An Israeli artillery unit fires towards Gaza, near the northern Gaza Strip border An Israeli artillery unit fires towards Gaza, near the northern Gaza Strip border 

ሓድሽ መጥቃዕቲ እስራኤል እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላው ስግኣታት ይዛይድ አሎ

እስራኤል ብሰንኪ እቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ቃዛ ኣብ እትርከብ ከተማ ራፋ ክተካይዶ ትሓስብ ዘላ መጥቃዕቲ ኣህጉራዊ መጠንቀቕታታት ይመሃባ ኣሎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ኬምጽኦ ዚኽእል ሳዕቤን 'ኣዝዩ ኸም ዜሻቕሎ' ገሊጹ ኣሎ። ሕቡራት ነገስታት ኔዘርላንድስን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን እውን ተመሳሳሊ ስግኣታት ከም ዘለውን ኣመልኪተን ይርከባ ።

ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሃገረ ብሪጣንያ ሎርድ ካመሮን ብህጹጽ ተኹሲ ደው ንኽብል ሰብዓዊ ናይ ግብረ ሰናይ ረድኤት ክካየድን ጻውዒት ኣቕሪቡ ።

እስራኤል ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ቃዛ እትርከብ ከተማ ራፋ ብስደተኛታት ፍልስጥኤም ኣዕለቕሊቓ ዘላ ከተማ መጥቃዕቲ ከተካይድ ትሸባሸብ ምህላዋ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ዘሰንብድ ኩነታት ኮይኑ አሎ ።

ዳርጋ 1.5 ሚልዮን ዝዀኑ ፍልስጥኤማውያን ካብቲ ኣብ ዝተረፈ ኽፋል ገማግም ቃዛ ዝግበር ዝሎ ውግእ እስራኤል መዕቆቢ ደልዮም ኣብ ከተማ ራፋ ከም ዘለዉ ኢዩ ዝግመት። መብዛሕትኦም ኣብ ግዜያዊ ቴንዳታትን ድንኳናትን እዮም ዚነብሩ ዝለዉ ።

ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 10 ለካታቲ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ረድኤትን ህጹጽ ኣገልግሎት ንስደታኛታት ፍልስጤም ኣብ ኣብ ቀረባ ምብራቕን (UNRWA) ኣብቲ ሰባት ብጥሜት ዚሳቐዩሉ ዘለዉ ሰሜናዊ ኽፋል ቃዛ ብርቱዕ ጥሜትን ዓጸቦን ተኸሲቱ ከም ዘሎ ገሊጾም ።

ፊሊፕ ላዛሪኒ ሓለቓ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቶም ኣብ ሰሜን ዚነብሩ 300,000 ሰባት ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ እቲ ትካል ብህይወት ንኽነብሩ ኢሉ ዚህቦም ሓገዝ ከም ዚምርኰሱ ገሊጹ፣ እዚ ሓድሽ ኩነታት ህይወት ዜድሕን ሰብኣዊ ናይ ግብረ ሰናይ ረድኤት ንኸይረኽቡ ዕንቅፋት ይዀኖም ከም ዘሎ ድማ ገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ብቐጻሊ ተኸቢቦሞ ዝጸንሑ ከበባታት ሓርጭን ሩዝን ዝተዓሸገ መግብን ተወዲእዎም ይርከብ አሎ ። እዚ ዅነታት ኣዝዩ ተስፋ ዘቑርጽ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ተቐማጦ እቲ ኸባቢ ንእንጌራ ዚኸውን ሓርጭ ንምድላው ምግቢ እንስሳታት ጥሒኖም ይጥቀሙ ምህላዎም ተፈሊጡ ።

13 February 2024, 15:41