ድለ

ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ እውን ክቐትል ኣብ ዝኽእለሉ እዋን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ እውን ክቐትል ኣብ ዝኽእለሉ እዋን  (REUTERS)

ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ እውን ክቐትል ኣብ ዝኽእለሉ እዋን

ብኢዳንስትሪ ዝማዕበላ 7 ሃገራት ካብ ዕለት 13 - 15 ሰነ ኣብ ዘካይድኦ ዓውደ ኣኼባ ኣብቲ ዕለት 14 ሰነ ዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብፍልዩ ኣብ ዝዝትየሉ እዚ እውን ሰብ ሰርሖ ኣሰውዕሎ ኣብ ውግኣት ምጥቓም ዘስዕቦ መዓትን ብፍሉይ ኣስተንትኖ ኣብ ዝገብር ኣብቲ ናይቲ ዓውደ ኣኼባ ክፋል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክሳተፉ ከም ዝኾኑን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ (AI) ዝተወፈየ ክፋል ኣኼባ G7 - ብኢንዳስትሪ ዝማዕለባ ሸውዓተ ሃገራት ክሳተፉ ድላይ ዘሕደረሎም ብዛዕባ እዚ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ መጋበርያ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብዝበለጸ ንኽፈልጡ ካብ ዘለዎም ፍሉይ ድልየትን ከምኡ እውን ዘስዕቦ ሓደጋ ካብ ምስተውዓል ዝነቐለ ኮይኑ፡ ምስ ውሽጣዊ ባህርያት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምስ መጻኢ ምዕባለኡ ኣብ መልክዓት ርክብን ዝምድናን ዝኸፍቶ ሕቶታትን ምስኡ ዝተኣሳሰር ጸገም ጥራይ ኣይኮነን። ጸገም ናይ ኣተገባብራ ዓውድታት እውን ኣሎ፡ እዚ ድማ - ከምቲ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ቅድሚ እዚ ሓድሽ ምዕባለ እዚ ዝነበሩ ስነ ፍልጠታውን ዕደ ጥበባውን ምህዞታት - ንወተሃደራዊ ጉዳያት ቀዳምነት ዝህቡ ይመስሉ።

በዚ ኸኣ እቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቓዛ ዝካየድ ኣብ ዘሎ ደማዊ ኲናት ዘጋጠመ መዓታዊ መጠንቀቕታ ይኸውን። ብመሰረት ክልተ ስልጣን ዘለወን መራኸቢ ብዙሓን ከም ዕለታዊ ጋዜጣ እንግሊዝ “ዘ ጋርድያን” ከምኡ’ውን ኣብ ተልኣቪቭ ዝሕተማ መርበባውያን ጋዜጣታት “+972 መጽሔት”፡ “ዞባዊ ጻውዒት እተሰምየ መጽሔትን”፣ ብሓቂ እቶም ድሕሪ እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝወረደ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ቓዛ ዝዋግኡ ዘለዎ ወተሃደራት እስራኤል በቲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝእዘዙ እኳ እንተይዘኮኑ ግን ብኣኡ ዝምርሑ ከም ዝኾኑን እዚ እውን ከም ዝበሃል ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ይገብር ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ብመሰረት እተን ነቲ ሓበሬታ ብቐጥታ ካብ መኮንናት ስለያ እስራኤል ዝኣከባ ሰለስተ ማዕከናት ዜና፡ ብሓቂ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ብፍላይ ኣብተን ቀዳሞት ኣዋርሕ ናይቲ ግጭት፡ ላቫንደር እተሰምየ መደበይና ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ከም እተጠቀመ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ድማ ብዙሕ ናይ ጭብጥታት ሰነድ ዝሓዘን። 37 ሽሕ ክኾኑ ዝኽእሉ ዒላማታት ዘጠቓለልን፡ ምስ ኣሸበርቲ ሓማስ ርክብ ኣለዎም ብዝብል መሰረት ዝተለለዩ ወጅህታት ዝተነብሮ ኮይኑ፡ ስለዚ መሓውራት ትእዛዝ ወተሃደራት እስራኤል፡ ካብቲ ኣብ ዓውዲ ኩናት ዘለዉ ወተሃደራት ዝገብርዎ ትዕዝብትን ገምጋምን ንላዕሊ፡ ነቲ ምልክታት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብምጥቃም ኣብ ውሽጢ 20 ካልኢት ጥራይ ነቲ ንደብዳብ ዕላማ ዝኸውን ዘለዎ ብምልላይን ከምኡ እውን እቲ ዝተድልየ ሰብ ብፍሉይ ዘድሊ ሓበሬታ ከም ዝህብን እቲ ዝተለልየ ሰብ ካልኦት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝርከብሉ ህንጻ እውን እንተሎ ብዘየገድስ ነቶም ንጹሓን ሰባት ግምት ዘይህብ ደብዳብ ይፍጸም። ብመሰረት እቲ ብኽልተ መጽሔታት እስራኤል እተኣከበ እሞ ኣብ ለንደን እትሕተም ጋዜጣ እንደገና ዘቕረቦ ምንጭታት ቍጽሪ እቶም ግዳያት ማለት ግዳያት እቲ ቦምብ ዝዀኑ ሰላማውያን ሰባት ብልክዕ ብሰንኪ እቲ ብዘይ ኣፈላላይ ምጥቓም ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዘስዕቦ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ዓውደ ውግእ ንፈለማ ግዜ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምጥቃም ይረአ ከም ዘሎን ሓይሊ ምክልኻል ዩክሬን ብሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝምራሕ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምጥቃም ጀሚሩ ከም ዘሎን። ብሓፈሻ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብርሑቕ ናብቲ ዒላማ ዘገብረሉ ገጹ ዝመርሓ ዘዋሪ ኣለዎ፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ክህልዉ ዝኽእሉ ሓደጋታት ጎናዊ ሳዕቤናት ኣብ ግምት ብምታው ድማ ነቲ መስመር የስተኻኽልን የመዓራርን። ድሕሪ ሕጂ መራሕ ዘለወን ነፋሪት ዘይኮነስ ብቦታ ኣመልካቲ ካብ ርሕቐት ዘድሊ መፍትሕ ብዝጥውቕ ክኢላ ዝምራሕ ክህልዋ እየን ድሮ እውን ይፍተን ኣሎ፥ ስለዚ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክህልው ናብ ዝገብር ምዕባለ ሓድሽ ወለዶ ነብል ኣሎና። ድሮ ኣብ ወርተሃደራዊ መዳይ ዝረአ ዘሎ እውን እዩ። ብውሕዱ 10 ኢንዳስትሪታት ዩክሬንን ካልኦት ሓያሎ ምዕራባውያን ኢንዳትሪታት ንኲናት ሩስያን ዩክሬንን ከም መፈተኒ ቦታ ንቐታሊ ምህዞታተን ይጥቀማሉ ኣለዋ። ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ናይዘን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ነቲ መስመር ህይወታዊ ባህርያት መሬት እውን ኣብ ግምት ብምእታው ይውጠን፣ ንበረራ የወሃህድ፣ እቲ ተልእኾ ምስተዛዘመ ድማ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝበጽሐ ጉድኣት የረጋግጽ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ሓደ ኣብ መሬት ዘሎ ኣዛዝን መራሕን በረራ ብዙሓት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክከታተል ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ግዜን ዓቕሚ ሰብን ይቑጥብ። ስለዚ ንዩክሬናውያን፡ ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ነቲ ኣብ ሜዳ ዘለዉ ሓይልታት ብቑጽራዊ ዘይምዕሩይነት ንምኽሓስ ወሳኒ መሳርሒ ይኸውን። ሩስያውያን ብወገኖም ኣብ ምሉእ ግንባር ሰፊሕ ዓፋኒ መስመር ሬድዮ ኣማዕቢሎም ኣለዉ፡ እዚ ድማ ነተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ካብቶም ርሑቓት መቆጻጻሪ ኣብረርቲ ንምንጻል ይጥቀምሉ። ሩስያውያን መጥቃዕትታቶም ንምጅማር እውን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ተጠቒሞም እዮም፣ እንተኾነ ግን ብቐንዱ ኣብ ንወራር ጸላኢ ብቕጽበት ምላሽ ንምሃብን ኣብ ሓደ መርበብ ክህልዉ ዝኽእሉ ተቓላዕነት ከይተረፈ ንምልላይን ይጥቀምሉ። ምዕራባውያን ተዓዘብቲ ሩስያ ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ናይ ምጥቓም ኣተገባብራ መደባት ዘርእዮ ዘሎ ምዕባለታት ብሰንኪ ኣተገባብራ እገዳታት ከም ዝነከየ ይንገር፡ ይኹን እምበር ፑቲን ነዚ ክሰግሮ ዝኽእል ዓውድታት ምህላዉ ይሕብር።

