ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
2025.03.09 Inizio Esercizi Spirituali 2025.03.09 Inizio Esercizi Spirituali  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ሱባኤ ኩርያ ሮማና ፡- ዳግማይ ሞት

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ክቡር ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ሱባኤ ኩርያ ሮማና 2025 ኣብ ዝልግስዎ ዘለዉ ተኸታታሊ ኣስተምህቶታት፣ ብዛዕባ “ዳግማይ ሞት” ብምትኳር ራብዓይ ክፍላ ኣስተንትኖኦም ኣካፊሎም። ካብዚ ብምቕጻል ጽማሬ ናይቲ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ነቕርበልኩም፦

ብኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ - ሰባኬ ቤተ ጳጳስ

ቅዱስ መጽሓፍ ንታሪኽ ወድሰብ በቲ ኣብ መንጎ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወትን ሞትን ዘሎ ውጥረት ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ። እስራኤላውያን ብሰንኪ እቲ ዝተፈራረቐ ተኣማንነቶምን ጥልመቶምን ነታ ምድሪ ተስፋ ብቐጻሊ የናድይዋ ነበሩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ደቂ ሰብ ከም ምዉታን እኳ እንተ ተዛረበ ህያዋን ከም ዝዀኑ (2 ቈረ 6 9)ውን ይነግረን፣ እዚ ኸኣ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ሓሳባት ኢዩ።

ነብዪ ህዝቅኤል ነዚ ኩነት እዚ በቲ ዝረኣዪ ራኢ ብንቑጽ ኣጻጽምቲ ዝመልአ ስንጭሮ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ (ሕዝ. 37)፦ እስራኤል ህይወት ኰነ ተስፋ ዘይብሉ ኣብ ግዳም ዚርከብ መቓብር እዩ ዝነበረ። ኣምላኽ ኣብቲ ራኢ፣ ነቲ ነብዪ፡ ነቲ ኣዕጽምቲ ክንበየሉ ኣዘዞ፣ በዚ ኸምዚ እቲ ዓጻጽምቲ ተኣኪቡ ስጋ ለበሰ፣ መንፈስ ክሳዕ ዝነፍሶ ግና ህይወት ኣይነበሮን።

እቲ ነብዪ ዝረኣዮ ራእይ፣ እስራኤላውያን ካብ ምርኮ ከም እተመልሱ ጥራይ ዘይኰነስ ኵነታት ህላወ ደቅሰብ እውን ዜንጸባርቕ እዩ። እቲ ዝነቐጸ ኣዕጽምቲ ነቲ "ቐዳማይ ሞት" ማለት ነቲ ብፍርህን ብኣተኵሮን ብተስፋ ቍርጸትን ዚርአ ውሳጣዊ ሞት የመልክት። ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ እዚ እዩ ኣጋጢምዎም፣ ብሥጋዊ ኣካላቶም ህያዋን እኳ እንተ ነበሩ ካብ ኣምላኽ ግና እተፈልዩ ኢዮም ዝነበሩ።

ሓቀይና ህይወት ኪህበና ዚኽእል መንፈስ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ። ይኹን እምበር መብዛሕትኡ ግዜ ዘለኣለማዊ ኵነኔ ተባሂሉ ዝፍለጥ ግን ከኣ ከም ባህርያዊ ሞት እውን ክርአ ዝኽእል "ካልኣይ ሞት" እውን ኣሎ። እቶም ነቲ ቐዳማይ ሞት ይኹን ነቲ ፍርሂ ርእሰ - ቕትለትን ከምኡውን ናይ ነጻነት ምስኣን ሕልሚ ዝተሳገሩ ሰባት፣ ነታ ኻልአይቲ ሞት ብዘይ ራዕዲ ክርእይዎ ዝከኣል ኢዩ ። ቅዱስ ፍራንቸስኮ በዓል ኣሲሲ ነዚ ነጥቢ እዚ ኣብታ መዝሙር ሓውና ጸሓይ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብምጥቃስ ነቶም ኣብ ኣምላኽ ሞቱ ኩሎም ወዲስዎም ኢዩ።

ራእይ ዮሓንስ "እቲ ዝተዓወተ በታ ኻልአይቲ ሞት ኣይጕዳእን ኢዩ" (ራእ. 2 11)፦ ብእምነትን ብተስፋን ዚነብር ዘበለ ብእኡ ኸይተተንከፈ ኺሓልፍ ከም ዚኽእል ይገልጽ። ናይ ሕዝቅል ነቢይ ራእይ ትንሳኤ ድሮ ኸም ዝጀመረ ውን ይምህረና - ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህበና ኽሳዕ እንመውት ኣይጽበየናን ኢዩ፣ የግዳስ ንመንፈሱ እንተ ተቐቢልናዮ ድሮ ኣብዚ ግዜና ኢዩ ዝህበና ዘሎ። እቲ ሓቀይና ሕቶ 'ንቑጽ ኣዕጽምቲ ሒዝና ኽንቅጽል ዲና እንደሊ ወይስ ብሓቀይና ህይወት እንደገና ህያዋን ክንከውን ኢና እንደሊ?'

ሰሉስ ዕለት 11 መጋቢት ሰዓት  9 ናይ ንግሆ ዝቐረበ ኣስተምህሮ።

13 Mar 2025, 10:44
Prev
March 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
3031     
Next
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930