ሱባኤ ኩርያ ሮማና ፡- ዳግማይ ሞት
ብኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ - ሰባኬ ቤተ ጳጳስ
ቅዱስ መጽሓፍ ንታሪኽ ወድሰብ በቲ ኣብ መንጎ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወትን ሞትን ዘሎ ውጥረት ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ። እስራኤላውያን ብሰንኪ እቲ ዝተፈራረቐ ተኣማንነቶምን ጥልመቶምን ነታ ምድሪ ተስፋ ብቐጻሊ የናድይዋ ነበሩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ደቂ ሰብ ከም ምዉታን እኳ እንተ ተዛረበ ህያዋን ከም ዝዀኑ (2 ቈረ 6 9)ውን ይነግረን፣ እዚ ኸኣ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ሓሳባት ኢዩ።
ነብዪ ህዝቅኤል ነዚ ኩነት እዚ በቲ ዝረኣዪ ራኢ ብንቑጽ ኣጻጽምቲ ዝመልአ ስንጭሮ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ (ሕዝ. 37)፦ እስራኤል ህይወት ኰነ ተስፋ ዘይብሉ ኣብ ግዳም ዚርከብ መቓብር እዩ ዝነበረ። ኣምላኽ ኣብቲ ራኢ፣ ነቲ ነብዪ፡ ነቲ ኣዕጽምቲ ክንበየሉ ኣዘዞ፣ በዚ ኸምዚ እቲ ዓጻጽምቲ ተኣኪቡ ስጋ ለበሰ፣ መንፈስ ክሳዕ ዝነፍሶ ግና ህይወት ኣይነበሮን።
እቲ ነብዪ ዝረኣዮ ራእይ፣ እስራኤላውያን ካብ ምርኮ ከም እተመልሱ ጥራይ ዘይኰነስ ኵነታት ህላወ ደቅሰብ እውን ዜንጸባርቕ እዩ። እቲ ዝነቐጸ ኣዕጽምቲ ነቲ "ቐዳማይ ሞት" ማለት ነቲ ብፍርህን ብኣተኵሮን ብተስፋ ቍርጸትን ዚርአ ውሳጣዊ ሞት የመልክት። ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ እዚ እዩ ኣጋጢምዎም፣ ብሥጋዊ ኣካላቶም ህያዋን እኳ እንተ ነበሩ ካብ ኣምላኽ ግና እተፈልዩ ኢዮም ዝነበሩ።
ሓቀይና ህይወት ኪህበና ዚኽእል መንፈስ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ። ይኹን እምበር መብዛሕትኡ ግዜ ዘለኣለማዊ ኵነኔ ተባሂሉ ዝፍለጥ ግን ከኣ ከም ባህርያዊ ሞት እውን ክርአ ዝኽእል "ካልኣይ ሞት" እውን ኣሎ። እቶም ነቲ ቐዳማይ ሞት ይኹን ነቲ ፍርሂ ርእሰ - ቕትለትን ከምኡውን ናይ ነጻነት ምስኣን ሕልሚ ዝተሳገሩ ሰባት፣ ነታ ኻልአይቲ ሞት ብዘይ ራዕዲ ክርእይዎ ዝከኣል ኢዩ ። ቅዱስ ፍራንቸስኮ በዓል ኣሲሲ ነዚ ነጥቢ እዚ ኣብታ መዝሙር ሓውና ጸሓይ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብምጥቃስ ነቶም ኣብ ኣምላኽ ሞቱ ኩሎም ወዲስዎም ኢዩ።
ራእይ ዮሓንስ "እቲ ዝተዓወተ በታ ኻልአይቲ ሞት ኣይጕዳእን ኢዩ" (ራእ. 2 11)፦ ብእምነትን ብተስፋን ዚነብር ዘበለ ብእኡ ኸይተተንከፈ ኺሓልፍ ከም ዚኽእል ይገልጽ። ናይ ሕዝቅል ነቢይ ራእይ ትንሳኤ ድሮ ኸም ዝጀመረ ውን ይምህረና - ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህበና ኽሳዕ እንመውት ኣይጽበየናን ኢዩ፣ የግዳስ ንመንፈሱ እንተ ተቐቢልናዮ ድሮ ኣብዚ ግዜና ኢዩ ዝህበና ዘሎ። እቲ ሓቀይና ሕቶ 'ንቑጽ ኣዕጽምቲ ሒዝና ኽንቅጽል ዲና እንደሊ ወይስ ብሓቀይና ህይወት እንደገና ህያዋን ክንከውን ኢና እንደሊ?'
ሰሉስ ዕለት 11 መጋቢት ሰዓት 9 ናይ ንግሆ ዝቐረበ ኣስተምህሮ።