ክውንነታት ብኣሃዝ ዘቕርብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ቫቲካን ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ዝሃቦ ሓድሽ ጸብጻብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣካል ዝኾነ ክውንነታት ብኣሃዝ ዘቕርብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ቤተ ክርስቲያን ዝተዳለወ ጳጳሳዊ ዓመታዊ ሰነድ 2025 ዓ.ም. ዓቕለስያዊ ዓመታዊ መዝገብ ኣሃዛዊ ጭብጥታት 2023 ዓ.ም. ብቤት ማሕተም ቫቲካን (LEV) ተሓቲሙ ንንባብ ከም ዝበቐዐ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣብቲ ጳጳሳዊ ዓመታዊ ሰነድ ዝቐረበ መረዳእታ ከም ዝሕብሮ፣ ኣብ 2024 ዓ.ም. ሰለስተ መንበረ ጵጵስና ናብ ሜጥሮፖሊታን መንበር ልዕል ከም ዝበለን፤ ሸውዓተ ሓደስቲ ሃገረ ስብከታት ከም ዝተመስረታን፤ ሓደ መንበረ ጵጵስና ዝነበረ ናብ ደረጃ ርእሰ ሰበኻታት፣ ሓደ ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ድማ ናብ ሃገረ ስብከት ልዕል ከም ዝበለ የመላኽት።
እቲ ዓቕለስያዊ ዓመታዊ መዝገብ ኣሃዛዊ ጭብጥታት ንጉስነት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ መላእ ዓለም ዝምልከት ቀንዲ ተርእዮታት ዘብርህ ስእሊ ዘቕርብ ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ድማ ናይ ክልተ ዓመት (2022 – 2023 ዓ.ም.) ርድኢት ኣሃዛዊ ጭብጥታት ዘጠቓልል እዩ።
ካቶሊካውያን
ኣብ ዓለም ብዝሒ ካቶሊካውያን ኣብ መንጎ 2022 - 2023 ዓ.ም. ብ 1.15% ወሰኽ ከም ዘርኣየን፣ ካብ ኣስታት 1.39 ቢልዮን ናብ 1.406 ቢልዮን ክብ ከም ዝበለን፣ እዚ ድማ ምስቲ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣዝዩ ዝመሳሰል እዩ። ዝርገሐ ናይ ዝተጠመቑ ካቶሊካውያን ኣብ ዝተፈላለየ መልክዓ ምድራዊ ከባቢታት ይፈላለ፣ እዚ እውን ብዝሒ ህብዚ ነፍሲ ወከፍ ኣህጉር መሰረት ዝገበረ እዩ።
ኣፍሪቃ ካብ መላእ ዓለም ብዝሒ ካቶሊካውያን 20% ትሽፍን፡ ብኣዝዩ ውዕዉዕ ዝርገሐ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ትልለ። ቁጽሪ ካቶሊካውያን ካብ 272 ሚልዮን ኣብ 2022 ዓ.ም. ካብ ዝነበረ ኣብ 2023 ዓ.ም. ናብ 281 ሚልዮን ክብ ከም ዝበለን፡ እዚ ድማ ብ3.31% ከም ዝዓበየ ዘረጋግጽ እዩ። ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብብዝሒ ዝተጠመቑ ካቶሊካውያን ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘት ኮይና፣ እዚ እውን ዳርጋ 55 ሚልዮን ዝሽፍን ኮይኑ፡ ናይጀርያ ድማ ብ35 ሚልዮን፤ ኡጋንዳ፡ ታንዛንያን ኬንያን እውን ርኡይ ኣሃዛት የመዝግባ።
ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ብ0.9% ዕብየት ከተመዝግብ እንኮላ፣ 47.8% ካቶሊካውያን ዓለም እትውክል ከም ዝኾነትን፣ ካብዚኦም እቶም 27.4% ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ - ብራዚል ብ182 ሚልዮን 13% ካብ ጠቕላላ ሃገራት ዓለም ትውክል፣ እዚ ድማ ዝለዓለ ምትእኽኻብ ካቶሊካውያን ዘለዋ ሃገር ኮይና ትቕጽል ኣላ። 6.6% ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ዝተረፉ 13.8% ድማ ኣብ ማእከላይ ኣሜሪካ ዝነብሩ እዮም። ቁጽሪ ካቶሊካውያን ምስ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣርጀንቲና፡ ኮሎምብያን ፓራጓይን ጐሊሐን ይረኣያ፡ ነፍሲ ወክፍ እዘን ሃገራት ድማ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝበን እቲ 90% ካቶሊክ እዩ።
