ሱባኤ ኩርያ ሮማና፦ ዝሞቱ ወይስ ዝነብሩ?
ብኣብ ሮበርቶ ፓዞሊኒ - ሰባኬ ቤተ ጳጳስ
እቲ ሓቀይና ብድሆ ናይዚ ጕዕዞና ብሞት ምሕላፍ ጥራይ ዘይኰነስ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብዚ እዋን እዚ ኸም ዝጅምር ምግንዛብ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ “ህያዋንን ምዉታትን” ዝበሃሉ ክልተ ዓይነት ሰባት ጥራይ ከም ዘለዉ ጌርና ብምሕሳብ ንርእስና ነታልል ኢና። ወንጌል ዮሓንስ ብዛዕባ ትንሳኤ ኣልኣዛር እንከዘንትወልና ነዚ ኣረኣእያ እዚ ብዝምልከት ሓደ ብድሆ የቕርበልና ኢዩ - ሓወቀይና ምዉታት ዝበሃሉ እቶም ምስትንፋስ ዜቋርጹ ጥራይ ዘይኰኑስ፣ እቶም ኣብ መንጐ ፍርህን ሕፍረትን ብነጻነት ምስኣንን እተቐርቀሩ እውን እዮም። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓሳቱ ዚቕይድ መግነዝ ዓለባኡ እተጠቕለለ ኣልኣዛር ብትጽቢታትን ብከቢድ ኩነታትን ክንዕበጥ ከለና ማለት፣ ምስ ውሽጣዊ ናጽነትና ዘሎና ርክብ ከነጥፍእ ከለና ናይ ኵልና ምሳሌ እዩ።
ማርታን ማርያምን ሓወን ምስ ሞተ "ጐይታይ ኣብዚ እንተ ትህሉስ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ" ብምባል ኣብቲ ህልዉ ኵነት ከም ዝተኰራ ይገልሰልና (ዮሓ 11፡ 21)። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣምላኽ ካብ ስቓይና ንኼናግፈና ወትሩ ጣልቃ ኺኣቱ ኸም ዘለዎ ዚሕብር እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ንመከራ ኼወግዶ ኣይኰነን መጺኡ፣ የግዳስ እቲ ሓቂ "ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ" (ዮሓ 11 25) ብምባል ከገንዝበና እዩ መጺኡ። ስለዚ እቲ ሓቀይና ሕቶ ክንመውት ዲና ዘይኰነስ ኣብ ክርስቶስን ቃሉን ብምትእምማን ብሓቂ ብህይወት ክንነብር ዲና ዝብል እዩ።
እዚ ብድሆ እዚ ኣብ ታሪኽ እታ ንዓሰርተው ክልተ ዓመት ዝኣክል ክትሳቐ ዝጸንሐት፣ ግን ከኣ ምእንቲ ኽትፍወሶ ኢላ ንዘፈር ክዳን ኢየሱስ ክትንክፍ ዝደፈረት ሰበይቲ (ማር 5፡ 25-34) እውን ይርከብ እዩ። ኵነታት እዛ ሰበይቲ እዚኣ ንኩነታ ህላዌ ናይ ኩሎም ደቅሰብ እዩ ዜመልክት ፣ ፈውሲ ንደሊ ህይወት ንደሊ እኳ እንተ ዀንና፣ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ኣብቲ ባዶ ዚገብረና ናይ ሓሶት ጣኦታት ኢና እንምርኰስ። ምስ ክርስቶስ ምትንኻፍ ጥራይ እዩ እቲ ሓቀይና ሕውየት ዝበሃል፣ ኣካላዊ ጥራይ ዘይኰነስ ውሽጣዊ ምፍዋስ እውን ኬምጽእ ዚኽእል ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ናይ ምትእምማንን ሓንጐፋይ ኢልካ ናይ ምቕባልን ኩነትና ኢዩ ዘርኢ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ከምዚ በላ - "ጓለይ ድሕነት እምነትኪ ኣሕውያቲኪ” (ማርቆስ 5 34) ድሕነት ብግዳማዊ ትግባር ኣምላኽ ዘይኰነስ ንህላወኡ ኽንከፍተሉ ከም እንኽእል ዜርኢ ገዛእ ርእስና ብእመንት ኣብ ምኽፈት ኢዩ ዝምርኮስ። ምስጢረ ኑዛዜን ኵሉ ናይ ዕርቂ ተመክሮን እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን- ወግዓዊ ተግባር ጥራይ እኹል ኣይኰነን፣ ስለዚ ልብና ኣብቲ ብሓቂ ብህይወት ክንነብር ዝደልየና ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ክንውከል ኣሎና።
ትንሣኤ ናይ ኣልኣዛርን ምሕዋይ ናይታ ሰበይቲን ምስ ሓደ መሰረታዊ ሕቶ የጋጥመና ንሕና 'እቶም ህያዋን ዲና ማለት እቶም ትንሳኤ ዘስተማቕሩ ዘለዉ ዲና ወይስ እቶም ምውታን፣ እቶም ንመወዳእታ ዝጽበዩ ዘለዉ ኢና? ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ መጻኢ እንረኽቦ ዓስቢ ጥራይ ዘይኰነስ ሕጂ ኽንመርጾ እንኽእል ኩነት ህላወና ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ናብ ምልኣት ዚጽውዓና ኣምላኽ ብናጽነትን ብተስፋን ብምውካል እዩ።