ፓኪስታን፡ ተኸታቲሉ ብዝተራእየ ዓመጽ ምኽንያት ምትእኽኻብ ትእግድ ፓኪስታን፡ ተኸታቲሉ ብዝተራእየ ዓመጽ ምኽንያት ምትእኽኻብ ትእግድ  (ANSA)

ፓኪስታን፡ ተኸታቲሉ ብዝተራእየ ዓመጽ ምኽንያት ምትእኽኻብ ትእግድ

ኣብ ፓኪስታን ዞባ ፓንጃብ ናይ እትርከብ ከተማ ሳርጎዳሕ ሰበስልጣን ብምኽንያት እቲ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ብሃይማኖት ምስልምና ዝጽንበል በዓለ መስዋእቲ ናይ ምትእኽኻብ ናጽነት ከም ዝኣገደ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ክርስትያን ተወሳኺ ዓመጽ ዝመልኦ ናዕቢ ንኸይፍጠር ዝዓለመ ከም ዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ። ድሕሪ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዞባ ፑንጃብ ኣብታ ከተማ ምትእኽኻብ ከይህሉ እገዳ ከውጽእ ንሳልሳይ ግዜኡ እዩ። በዓል መስዋእቲ እቲ ዝለዓለ እስላማዊ በዓል ክኸውን እንከሎ፤ ኣብ መካ ብዝግበር መንፈሳዊ ንግደት ዝዛዘም እውን እዩ። ለምዘበን ካብ ዕለት 16 ሰነ ክሳብ ዕለት 19 ሰነ ከም ዝካየድን፡ ኣስታት 660 ሽሕ ነበርቲ ዘለዋ ከተማ ሳርጎዳሕ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና ዕስለ ዓመጽ ዝፍጸሙላ ከተማ ከም ዝኾነትን። እቲ ምኽንያት ድማ ሓደ ተቐማጢ እታ ከተማ ሰዓቢ ሃይማኖት ክርስትና ወናኒ ትካል ቁርኣን ኣርኪሱ ብዝብል ምስምስ ዝተለዓዓለ ኮይኑ እቲ 74 ዓመት ዝዕድመኡ በዓል ትካል ብዝወረዶ መጥቓዕቲ እውን ከም ዝሞተ ይንገር።

ሳዕቤን ሃይማኖት ምርካስ ዝምልከት ናይ መቕጽዒ ሕጊ

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዞባ ፑንጃብ "ኩሉ ዓይነት ምትእኽኻብ" ከም ዝኣገደን ካብቶም ኣስታት 245 ሚልዮን ነበርቲ ፓኪስታን ኣስታት 1.6 ሚእታዊት ዝኾኑ ክርስትያናት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንኣድልዎን ዓመጽን ከም ዝቃልዑን፡ እቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ዘሎ ብዛዕባ ሃይማኖት ምርካስ ዝምልከት ዓንቀጽ ንሓደጋ ከም ዘቃልዖምን ኣብ  ወርሒ ነሓሰ 2023 ዓ.ም. ኣብ ጃራንዋላ ፑንጃብ ኣብ ዝርከብ ክርስትያናዊ ከባቢ ልዕሊ 20 ኣብያተ ክርስትያናት ብሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ከም ዝዓነወን ልዕሊ 90 ኣባይቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና ብባርዕ ሓዊ ከም ዝባደመን፡ እስላማዊ ውድብ ተህሪክ - ኢ- ላባይክ ፓኪስታን፡ ሃይማኖት ምርካስ ዝብል ድሕሪ ዝቐረበ ክሲ ብናይ መስጊድ መጉልሒ ድምጺ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዓመጽ ክካየድ ጸዊዑ ከም ዝነበረ ክዝከር እንከሎ፡ እቲ ሃይማኖት ምርካስ ዝብል ናይ መቕጽዒ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ውሁዳን ሃይማኖት ሰዓብት ዜጋታት እታ ሃገር ኣኽከርቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝፍጸምዎ ዓመጽን ኣድልዎን ምኽንያት ኮይኑ ከምዘሎ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተሓልቕቲ ማሕበራት ይሕብራ።

10 June 2024, 15:52