እስያ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ብ0.6% ዕብየት ካቶሊካውያን ከምዘመዝገበትን፣ ኣብ 2023 ዓ.ም ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ካቶሊካውያን ኣብ ዓለም ኣስታት 11% ትውክል። ኣብ 2023 ዓ.ም. 76.7% ካቶሊካውያን ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ኣብ ፊሊፒንስ ዝተዋህለለ ኮይኑ፣ ኣስታት 93 ሚልዮን ክኾኑ እንከለዉ፣ ኣብ ህንዲ ድማ 23 ሚልዮን እያቶም።
ኤውሮጳ 20.4% ካብ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ዓለም ክትውክል እንኮላ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ቁጽሪ ካቶሊካውያን ብ0.2% ጥራይ ወሰኽ ከም ዘመዝገበን፡ እታ ዝወሓደ ምንቅስቓስ ዝረኣየላ ከባቢ ምዃና ድማ ተረጋግጽ። እዚ ድማ ናይቲ ዕብየት ዘየርኢ ብዝሒ ህዝቢ ጽልዋ ዘለዋ እዩ። ከም ክፍለ ሃገር - ኤውሮጳ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ካቶሊካውያን ኣብ ዓለም - ኣብ 2023 ዓ.ም. ንኣስታት 39.6% ትሽፍን። ጣልያን፡ ፖላንድን ስጳይናን ከብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝበን ካቶሊካውያን ንልዕሊ 90% ይውክል።
ካቶሊካውያን ኦቻይና ድማ ኣብ 2023 ዓ.ም. ቁጽሮም ቁሩብ ልዕሊ ከም ዝበለን እዚ ኸኣ 11 ሚልዮን ኮይኑ፣ ምስ 2022 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ ብ1.9% ወሰኽ ከም ዘርኣየ ይሕበር።
ጳጳሳት
ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቁጽሪ ጳጳሳት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ብሓፈሻ ብ1.4% ወሰኽ ዘርኣየ ኮይኑ፣ ኣብ 2022 ዓ.ም. ጠቕላላ ብዝሒ ጳጳሳት 5,353 ከም ዝነበረን ኣብ 2023 ዓ.ም. 5,430 ከም ዝበጸሐን፣ እዚ ናይ ዕብየት ዝንባለ ኣብ ኩለን ኣህጉራት ዘተራእየ ኮይኑ፣ ኣብ ኦቻይና እቲ ብዝሒ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ዝነበሮ ኮይኑ ይቕጽል ከም ዘሎ እቲ ሰነድ የመላኽት።
እቲ ኣንጻራዊ ፍልልይ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ብመጠኑ ጎሊሑ ዝረአ ክኸውን እንከሎ፡ ኤውሮጳን ኣመሪካን ድማ ትሕቲ ማእከላይ ደረጃ ዓለም እያተን። ከምኡ’ውን ኣብቲ እዋን እቲ ኣንጻራዊ ክብደት ነፍሲ ወከፍ ኣህጉር፣ ዳርጋ ከምዘይተቐየረን ምስ ተዛማዲ ኣገዳስነት ውልቃዊ ክውንነት ኣህጉር ዝመጣጠን ኮይኑ፡ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝበዝሐ ምትእኽኻብ ጳጳሳት ከምዘሎን፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብጽሒት ጳጳሳት ካብ ጠቕላላ ዓለም፣ ኣብ 2022 ዓ.ም. ካብ ዝነበሮ 13.8% ደረጃ ኣብ 2023 ዓ.ም. ናብ 14.2% ክብ ከም በለ እቲ ዝወጸ ጸብጻብ ይሕብር።
ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ዝሕቆፍ ቁጽሪ ካቶሊካውያን ካብ ኣህጉር ናብ ኣህጉር ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ። ዓለማዊ ማእከላይ ገምጋም ንሓደ ጳጳስ 259 ሽሕ ካቶሊካውያን ዝብጽሖ ኮይኑ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣመሪካን ን365,000፣ ኣብ ኣመሪካ ድማ ን334,000 ይውክል፣ ብፍላይ ኣብ ኦቻይና ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ን87,000 ካቶሊካውያን ይውክል፣ እዚ ድማ በዚ ኣረኣእያ እዚ ምስተን ካልኦት ኣህጉራት ክነጻጸር እንከሎ ቁሩብ ልዕሊ ዓቐን ጳጳሳት ከምዘለዉ ዘመልክት እዩ።
ካህናት
