ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Vespri in Latino
መርሓ ግብሪ ፈነወ
2025.03.09 Inizio Esercizi Spirituali 2025.03.09 Inizio Esercizi Spirituali  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ሱባኤ ኩርያ ሮማና ፦ ብዛዕባ መወዳእታ ፍርዲ

እቶም ሰባኬ ቤተ ጳጳሳ ክቡር ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ብዛዕባ "ናይ መወዳእታ ፍርዲ" ብዝብል ኣርእስቲ ንናይ 2025 መንፈሳዊ ሱባኤ ኵርያ ሮማ ካልኣይ ኣስተንትኖ ኣቕሪቦም። ጽማሬ ዝነበረ ሓሳባቶም ድማ ነቕርበልኩም ፦

ብኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ - ሰባኬ ቤተ ጳጳስ

እቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ እተዘንተወ ኣብቲ ሚካኤልኣንጀሎ ዝቐብኦ ኣይቆና ተገሊጹ እንረኽቦ ናይ ምሳሊያዊ ዛንታ ናይ መወዳእታ ፍርዲ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ፍቕርን ግብረ - ሰናይ ከም ዝጽውዓና ዕድመ ኢዩ ዝትርጐም ።

ይኹን እምበር ተጠንቂቕና ምስ እንምርምሮ ሓደ ዘገርም ሓሳብ ኢዩ ዘመልክተልና - እዚ ብልማዳዊ መገዲ ዝግበር ፍርዲ ዘይኰነስ ነቲ ብነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተነብረ ብህይወት ከም ዝገልጽ ኣዋጅ ኢዩ።

ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክንኣቱ ዝቐርበልና መለክዒ ሃይማኖታዊ ሚዛን ዘይኰነስ ነቶም ብኣረኣእያ ወንጌል ንደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዝውክሉ ንሒደት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ጭቡጥ ፍቕሪ ዘንጸባርቕ ኢዩ።

ቀንዲ ሓላፍነት ክርስትያና ሰናይ ምግባር ጥራይ ዘይኰነስ ካልኦት ከምኡ ኺገብሩ ምስልጣን እዩ ።

እዚ ኸኣ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝገርዎ ሰናይ ብባህርያውን መጠኑ ዝሓለፈ ቘላሕታ ዘይብሉን ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ምሳሌ ነቲ ሓባራዊ ርድኢት ፍርዲ ይቕይሮ፡ ጻድቃንን እኩያትን በቲ ቃላት ናይቲ ንጉስ ከም ዝግረሙ ይነግረና፡ እዚ ድማ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝተገብረ ሰናይ ንኹሉ ብባህሪያዊ ኣገባብን ብዘይ ዝኾነ ልዕሊ ዓቐኑ ዝሓለፈ ቆላሕታን ኣተኵሮን ከም ዝተፈጸመ ኢዩ ዘልክት።

እዚ ዘመልክቶ ናብ ዘልዓለማዊ ህይወት ንምእታዉ ኣብ ሞራላዊ ኣነባብራ ዘይኮነስ ብዘይ ዝኾነ ቀመር ብፍቕሪ ኣብ ናይ ምንባር ክእለት ከም ዝምርኮስ ምዃኑ እዩ።

መዝገበ ሃይማኖት ከም ዝገለጾ ኣብ መወዳእታ ዓለም መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብን ንኣድማስን ናብ "ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን" ብምቕያር ምሉእ ብምሉእ ክትግለጽ እያ። (CCC 1042-1044)።

እዚ ተስፋ እዚ ኣብቲ ክርስቶስ ቃል ዝኣተወልና እተመስረተ ዀይኑ ሕጂ እውን ከይተረፈ በዚ ኣረኣእያ እዚ ኽንነብር ኢና እተጸዋዕና፣ እዚ ኸኣ ብጭንቀት ዘይኰነስ ኣምላኽ ባዕሉ ንደቂ ሰብ ብመሰረት እቲ ኻብ መጀመርታ ኣትሒዙ ዝነበረ መደብ ፍቕሪ ናባኡ ናብ ምስሉን ከም ዚቕይሮም ብምትእምማን እዩ።

ኢየሱስ ንዘለኣለማዊ ህይወት ከም ናይ መጻኢ ኩነት ዘይኰነስ ነቶም ቃሉ ዝሰምዑን ኣብ ኣቦ ዝኣምኑን ሰባት ብከጋትሞም ዝኽእሉ ዅነታት ገይሩ ኢዩ ኣዊጁሎም (ዮሃንስ 5፡24)። በዚ ከምዚ እምበራ ወንጌል ዘለኣለማዊ ህይወት ድሮ ኸም ዝጀመረ ኢዩ ዝሕብረና፣ ኣብ ኣነባብራናን ፍቕርናን ይንጸባረቕ ነቲ ኣምላኽ ዝዓዮ ዘሎ ህላወ ድማ ይገልጸልና።

እቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኣምላኽ ከምቶም ድሮ ኣብ ዘለኣለማውነት ዝጠሃሉ ደቁ መጠን ምሉእ ብምሉእ ካብ ምልላይ ሓሊፉ ኣባና ትጽቢት ከም ዝገብረልና ምፍላጥና ናይ ሓቂ ዘገርም ኢዩ።

11 Mar 2025, 14:15
Prev
March 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
3031     
Next
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930