ዮርዳኖስ ብዛዕባ ሓገዝ ቓዛ ዝምልከት ኣህጉራዊ ዋዕላ ተአንግድ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዮርዳኖስ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ንዝፍጠር ሰብኣዊ ቅልውላው ህጹጽ ምላሽ ዝምልከት ህጹጽ ኣህጉራዊ ዋዕላ ከም ዘእንገደትን እቲ ዋዕላ ኣብ ጥቓ ምዉት ባሕሪ ምስ ሕቡራት ሃገራት፡ ከምኡ’ውን ምስ ምስርን ብምትሕብባር ዝተኻየደ ኮይኑ፡ እቲ ኣኼባ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላ ዝህቦ ምላሽ ንምድልዳል ዝሕግዝ መንገድታት ንምልላይን፡ ነቲ ኩነታት ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝተዋደደ ሓባራዊ ምላሽ ንምሃብ ቃል ንምእታው ዝዓለመ ከም ዝነበረ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅድም ክብል ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣኼባ ብምጥቃስ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ሰባት ክበጽሕ ክፍቀድ ኣለዎ ብምባል፣ ማሕበረሰብ ዓለም ንህዝቢ ቓዛ ንምሕጋዝ ብህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ደጋጊሞም ከም ዘተባብዑ ኣፍሊጡ።
ንመሬት ቓዛ ቀረባ ምዃን
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሓይሊ ኣየር ምስሪ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ወሽመጥ ቓዛ ካብ ኣየር ሓገዛት የቕርብ ምህላዉን ናብቲ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝርከብ ከባቢ ሰብኣዊ ቀረብ ንምብጻሕ እቲ ኣብ መንጎ ምስርን ቓዛን ዝርከብ መሳገሪ ዶብ ራፋሕ ካብ ዝዕጾ ንደሓር ብዙሕ ብድሆታት ከም ዘጋጠሞን እዚ ድማ ብናይ ጽዕነት ማካይን ዝቐርብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝምልከት ምዃኑን፥ ዕለት 7 ሰነ UNICEF – ናይ ህጻናት ጉዳይ መዋሊ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭትን እገዳታትን ኣባይቲ ስድራ ድሌታት መግቢ ደቆም ከማልኡ ይዓግቶም ከምዘሎ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣመላኺቱ፡ ብመሰረት እቲ ትካል፡ ኣብኡ ካብ ዘለዉ ዓሰርተ ህጻናት እቶም ትሽዓተ ከቢድ ስእነት መግቢ የጋጥሞም ከም ዘሎን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ግጭት ልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ የቑጽር ምህላዉን ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እስራኤል ወተሃደራት ሃማስ ብሃንደበት ብዝፈጸሞ መጥቓዕቲ 1,200 ዝዀኑ ሰባት ምስ ቀተሉን ካልኦት 250 ዝዀኑ ድማ ጅሆ ምስሓዙ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ኣብ ቓዛ ኸቢድ ናይ ግብረ መልሲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝተባርዐ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።