ኣብ መወዳእታ 2023 ዓ.ም. ኣብ ውሽጢ 3,041 ዓቕለሲያዊ ግዝኣት ርእሰ ምሕደራ ካቶሊካዊ መንበር 406,996 ካህናት ከም ዝነበሩን ምስ 2022 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ ብ734 ኣሃዱታት ከም ዝነከየን እዚ ድማ 0.2% ዝውክል ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ኣመላኺቱ፣ መልክዓ ምድሪ ስፍሓት መሰረት ዝገበረ ትንታነ ከም ዝሕብሮ፣ ብዝሒ ካህናት ኣብ ኣፍሪቃ (+2.7%)ን እስያ (+1.6%) ወሰኽ ከም ዘርኣየን ኣብ ኤውሮጳ (-1.6%)፡ ኣብ ኦቻይና (-1.0%)፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣመሪካ (-0.7%) ከም ዝነከየ የጉልሕ።
ብጀካ እተን ኣህጉራት፡ ኣብ መንጎ ካህናት ሃገረ ስብከትን ገዳማውያን ካህናትን ዘሎ ፍልልይ፣ ኣብ እስያን ኣፍሪቃን፡ እቲ ክብ ዝበለ ብዝሒ ካህናት ንናይ ሰበኻታትን ገዳማውያንን ካህናት ዝውክል እዩ።
ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ወሰኽ ካህናት ሃገረ ስብከት ብግምት 3.3% ክብ ዝበለ ኮይኑ፣ ገዳማውያን ካህናት ድማ ብ1.4% ወሰኽ ከም ዘርኣየን ኣብ ኣህጉራት ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ወሰኽ ናይ ሃገረ ስብከት ካህናት ብፍላይ ኣብ ማእከላይን ላቲንን ኣመሪካ ጐሊሑ ዝርኣ ኮይኑ፣ ኣብ ኤውሮጳ ግን ብሓፈሻ ናይ ሰበኻን ገዳማውያንን ካህናት ብዝሒ ብ1.6% ምንካይ ከም ዘርኣየን፤ ኣብ ኦቻይና ድማ ብ1.0% ከም ዝነከየ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ኣብ 2023 ዓ.ም. ብመልክዓ ምድሪ ስፍሓት ዝተገብረ ምክፍፋል፣ ካብ ጠቕላላ ካህናት እቶም 38.1% ካብ ኤውሮጳ ክኾኑ እንከለዉ፣ 29.1% ናይ ኣህጉራት ኣመሪካ እዮም፡ ካልኦት ኣህጉራውያን ከባቢታት ድማ 18.2% ኣብ እስያ፣ 13.5% ኣብ ኣፍሪቃ፣ 1.1% ኣብ ኦቻይና ምዃኖም እቲ ሰነድ የመላኽት።
ብመሰረት ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ድማ፣ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ 10.3% ካህናት ን6.6% ምእመናን፣ ኣብ ኤውሮጳ 38.1% ካህናት ን20.4% ምእመናን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኦቻይና 1.1% ካህናት ን0.8% ምእመናን ይውክል፣ እቲ ዝያዳ ርኡይ ሕጽረት ካህናት ኣብ ደቡብ ኣመሪካ 12.4% ካህናት ን27.4% ምእመናን ዘገልግል ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ኣፍሪቃ 13.5% ካህናት ን20.0% ካቶሊካውያን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ማእከላይ ዞባ ኣመሪካ 5.4% ካህናት ን11.6% ካቶሊካውያን ምእመናን ዘገልግል ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ቀወምቲ ዲያቆናት
ኣዝዩ ብሓይሊ ዝዓቢ ዘሎ ቁጽሪ ቀውምቲ ዲያቆናት እዩ። ኣብ 2023 ዓ.ም. ምስቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ዝነበረ ብዝሒ ክነጻጸር እንከሎ ብ2.6 ሚታዊ ክብ ከም ዝበለን እቲ ብዝሒ ቀወምቲ ዲያቆናት 51,433 ከም ዝኾነ ድማ እቲ ጸብጻብ የረጋግጽ።
ብዝሒ ቀወምቲ ዲያቆናት፣ ኣብ ኦቻይና ብ10.8%፣ ኣብ ኣሜሪካ ብ3.8% ርኡይ ዕብየት ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ድማ ቁሩብ ምንቁልቋል የርእይ። ኣብዚ ዝተሓሰበ ክልተ ዓመት ኣብ ዓለም ዝርገሐ ቀውምቲ ዲያቆናት ርኡይ ለውጢ ኣየርኣየን፣ ብጀካ ምንካይ ተዛማዲ ቁጽሪ ዲያቆናት ኣብ ኤውሮጳ ዝነከየ ኮይኑ ኣብ ኣመሪካ ድማ ወሰኽ የመዝግብ፣ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ርኡይ ዕብየት ከም ዘመዝገበ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ምንካይ ቁጽሪ ገዳማውያንን ገዳማውያትን
