ዩክረይን፥ ዜለንስኪ ኣብ ስልጣኑ ይቕጽል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዩክረይን ኣብ ስልጣን ዘሎ መግንስቲ 5 ዓመታት ዘሕለፈ እውን እንተኸነ ክካየድ ዘለዎ ሕዝባዊ ምርጫ ንዝተይተወሰነ ግዜ ብምስግጋር ፡ ዝለንስኪ ካብ ስልጣኑ ክለቕቕ ዘሎ ህልው ኩነታት ሃገር ከም ዘይፍቅዶ እቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ከፍልጥ እንከሎ፡ ዕለት 20 ግንቦት እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ናይ ተልእኾ ዘመኑ ብወግዒ ዘብቀዐ እውን እንተኾነ ንህልው ኩነታት ዩክረይንን ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ውግእ ኣብ ግምት ብምእታዊ ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕ ከም ዝኾነ ናይታ ሃገር መንግስቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣመላኺቱ እዚ እውን ቅዋም ሃገር መሰረት ብምግባር ዘመሓላለፎ ውሳኔ ከም ዝኾነ የመላኽት።
ውሽጣዊ ተቓውሞ
ሓደ ኽፋል ናይ ተቓወምቲ ውድብ ዩክረይን እቲ ስልጣን ከም ሕጊ መሰረት ንናይታ ሃገር ህዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበር ከመሓላለፍ እዩ ዘለዎ ብምባል እቲ መግንስቲ ዝወሰዶ ውሳኔ ከም ዝነጽጎ ክሕበር እንከሎ፡ ሰለዚ ህዝቢ ንህልው ኩነታት ኣብ ግምት ብምታዊ ዝውክሎ ካልእ መንግስቲ ክመርጽ ስለ ዝኽእል ብዘይመረጾ መንግስቲ ካልእ መስዋእትነት ክሕተተ ኣይክእልን እዩ ይብላ ምህላወን ዜና ቫቲካን ምንጪ ዜና ዩክሬይን ጥቒሱ የመላኽት፣
ርእይቶ ሞስኮ
ፕረዚደንት ሩስያ ፑቲን ዝዀነ ይኹን ውዕላት ብሓደ ተካኢ ዘይሕጋዊ ኺእወጅ ስለ ዚኽእል ምስ ዜለንስኪ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ስምምዕ ክግበር ከም ዘይከኣል ከፍልጥ እንከሎ ናይ ቤላርሱ ርእሰ ብሔር ሉካሼንኮ እውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ከም ዘለዎ ክንገር እንከሎ ናይ ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ስልጣን ዘይሕጋዊ እዩ እንክብል ከም ዝገለጸን፥ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ውግእ ነቲ ክካየድ ዘለዎ ምርጫ ዝትንክፍ ኣይኮነን ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ዞባ ክርኪፍ
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኣመሓዳሪ ዞባ ከርኪፍ ኦለህ ሱኒሁቦፍ ከም ዝበሎ ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ኸተማ ከርኪፍ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝቖሰሉን ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ሓያሎ ናይ ብሕቲ መንበሪታት ብሓዊ ከም ዝነደደን ኣብቲ ቦታ እውን ብርክት ዝበሉ ኣባላት መጥፋእቲ ባርዕ ሓውን ሰራሕተይናታት ህጹጽ እዋንን ከም እተእኩ ኣፍልጡ እንክብሉ ዜና ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ዩክረይን ጠቒሱ የመላኽት።