነ ሓሳብ ዘይኰነስ ከም ጭቡጥ ኩነት ጌርና ብምግንዛብ ንመናፍስቲ ከነለልዮም ይምሕጸነና። ምሥጢረ ሥጋዌ ወላእኳ ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ ኣብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎ እምንቶ ጸኒዕና ኽንቅጽል እዩ ዚጽውዓና።
ከም ውሉድ ኣምላኽን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን መጠን ኣብ ብሓድነት ምንባርን መዓልታዊ ተሓድሶን ምርጫ ኢዩ፣ ከመይሲ ክሳዕ መወዳእታ ፍቕሪ ክህሉ ከም ዝኽእል ጥራይ ዘይኰነስ፣ ማእለያ ዘይብሎም ወለዶታት ሰብኡትን ኣንስትን ነዚ መሰኻኽር ኮይኖም ኢዮም። ነዛ መዝሙር ፍቕሪ እዚኣ ንሕና እውን ብህይወትና ክንዝምራ እንኽእል ኢያ።