ድለ

ባይደን፡ ግጭት ቓዛ ንምቁራጽ እስራኤል ዘቕረበቶ እማመ ኣቃሊዑ ባይደን፡ ግጭት ቓዛ ንምቁራጽ እስራኤል ዘቕረበቶ እማመ ኣቃሊዑ  (ANSA)

ባይደን፡ ግጭት ቓዛ ንምቁራጽ እስራኤል ዘቕረበቶ እማመ ኣቃሊዑ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን፡ እስራኤል ንሓማስ ቀዋሚ ተኹሲ ደው ንምባል ዝዓለመ ሰለስተ መድረኻት ዝሓዘ ውጥን ከምዘቕረበት ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን፡ እስራኤል ንሓማስ ቀዋሚ ተኹሲ ደው ንምባል ዝዓለመ ሰለስተ ደረጃታት ዝሓዘ ውጥን ከምዘቕረበትን ኣብ ቓዛ ቁጽሪ ሞት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ግጭት ከብቅዕ ዓቢ ጸቕጢ ትገብር እውን ከም ዘላ ክሕበር እንከሎ፡ ርእሰ ብሔር ባይደን ነቲ ናይ እስራኤል ውጥን፡ ንቐዋሚ ተኹሲ ደው ምባል መንገዲ ዝኸፈት ዓሚቝ እንክብል ከም ዝገለጾን፡ እቲ ውጥን ሰለስተ ምዕራፋት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ንሽዱሽተ ሰሙን ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ምባልን ብርክት ዝበሉ ምሩኻት ምፍታሕን ዘጠቓልል እዩ። ካልኣይ ምዕራፍ ድማ ኩሎም ዝተረፉ ጅሆ ዝተታሕዙ ክፍትሑን፡ ሓይልታት እስራኤል ካብ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ክወጹን ዝብል ኮይኑ። ሳልሳይ ምዕራፍ ኣብ ዳግመ ህንጸት እቲ ግዝኣት ዘተኮረ ከም ዝኾነ ክንገረ እንከሎ፡ ሓማስ ነቶም እማመታት ብኣወንታዊ መንገዲ ከምዝርእዮም ብቕልጡፍ ዝሓበረ እውን እንተኾነ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክብጻሕ ካብ ዝብል ርግጸይናነት ዝረሓቐ ምዃኑን ይኹን’ምበር ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 1 ሰነ መራሔ መግንስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ወተሃደራውን ኣመሓዳድራን ዓቕሚ ሓማስ ክሳብ ዝጽንቀቕ ኩሎም ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ክሳብ ዝፍታሑን ኣብ ቓዛ ቀዋሚ ዕርቂ ከምዘይህሉ ከም ዘፍለጠን፡ ይኹን እምበር መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቲ ናብ ውዕል ሰላም ዝመርሕ ውጥን ናይ መጀመርታ ዘርኢ ተስፋ እክብል ከም ዝገገለጾ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

03 June 2024, 14:41