ድለ

ህዝባዊ ምርጫ ኣብ ህንዲ ህዝባዊ ምርጫ ኣብ ህንዲ 

ህዝባዊ ምርጫ ኣብ ህንዲ

ህንዲ ብዘለዋ ብዝሒ ህዝቢ ምኽንያት ንሽዱሽተ ሰሙን ዝቐጸለ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ መወዳእታ ከም ዝበጸሐን ካብቶም ኣማኢት ሚልዮናት መረጽቲ እታ ሃገር፡ እቲ ናይ መወዳእታ ዕለት ምርጫ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ተንተንቲ ፖለቲካ ህንዲ እቲ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ነቲ ናይ ሂንዱ ሃገራውነት ፖለቲካ ዝስዕብ ኣብ ስልጣን ንዘሎ መራሔ መንግስቲ ናሬንድራ ሞዲ ዝግምግም ምዃኑ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ታሪኽ ህንዲ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ተባሂሉ ዝግለጽ ብዙሕ መድረኻት ዝሓዘ ንሽዱሽተ ሰሙን ዝቐጸለ ሕዝባዊ ምርጫ፡ ሕጹያት ተመረጽቲ ኣብ ናይ ምረጹኒ ጎስጓሶም ናብ መላእ እታ ሃገር ዝንቀሳቐስሉን፡ ኣብቲ መደብ ህዝባዊ ምርጫ ብዙሓት ሰራሕተይናታት ከም ዝምደቡን መራጺ ህዝቢ ንነዊሕ ሰዓታት ተሰሪዑ ንኸድምጽ ዝረኣየሉ ከም ዝኾነን ዳርጋ 970 ሚልዮን መረጽቲ - ልዕሊ 10% ካብ ህዝቢ ዓለም  ዝሽፍን- ነቶም ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ህዝባዊ ባይቶ ዘገልግሉ ልዕሊ 8300 ሕጹያት ድምጺ ከም ዝሃበን እቲ ናይቲ ህዝባዊ ምርጫ ውጽኢት ዕለት 4 ሰነ ክንገር እዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎን፡ መራሔ መግንስቲ ናሬንድራ ሞዲ እንተተዓዊቱ፡ ድሕሪ መራሔ መግንስቲ እታ ሃገር ዝነበረ ጃዋሃርላል ነህሩ ንሳልሳይ ግዜ ስልጣን ዝሓዘ ካልኣይ መራሒ ህንዲ ክኸውን እዩ።

ሞዲ ኣብ ምርጫታት መሪሑ

ጎስጓስ ሞዲ ካብ መድረኽ ቁጠባዊ ምዕባለ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ 2047 ዓ.ም. ድኻታት ካብ ዝነብርዎ ሕሱም መነባብሮ ክላቐቑ ብምግባር ህንዲ ናብ ምሉእ ምዕብልቲ ሃገር ክቕይር እየ እንክብል ቃል ከም ዝኣተወን። መራሔ መንግስቲ ንውሑዳን ስዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና እታ ሃገር ዒላማ ዝገበረ መደረታት በዚ ዝውልትው ቃላቶም ኣቢሎም ድማ ኣብታ ሃገር ንዝርአ ድሮ ንዘሎ ኣፋላላይ ኣብ መጻኢ እናዓበየ ክኸይድ ዝድርኽ ምዃኑ ድማ ተንተንቲ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ሞዲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ ዘይተኣደነ ተፈታውነት ረኺቡን ደገፍቱ ንህንዲ ኣብ ዓለም ዘለዋ ደረጃ ዘመሓየሸን ሓያል መራሒ ገይሮም ከም ዝርእይዎን ንንግዲ ዝድግፍ ዘጽደቖ መምርሕታት ድማ ህንዲ ኣብ ቁጠባ ዓለም ሓሙሻይ ደረጃ ክትሕዝ ከም ዝገበራ ገይሮም ከም ዝገልጽዎምን፥

ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ዝፍጸም መጥቃዕቲ

ማዕረ ማዕሪኡ ኣመሓዳድራኡ ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣስላም ድፍረት ዝመልኦ መጥቃዕትን ናይ ጽልኢ ዘረባን ዝተመልኦ ከም ዝኾነን ተቓወምቲ ውድባት ንደሞክራሲ ህንዲ ንሓደጋ ዘቃልዕ እንክብሉ ከም ዝገልጽዎን ካብ ተቓወምቲ ኪዳንን ቀንዲ ድማ ካብ ራሁል ጋንዲ መራሒ ባይቶኣዊ ፖለቲካዊ ውድብ ተሪር ተቓውሞ ከምዘጋጠሞን ንሞዲ ናይ ሂንዱ ሃገራውነት ፖለቲካ ነቶም ዓሌት ሂንዲ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ቁጠባዊ ምዕባለ ብሉጻት ተጠቀምቲ ዝገብር እዩ ዝብል ተቓውሞ ከም ዘስምዑን ነቲ ምርጫ ብዛዕባ ስእነት ስራሕን ስራሕ ኣልቦነትን ቁጠባን ዝኣመሰሉ ከባብያዊ ጉዳያት ጥራሕ ከተኩር ብምግባር ነቲ ሓቀይና ጉዳይ ሃገር ከይፍለጥ ክገብር ዝፈተነ ምዃኑ ናይታ ሃገር ጉዳያት ፖለቲካ ተንተንቲ ይዛረቡ።

03 June 2024, 14:37