ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት፥ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ራፋሕ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ደው ከተብል ኣዚዙ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት፥ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ራፋሕ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ደው ከተብል ኣዚዙ  (ANSA)

ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት፥ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ራፋሕ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ደው ከተብል ኣዚዙ

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ እስራኤል ኣብ ራፋሕ እትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ከተብሎ ትእዛዝ ከም ዘመሓለፈን፣ እዚ ድማ ብቕጽበት ተግባራዊ ክኽውን ከም ዘለዎ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይቲ ቤት ፍርዲ መገልጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ጉዳይ እዚ ብደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኣህጉራዊ ቤት፥ እስራኤል ንውዕል ምጽናት ዓሌት ሕቡራት ሃገራት ትጥሕስ ኣላ ብምባል ዘቐረበቶ ክሲ ዘማላኽቶ ኮይኑ ኣቦ መንበር እቲ ቤት ፍርዲ ዳይና ናዋፍ ሰላም፥ ኣብ ሄግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ኩነታት ካብቲ ናይ መወዳእታ ውሳነታት ዕለት 26 ጥሪን 28 መጋቢትን ጀሚሩ እዚዩ እናኸፈአ ይኸይድ ኣሎ - እቲ ሰብኣዊ ኩነታት ኣዚዩ ኣዕናዊ ኮይኑ ኣሎ" እንክብል ከም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

"ድሕሪ ናይ ሰሙናት ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ራፋሕ፡ ድሮ 100 ሽሕ ፍልስጤማውያን ዕለት 6 ግንቦት ካብቲ ቦታ ክወጹ ትእዛዝ ተዋህብዎም ከም ዝነበረን እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ምህላዉን፡ ተወሳኺ ህዝቢ እውን ንኽወጽእ ይግደድ ከም ዘሎን ከም ውጽኢቱ ድማ ዕለት 18 ግንቦት ኣስታት 800 ሽሕ ሰባት ካብቲ ቦታ ንኽስደዱ ከም እተገዱ ኣፍሊጡ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ላዕለዋይ በዓል መዚ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንእስራኤል ወይ ኣህጉራዊ ትካላትን ልዕልና ሕግን ናይ ምድጋፍ ምርጫ ክገብር ክግደድ እዩ እንክብል ከም ዘፍለጠን

እስራኤል ብወገና ኣብ ምድሪ ንእተካይዶ ዘላ ጸረ ሓማስ መጥቓዕቲ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ደው ከምዘይብላ ከም ዝሓበረት የመላኽት፡

ናይ እስራኤል ሚኒስትሪ ፍትሒ ጊላድ ኖኣም፡ እስራኤል ንርእሳ ንምክልኻል ኣብ "ዘሕዝን ኲናት" ንኽትኣቱ ከም ኣተገደት ብምግላጽ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ንቕትለት ዓሌት ብዝምልከት ዘቕረበቶ ክሲ ከም ዝነጸጎ ኣመላኺቱ፥ ብፍሉይ ሊግ ዓረብን ምስርንን ነቲ ICJ - ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝተዋህበ ትእዛዝ ብሓጎስ ከም ተቐበለኦን ሓላፊ ሊግ ዓረብ ኣሕመድ ኣቡል-ጌት፡ እቲ ውሳነ፡ እስራኤል ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዘቐመጦ ጠለባትን ቅድመ ኩነታትን መልሲ ንምሃብ ዝኾነ ስጉምቲ ከምዘይወሰደትን እዚ ናይቶም ዳያኑ ተኣማነንት ዘመልክት እዩ ከም ዝበለን ኣብ ዝተፈለየ ምዕባለ እስራኤል ብሽምግልና ቀጠርን ኣሜሪካን ምስ ሓማስ ዝተገብረ ዛዕባ ጅሆ ዝተታሕዙ ጉዳይ ዝምልከት ስምምዕ ንምሕዳስ ክም እትሰማማዓሉ ናይ እስራኤል ናይ መንግስቲ ካን እተአሰምየ መደብር ተለቪዥን ዕለት 26 ግንቦት ከም ዘፍለጠ  ዜና ቫቲካን የመላኽት።

27 May 2024, 14:52