ድለ

ምዝመዛ ህጻናት ምቁራጽ፡ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ንምክልኻል ዝግበር ጻውዒት ምዝመዛ ህጻናት ምቁራጽ፡ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ንምክልኻል ዝግበር ጻውዒት  (AFP or licensors)

ምዝመዛ ህጻናት ምቁራጽ፡ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ንምክልኻል ዝግበር ጻውዒት

ዕለት 12 ሰነ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣንጻር ምዝመዛ ህጻናት ተዘኪሩ ከም ዝወዓለን ኣብ መላእ ዓለም ዳርጋ ካብ 10 ህጻናት 1 ንምዝመዛ ዝተቓልዔ ከም ዝኾነን እዚ ለበዳ ብፍላይ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን አደዳ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ህጻናትን ዝኣመሰሉ ንዝተገለሉ ማሕበረሰባት ዝጸሉ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ምዝመዛ ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላማ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

“ክሓልም ዘይክእል፡ ክጻወት ዘይክእል ቆልዓ፡ ክዓቢ ኣይክእልን እዩ። ንህጻናት መጻኢኦምን ስለዚ ድማ ንባዕሉ ሰብኣውነትን ምዝማት እዩ። ምግሃስ ክብሪ ደቂ ሰባት እዩ።”

እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ነቲ ዕለት 12 ሰነ ተዘኪሩ ዝወዓለ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣንጻር ምዝመጻ ሕጻናት ሸቶ ዘብርህ እዩ። ለምዘበን ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣንጻር ምዝመዛ ህጻናት ዕለት 12 ሰነ፥ ኣብ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ውሳኔ ኣንጻር ምዝመዛ ሕጻናት ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት ብምዃኑ፥ "ብመብጽዓታትና ንዋሳእ፡ ምዝመዛ ህጻናት የብቅዕ!" ብዝብል መርሕ ቃል ተሰይኑ ከም እተዘከረ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ካብ 10 ህጻናት 1

ዋላ እኳ ነቲ ዘስካሕክሕ ክውንነት ምዝመዛ ህጻናት ንምምካት ዝተዳለዉ ውዕላት ተቕባል ምርካቦም ነብዕል እንተኾንና፡ ኣብ መላእ ዓለም ዳርጋ ካብ 10 ህጻናት 1 ህጻን ንምዝመዛ ከም ዝቃለዐን ገሊኦም ድማ ናብ ሓደገይናን ከቢድን ስራሕ ከም ዝግደዱ ነዚ ንምውጋድ ገና ብዙሕ ስራሕ ክካየድ ከም ዘለዎ እዩ ዝፍለጥ፡ ኣብዚ ኪደት እዚ እውን ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ህጻናት መሰልን ክብርን ውሑስ ኣብ ምግባር ሎሚ ካብ ቀደም ኣበርቲዑ ክዓዩ ይሕተት።

ስራሕ ህጻናት እንታይ እዩ?

ብመሰረት ኣህጉራዊ ትካል ዕዮ፡ "ዕዮ ህጻናት (ህጻናት ኣብ ስራሕ ዓለም ምውፋር)" ንህጻናት ንእስነቶም፡ ዓቕሞምን ክብረቶምን ዝምንዝዕ፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ምዕባለኦም ዝጎድእ ስራሕ እዩ። ብኣእምሮኣዊ፡ ኣካላዊ፡ ማሕበራዊ ወይ ብግብረ ገብ ሓደገይናታትን ንህጻናት ዝጎድኡን ዕማማትን፡ ከምኡ’ውን/ወይ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ከይኣትዉ ብምኽልካል፡ ብኣግኡ ካብ ቤት ትምህርቲ ክወጹ ብምግዳድ፡ ወይ ድማ ካብ መጠን ንላዕሊን ከቢድን ስራሕ ምኽንያት ካብ ቤት ትምህርቲ ክርሕቑ ዝገብር ትምህርቶም ዝዘርጉ ዕማማት የጠቓልል። ስራሕ ኣብ "ጉልበት ህጻናት" ይምደብ ድዩ ኣይምደብን ኣብ ዕድመ እቲ ህጻን፡ ባህርን ሰዓታት ስራሕን፡ ኩነታት ስራሕን ዕላማታት ናይታ ፍልይቲ ሃገርን ዝምርኮስ ኮይኑ፡ ኣብ መላእን ኣብ ውሽጢ ሃገራትን ጽላታትን ይፈላለ።

እቶም ግዳያት መን እዮም?

