ድለ

2024.05.15 KAICIID conferenza dialogo interreligioso 2024.05.15 KAICIID conferenza dialogo interreligioso 

ኣርእስተ ብሔራትን ፓትርያርክን፦ ናይ ዘተዋዕላ ኣብ ሊዝበን ተጀሚሩ

ዜና ቫቲካን ኣብቲ ኣብ ሊዝበን ዝካየድ ዘሎ ናይ መካ ዓቢ መስጊድን ኢማምን፣ ፓትርያርክ ቁስጥንጥንያን መደረ ዘስምዑሉ ኣብ መንጎ ሃይማኖታታ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ይሳተፍ ኣሎ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ረቡዕ 15 ግንቦት ኣብ ከተማ ሊዝበን ፖርቱጋል ሃይማኖታውያንን ፖለቲካውያንን መራሕቲ ንምርኻብ እተገብረ ዋዕላ ዓለም ለኻዊ ዘተ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ናይ መጀመርታ መዓልቲ መርሓግብሩ ኣካዪዱ።
ከም ፓትርያርክ ቁስጥንጥንያን ኢምዓም ዓብዪ መስጊድ መካን ከምኡውን ሰለስተ መራሕቲ መንግስታት ኣውሮጳን ዝተረኽቡሉሉ ነፍሲ ወከፎም ድንቂ ዝኾነ ዓሰርተ ደቒቕ ዝኸውን ሓጺር መደረታት ኣስምዑ።  

ሓይሊ ዘተ

ዋና ጸሓፊ ናይዚ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ሃይማኖታት ዶ/ር ዙሃር ኣልሃርቲ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብ ዝኸፈቱሉ መደረ ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ዓለም "እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምጥርጣር" ኣብ ግምት ብምእታው ምደረዖም ኣቕረቡ ብፍላይ ሓድነትን ዘተን ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ ።

ነበር ርእሰ ብሔር ሃገረ ኦስትርያ ዶ/ር ሃይንዝ ፊሸር ቀጺሉ  ንካርል ፖፐር ዝተባህለ ፈላስፋ ብምጥቃስ ከምዚ በለ - "ቅኑዕ ክኸውን እኽእል ኢየ፣ ንስኻውን ክትጋገ ትኽእል ኢኻ ወይ ቅኑዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ ኣነ ውን ክትጋገ እኽእል ኢየ፣ እንተዀነ ግን ብሓባር ናብ ሓቂ ክንቀርብ ንኽእል ኢና ። "

ድሕሪዚ ፓትርያርክ ቁስጥንጥንያ ከም ኣቦ መንበር ምብራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያንን ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ባርቶለሜዎስ ቀዳማዊ መደረ ኣስምዑ ። ኤቁመናዊ ፓትርያርክ ነቲ ምስ ለውጢ ዅነታት ኣየር እተተሓሓዘ ሃይማኖታዊ ምይይጥ ንምግባር ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዝገበሮ ቘራጽነት ብምግላጽ ምስ እዚ ለውጢ እዚ ዝገበር ዝግበር ቃልሲ ድማ "መንፈሳዊ ግዴታ " ምዃኑ ኣመልከቱ ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ሳሊህ ቢን ኣቡዳለህ ኣል-ሁማይድ ኢማም ናይ ዓቢ መስጊድ መካ ንማሕበረሰብ ካብ "ክቱር ጽልእን ኣኽራርነትን" ንምክልኻል ዘተ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሐ።

ኣብዚ ናይ መጀመርታ ክፍለ - ግዜ ናይ መወዳእታ መደረ ዘስምዐ ከንቲባ ሊዝበን ካርሎስ ሞዳስ ኢዩ ነይሩ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንመዓልቲ መንእሰያት ናብታ ኸተማ ዝገበርዎ ምብጻሕ ሃይማኖት ኬምጽኦ ዚኽእል ኣወንታዊ ጽልዋ ዜርኢ ንጹር ምልክት ምዃኑ ገለጸ ። ኣብተን ሽዱሽተ መዓልቲ ንጥፈታት ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት "ኵሎም ኣብ ሊዝበን ዝነበሩ መንእሰያት ፍሽኽ ይብሉ ከም ዝነበሩ" መስከረ።

ግደ ደቂ ኣንስትዮ

ሓደ ንነዊሕ እዋን ኣብ መንጎ ሃይማኖታዊ ኣብ ዝግበር ምይይጥ እተኻፈለ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉባኤታት ብሰብኡት ትራይ ከም ዚዕብለል ክምስክር ከም ዝኽእል ዝተረጋገጸ ነገር ኢዪ።

ግሬሰ ማቸል ዚበሃል ካብ ሞዛምቢክ ዝመጸ ፖለቲካዊውን ሰብኣዊ ስነሓሰብ ኣቐንቃኒ ነዚ ጕዳይ እዚ ብቐጥታ ኣብ ዛዕባ ብምምጻእ ዘተየሉ።

"ስኒትን ነባርን ሰላም ንደሊ እንተደኣ ዄንና ንደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ዝካየድ ዘተ ክሳተፋ ኣለወን" ክብል ሓሳብ ኣቅረበ።

እዚ ሜላ እዚ ብኸመይ ኪዓዪ ኸም ዚኽእል ዜርኢ ኣብነት ኪኸውን ድማ ማቸል ነቲ ብ2010 ሓድሽ ቅዋም እታ ሃገር ቅድሚ ምቕባል ኣብ ኬንያ እተገብረ ሃገራዊ ምይይጥ ገለጸትሎም ።

ኣብቲ መስርሕ ደቂ ኣንስትዮ ብንጹር ስለ እተሳተፋ ጥራይ እዩ እቲ ቕዋም ንቝጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህዝባዊ ህይወት ኮታ ከትሕዝ ዝኸኣለ ፣ ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ እቲ ኣብታ ሃገር እተገብረ ናይ 2015 ምርጫታት ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ዝለዓለ ቝጽሪ እተን ናብ ህዝባዊ ቤት ጽሕፈት እተመርጻ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ትራእዩ ኢዩ ።

መንፈሳውነት ዘለዎ መሰረታዊ ግደ

ኣብታ ናይ ዋዕላ መዓልቲ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዘነቓቕሕ መደረ ዘቕረበ ኩሽዋንት ሲን ዝበሃል ኣባል ኣህጉራዊ ክፍሊ ሃይማኖትን ቀዋሚ ተዓዛቢ ዕቤት ደቂ ሰባትን ኢዩ ዝነበረ።

"ኵሉ ኻብ ውሽጢ እዩ ዚጅምር" ድማ በለ ። "ፖለቲካዊ ፍታሕ መዋቕራዊ ምይይጥ ተክኒካዊ ምይይጥ — ኣድላዪ ኢዩ ። ፈለማ ግና ውሽጥና ኽንቅይር ኣሎና" ክብል ውን ምኽሩ ለገሰ።
እዚ መንፈሳዊ ቓልሲ እዚ "ኣብ ህይወት እቲ ዝበለጸ ጥበብ" ምዃኑ ውን ኣመልከተ።

16 May 2024, 15:58