ውሩይ ዝኾነ መርበባዊ መጽሔት Politico.eu ከም ዘቃለዖ፥ (ኣብ ነዊሕን ዝርዝርን መርመራ ናይቲ ተርእዮ) ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩክሬን፡ ብራቨል ዝበሃል ፍሉይ ኣሃዱ ፈጢሩ፡ እዚ ኣሃዱ እዚ ንስራሕ ናይቶም ኣብ ወተሃደራዊ ዓውዲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንምትግባር ዝተፈጥሩ ዓሰርተታት ጀመርቲ ትካላት ዝድግፍን ዘመቻችእን እዩ። ዓሰርተታት ወተሃደራዊ ሓይልታት ምዕራባውያን ነቲ ኣብ ዩክሬን ዝፍተን ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ይከታተልዎ ኣለዉ። ከምኡ’ውን ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፡ ከምቲ ኣብ ቓዛ፡ ብመሰረት ተንተንቲ፡ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ንቕልጣፈ ቅትለት ክብ ብምባል ግን፡ ኣብ መወዳእታ ነዞም ርእሰ-ምሕደራውያን ኣጽዋር ናይ ምቁጽጻር ዓቕሚ ብምንካይ፡ ተኽእሎ ጃምላዊ ቅትለት የስፍሕ። ሎሚ ምብራቓዊ ዩክሬን ብሓቂ ኣብ ቀረባ መጻኢ ውግኣት ብኸመይ ከም ዝካየዱ ዘርእይ ቤተ-ፈተነ እዩ። ዝቕጽል ናይተን ሸውዓተ ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ዓውደ ኣኼባ ብዛዕባኡ ክዛተየሉ እንተ ዝጅምር፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሓደ ኣህጉራዊ ውዕል ምሕሳብ ኣገዳሲ ምኾነ፡ እዚ ድማ - ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ንኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘጋጠመ - ኣብ ኣተገባብራ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ወተሃደራዊ ዓውዲ ገደብ ንምግባር ይጠቅም። ሎሚ ኣብ መጀመርታ ደረጃ ምዕባለ ነቲ ተርእዮ ንምቁጽጻር ኣጸጋሚ ዝመስል እኳ እንተኾነ፡ መን ቀዳሞት ቀታሊ ኣጽዋር ከፍሪ ከም ዝኽእል ንምፍላጥ ግን እቲ ውድድር ይካየድ ኣሎ።

12 June 2024, 15:21