ከምቲ ልሙድ፡ እቶም ግዳይ ስራሕ ናይ ምዃን ሓደጋ ዘጋጥሞም ህጻናት፡ ኣካል ናይ ዝተገለሉ ማሕበረሰባት ዝኾኑ ህጻናት እዮም። ብመሰረት ጸብጻብ ዩኒሴፍ - ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ህጻናት ዝሓልይ ትካል፡ ኣስዒቡ ብዙሓት ካብኣቶም ብግጭት፡ ሓደጋ ወይ ድኽነት ካብ ሱሮም ዝፍለዩ እዮም። ብፍላይ በይኖም ዝስደዱ ወይ ምስ ስድርኦም ዘይስሩዕ መንገዲ ዝኽተሉ እንተኾይኖም፡ ብግዴታ ናብ ስራሕ ክኣትዉን ከይተረፈ ንሓድሽ ንግድ ሰብ ሓደጋ ይቃልዑ።

ብተመሳሳሊ፡ ንንግድ ሰብ ሓደጋ ዝቃልዑ ህጻናት መብዛሕትኡ ግዜ ግዳያት ስራሕ ህጻናት ኮይኖም፡ ዓመጽ፡ ግህሰትን ንኻልእ ዓይነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ይቃልዑ። ንኣዋልድ፡ ስግኣት ጾታዊ ምዝመዛ ዓቢ ክኸውን እንከሎ፡ ጉጅለታት ዕጡቓት ሓይልታት ድማ ንኣወዳት ክምዝምዙ ይኽእሉ።

ኣብ መላእ ዓለም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ይምልመሉን ኣብ ዕጥቃዊ ግጭታት ክሳተፉ ይግደዱ። ኣብ መንጎ 2005ን 2022 ዓ.ም. ልዕሊ 105 ሺሕ ህጻናት ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ከምዝተመልመሉን ኣብ ኲናትን ከም ዝኣተዉ ተረጋጊጹ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ጭቡጥ ቁጽሪ ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ እዩ ዝእመን።

ኩሉ ቆልዓ መሰል ኣለዎ...

ከም ዩኒሴፍን ናይ ህጻናት ጉዳይ ዝሓልይ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካል ዕዮን ዝኣመሰላ ትካላት፡ ኩሎም ህጻናት ካብ ዓመጽ ውሑሳት ክኾኑን ምስ ስድርኦም ክዓብዩን ከይተሓለሉ ይሰርሑ።

“ናብ ትምህርቲ ወይ’ውን ናብ ሕክምና ክኸዱ ክፈርሑ የብሎምን። ካበይ ከም ዝመጹ ምኽንያት ኣድልዎ ክኸውን የብሉን። ኣብ ዝረኸብዎ ቦታን ገዛን ኣብ ዝሃለወሉ ቦታ ኣብ ገዛኦም ከም ዝኾኑ ክስምዖም ክኽእሉ ኣለዎም ” ክብል ዩኒሴፍ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ይጽሕፍ።

ድምጺ ቤተ ክርስቲያን

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ መላእ ዓለም ዕዮ ህጻናት ደው ክብል ትጣበቕ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕጻናት ህጻናት ክኾኑ ከም ዘለዎም ብዙሕ ግዜ ደጊሞም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። ዕለት 12 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ኣብ እዋን ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝሃቦብዎ መግለጺ፤

"ክጻወቱ ኣብ ዝግብኦም ዕድመ ዘለዉ ህጻናት ከም ዓበይቲ ክሰርሑ ይግደዱ። እቶም ቆልዑ፡ ድኻታት ንኣሽቱ ነገራት፡ ንኽነግዱ ወይ ንኽሸጡ ዝጠቅም ነገር እናደለዩ ኣብ መጉሓፊ ጎሓፍ ግዜኦም ዘልሕልፉ ንሕሰብ . . . ኩላትና ኣባላት ሓንቲ ዓባይ ሰብኣዊት ስድራቤት ስለ ዝኾንና ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም በደልን ንነፍሲ ​​ወከፍና ከም ዝጸሉ ካብ ምጉላሕ ዓዲ ኣይውዕልን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

13 June 2024, 15:39