ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ንዝተጎድአ ሓደ ፍልስጤማዊ ብምግፋዕ ተኸሲሱ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ንዝተጎድአ ሓደ ፍልስጤማዊ ብምግፋዕ ተኸሲሱ  (AFP or licensors)

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ንዝተጎድአ ሓደ ፍልስጤማዊ ብምግፋዕ ተኸሲሱ

ፍሉይ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ዝተጎበጠ ግዝኣታት ፍልስጤም መሰረት ገይሩ፡ ሰራዊት እስራኤል ንሓደ ዝተጎድአ ፍልስጤማዊ ከም ሰብኣዊ ዋልታ - ዕርዲ ብምጥቓም ግፍዕን ኣህጉራዊ ሕጊ ዕሽሽ ብምባልን ከም ዝኸሰሰ ዜና ቫቲካን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መገልጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍሉይ ጸብጻቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ዝተጎበጠ ግዝኣታት ፍልስጤም ኣማእኪሉ፡ ሰራዊት እስራኤል ንሓደ ዝተጎድአ ፍልስጤማዊ ከም ሰብኣዊ ዋልታ - ዕርዲ ብምጥቃም ግፍዕን ኣህጉራዊ ሕጊ ዕሽሽ ብምባልን ከም ዝኸሰሰን እዚ ድማ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ኣብ እትርከብ ከተማ ጀኒን ኣብ ዘካየዶ ዘመተ፡ ሓይልታቱ ንሓደ ዝቖሰለ ፍልስጤማዊ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚት መኪናኦም ኣሲሮም ከም ሰብኣዊ ዕርዲ ብምጥቃም ግፍዒ፡ ኣህጉራዊ ውዕል ውግእ ጥሒሱ እንክብል ብምምልካት ዘቕረቦ ክሲ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን መግለጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ የመላኽት።

እቲ ፍጻመ ብናይ ኢድ ተለፎን ዝተቐድሐ ኮይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ከም ዘሎን፡ መግለጺ ሰራዊት እስራኤል፡ እቲ ሰብኣይ ኣብቲ ዘመተ ብጥይት ዝተጎድአ ጥርጡር ምንባሩ ክገልጽ እንከሎ፡ ስድራ ቤት እቲ ዝተጎድአ ሰብኣይ፡ እቲ ፍልስጥኤማዊ ምስ ተጎድአ ንሕክምና መጓዓዝያ ሕሙማት ሓቲቶም እናተጸበዩ እንከለዉ ሰራዊት እስራኤል መጺኦም ከም ዝወሰድዎን ወሲዶም ከም ዕርዲ ከም እተጠቀምሉ ይሕብሩ።

እቲ ዝቖሰለ ፍልስጥኤማዊ ኣብ መወዳእታ ንሕክምና ንማሕበር ቀይሕ ወርሒ ከምተረከበን ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል እዚ ዝበሃል ዘሎ ፍጻመ ክምርመር ምዃኑ እንከፍልጥ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ዓመጽ ምውሳኹ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም በቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ልዕሊ 480 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ እስራኤላውያን ኣብ ተልኣቪቭ ተኣኪቦም፡ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክግበርን ብሓማስ ዝተታሕዙ ምሩኻት ክምለሱን ይሓቱ ከም ዘለዉን እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ እውን ኲናት ኣብ ቓዛ ካብ ዝጅምር እቲ ዝዓበየ ጸረ መንግስቲ ዘቕንዐ ሰልፊ ምንባሩ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ሓይሊ ጸጥታ እስራኤልን ሰልፈይናትን ወጥሪ ከም እተፈጥረ ዘርእዩ ናይ ምስማዐ ርእየት ሓቤራታት እውን ከም እተዘርገሐን ክንገር እንከሎ፡ ኣብ ምብራቓዊ ሊባኖስ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ በካኣ ኣብ እትርከብ ቁሸት ኣል-ክያራ፡ እስራኤል ንሓንቲ መኪና ዒላማ ብምግባር ኣብ መወዳእታ ሰሙን ሓደ መራሒ እስላማዊ ጉጅለ ከም ዝቐተለ ናይቲ ከባቢ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ዶብ ሊባኖስን እስራኤልን ዝነበረ ወጥሪ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ ኣመላኺቱ፥ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ዒራቕ ዝርከብ ዕጡቓት ጉጅለ ሺዓ ትማሊ ሰንበት ምስ ጉጅለ ሑቲ የመን ኣብ ወደብ ሓይፋ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤልን ማእከላይ ባሕርን ኣብ ዝርከባ ሓሙሽተ መራኽብ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተፈጸመ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ከም ዝወሰደ ይሕብር።

24 June 2024, 15:31