ብዝሒ ካህናት ዘይኮኑ ገዳማውያን ኣሓው ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ 2022ን 2023 ዓ.ም. ወሰኽ ክም ዘመዝገበን፣ ኣብ ካልኦት ኩለን ኣህጉራት ግን ምንቁልቋል ከም ዘጋጠመን፣ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝነበረ ምንቁልቋል ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝነበረ ማእከላይ ዓመታዊ ምንካይ ክነጻጸር እንከሎ ዘገምታዊ እዩ፣ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ከይተረፈ እቲ ምንካይ ካህናት ዘይኮኑ ገዳማውያን ኣሓው ኣብ ደውታ ከም ዘሎን፣ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ካህናት ዘይኮኑ ገዳማውያን ኣሓው ኣብ ኤውሮጳ ኣብ 2023 ዓ.ም. ከም ዝነከየ እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ የረጋግጽ።
ብዝሒ ኣሓት ደናግል ኣብ 2023 ዓ.ም. ከም ዝነከየን። ብደረጃ ዓለም ቁጽረን ኣብ 2022 ዓ.ም. 599,228 ከም ዝነበረን ኣብ 2023 ዓ.ም. ናብ 589,423 ከም ዝወረደን፣ እዚ ድማ ብ1.6% ዝነከየ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የመላኽት።
ኣብ 2023 ዓ.ም. ዝነበረ መልክዓ ምድራዊ ዝርገሐአን ብዝምልከት፣ ዳርጋ 32% ኣብ ኤውሮጳ ዝነብራ ክኾና እንኮልዋ፡ እብ እስያ 30%፣ ኣብ ኣመሪካ 23%፣ ኣብ ኣፍሪቃ 14%፣ ኣብ ኦቻይና ድማ 1% ይውክላ።
ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ናይተን ኣሓት ደናግል (ብዓቢኡ ብሰንኪ ልዑል ብዝሒ ኣረጋውያን ኣሓት ደናግል ዝመጽእ ርኡይ ወሰኽ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝፍለያ ብዘልዋ ይጽለው) ይንክይ ከም ዘሎን፡ ቁጽሪ ኣሓት ደናግል ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ 2022ን 2023ን ብ2.2% ርኡይ ወሰኽ ከም ዘርኣየን፣ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ድማ ብ0.1% ወሰኽ የመዝግብ፣ ብኣንጻሩ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ብ3.6% የንቆልቁል፣ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ብ3% ይንክይ፡ ኣብ ማእከላይ ኣህጉራዊ ዞባ ኣሜሪካን ማእከላይ ኣንቲለስን ዝተመዝገበ ምንካይ ቁጽሪ ድማ ዝያዳ ማእከላይ እዩ፣ ኣብ ምንካይ እቲ ብዝሒ ኤውሮጳ ኣሉታዊ ክብረወሰን ዝሓዘት ክትከውን እንኮላ ብ3.8% ከም ዝነከየ እቲ ጸብጻብ የረጋግጽ።
ካብ 2022 - 2023 ዓ.ም. ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ህላወ ኣሓት ደናግል ምንካይ ዘርኣየ ኮይኑ፣ ኣብ 2022 ዓ.ም. ጠቕላላ ቁጽሪ ናይተን ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝነበራ ኣሓት ደናግል 55.8% ካብ ጠቕላላ ዓለም ዝሕዝ ክኸውን እንከሎ (ካብ ካልኦት ክፍለ ዓለም ዝመጻ ብምህላወን ዝረአ ብዝሒ እዩ)፣ ኣብ 2023 ዓ.ም. ግን እዚ ሚእታዊት እዚ ናብ 54.8% ከም ዝወረደን፣ ኣብቲ እዋን እቲ ዝዓበየ ለውጢ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ (ካብ 28.7% ናብ 29.2%) ከምኡ’ውን ኣብ ኣፍሪቃ (ካብ 13.9% ናብ 14.5%) ክብ ከም ዝበለ እቲ ጸብጻብ የረጋገጽ።
ኣሓት ደናግል ዋላ እኳ ብዓለም ደረጃን ከምኡ እውን ኣብ ገለ ኣህጉራዊ ዞባታት ዝረአ ምንቁልቋልን ከም ዘሎ ኮይኑ፣ ገና ርኡይ ክውንነት ኮይነን ይቕጽላ ኣለዋ። ጠቕላላ ቁጽሪ ኣሓት ደናግል ካብ ብዝሒ ካህናት ብ45% ይዛይድ። ብሓፈሻ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዘለዎን ተራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እንተነከየ፡ ኣብ ህይወት ማሕበረሰብ ክርስትና ዘለወን ኣበርክቶ ግን ኣገዳሲ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፣ ሓድሓደ ግዜ ንካህናት እውን ከይተረፈ ይትክኣ።
ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት
ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ካብ 2012 ዓ.ም. ጀሚሩ ዘየቋረጽ ምንቁልቋል የጋጥሞ ከም ዘሎ እቲ ጸባጻብ ኣመላኺቱ፣ ብመንጽር ጠቕላላ ብዝሒ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት፣ ብዓለም ደረጃ ካብቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ዝነበረ 108,481 ብዝሒ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት፣ ኣብ 2023 ዓ.ም. ናብ 106,495 ከም ዝወረደን፡ እቲ ፍልልይ ድማ 1.8% ዝውክል እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝተራእየ ምንቁልቋል ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት፣ ብጀካ ኣፍሪቃ ንኹለን ኣህጉራት ዝጸሉ ኮይኑ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ብ1.1% (ካብ 34,541 ናብ 34,924) ከብ ከም ዝበለን፣ ኣብ ኤውሮጳ፡ እስያን ኣመሪካን፡ ብፍላይ ግን ኣብታ ቀዳመይቲ ኣህጉር እቲ ምንካይ ርኡይ እዩ። ኣብ ኤውሮጳ ብ4.9%፣ ኣብ እስያ ብ4.2%፣ ከምኡ’ውን ኣብ ኣመሪካ ብ1.3%፣ ኣብ ኦቻይና እቲ ብዝሒ ዝነከየ እውን እንተኾነ መጠንነይና ምምሕያሽ የመዝግብ ከም ዘሎ እቲ ጸብጻብ የመላኽት።
ኣፍሪቃን እስያን ኣብ 2022 ዓ.ም. ካብ ጠቕላላ ዓለም ነቲ 61.0% ብዝሒ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዝሽፍና ክኾና እንኮለዋ፣ እዚ ሚእታዊት እዚ ኣብ 2023 ዓ.ም. ናብ 61.4% ክብ ይብል። ብጀካ ኣብ ኦቻይና ዝነበረ ቁሩብ ኣሉታዊ ምትዕርራይ፣ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ብሓባር ብጽሒተን ከምዝነከየ እቲ ጸብጻብ ኣነጺሩ፣ ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣመሪካውያንን ኤውሮጳውያንን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ብድምር 41,199 ከም ዝኾነን ዳርጋ 38% ካብ ጠቕላላ ዓለም ዝውክል እዩ፣ ኣብ ሓደ ዓመት ውሽጢ ማለት ኣብ 2023 ዓ.ም. ናብ 37.7% ከም ዝወረደ እቲ ጸብጻብ የረጋግጽ።
ኣብ ኣፍሪቃ 32.8% ብዝሒ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ምስ 20% ካቶሊውያን፣ ከምኡ’ውን ኣብ እስያ 28.6% ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ምስ 11% ካቶሊካውያን ይነጻጸር። እዘን ኣህጉራት እዚኣተን እምበኣር ነቲ ኣብ ከባቢአን ዘሎ ጠለብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉ መልሲ ዝህባ ከም ዝኾና እቲ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ፣ ኣብ ኤውሮጳ 12.0% ዝሽፍን ብዝሒ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ምስ 20.4% ካቶሊካውያን ኣብ ኣመሪካ 25.7% ዝሽፍን ብዝሒ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ምስ 47.8% ካቶሊካውያን ይነጻጸር፣ እዚ እውን ኣብዘን ክልተ ኣህጉራት እምበኣር ንጠለባት ካቶሊካዊ ህዝቢ ብእኹል መንገዲ መልሲ ንምሃብ ብፍላይ ብመንጽር ለውጢ ወለዶታት ኣብ ክህነት ዝያዳ ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ እቲ ጸብጻብ የመላኽት።