SWITZERLAND-UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT-DIPLOMACY-PEACE SWITZERLAND-UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT-DIPLOMACY-PEACE  (AFP or licensors)

ብጉዳይ እቶም ዝጠፍኡ ቈልዑ ዝተዓብለለ ዋዕላ ሰላም ዩክረይን

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ለዕለዎት መራሕቲ ዓለም ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ፣ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ኣብ ዝገበርዎ "ናይ ሰላም ዋዕላ" ኣብ ጽደቕዎ መዛዘሚ ኣዋጅ፣ እቲ ዕጥቃዊ ውግእ ኣብቶም ገና ህይወት ዝጅምሩ ዘለዉ ቈልዑ ዘሕድሮ ዘሎ ጽልዋ ዘሻቐሎም እኳ እንተ ነበሩ፣ ብሓደ ድምጺ ግን ደገፍ ክግበረሎም ኣይከኣሉን።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ -  ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ሃገረ ዩክረይን ቭላሚር ዜለንስኪ ኣብታ ኣብ ስዊዘርላንድ እትርከብ ከተማ ዙሪክ ኣብ ዚርከብ መዘናግዒ ማእከለ ምስ መራሕቲ ዓለም ኣብ ዝተገብረ ዋዕላ ንተሳተፍቲ ብዛዕባ እቲ ንቘልዑ እውን ከይተረፉ ዘሳቒ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ኪሕግዝዎም ምሕጽንታ ኣቕሪቡ ። "ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ንቘልዑ ናብ ካልእ ሃገር ኪጭውዮም መሰል የብሉን። ንሰላም ክህውኽ መሰል ዘለዎ ውን ዋላ ሓደ የልቦን።  ዘለንስኪ ኣብ ዘስምዖ መደረ መራሕቲ ዓለም ከምዚ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ስርዓታት ብውጽኢታዊ ብዝኾነ መንገዲ ኸነረጋግጽ ንኽእል ኢና ክብል ኣመልከተ።  
ክየቭ ካብ ወርሒ ለካቲት 2022 ኣትሒዛ ካብ ኣባይቶም ናብ ሩስያን ናብቲ ሩስያ ብሓይሊ ተቖጻጺራቶ ዘላ ግዝኣታትን ኸም እተመዛበሉን ብሓይሊ ከም እተጨውዩን ዚገልጽ ኣስታት 20,000 ዝኾኑ  ዩክረይንውያን ቈልዑ ከም ዘለዉ ገሊጹ ። መራሒ መንግሥቲ ሃገረ ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ እውን ነዚ ሻቕሎት እዚ ኣካፈለ ። "እዚ ሓደ ኽፋል ናይቲ ዅላትና ሰሚርና እንገብሮ ጻዕሪ ኢዩ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጕዳይ ናይቶም ካብ ዩክረይን ብሩስያ እተጭውዩ ቘልዑ ከነተኵር ኣሎና፣" ብምባል ኣጕልሐ።  ብኣማኢት ዚቝጸሩ ሰባት ጥራይ እዮም ናብ ዓዶም ተመሊሶም ዘለዉ ። ብ2023 ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ርእሰ ብሔር ሃገረ ሩስያን ቭላድሚር ፑቲንን ከምኡ ውን ማሪያ ልቮቫ-ቤሎቫ ኮሚሽነር መሰላት ቈልዑን ህጻንትን እታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መገዲ ንቈልዑ ካብ ሃገረም ክጨውዩ ትዛዝ ክህንዲ ዝሃቡ ናይ ማእሰርቲ ኣዋጅ ኣመሓላሊፍሎም ኔሩ ። ኣስታት 730,000 ዝኾኑ ቈልዑ ናብ ሩስያ ኸም እተወስዱን መብዛሕትኦም ከኣ ምስ ወለዶም ወይ ምስ ካልኦት ኣዝማዶም ከም እተወስዱን ከምኡ ውን ኣስታት 2,000 ዝኾኑ ቈልዑ ድማ ካብ መዕበዪ ዘኽታማት ዩክረይን ከም እተወስዱ ገለጸት። ይኹን እምበር ብሓይሊ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ኸም እተመዛበሉ ኣይጠቐሰትን ። ሩስያ ኣብቲ ዋዕላ ስለ ዘይተዓደመት ግን እዝን ካልእን ጕዳያት ብኸመይ ከም ዚፍታሕ ንጹር ኣይነበረን።

ተወሳኺ መሬት

እቲ ዋዕላ ምስ ተጀመረ ርእሰ ብሔር ሃገረ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ክየቭ ዝያዳ መሬት ክትገድፍን ወተሃደራታ ናብ ውሽጢ ሃገራ ከተዝልቕን ከም ዘለዋ ከምኡ ውን እቲ ውግእ ደው ቅድሚ ምባሉ ምስ ወተሃደራዊ ኺዳን ኔቶ ንምሕባር ዝገበረቶ ጻዕሪ ኽትሓድግ መሕትት ኣቕረበ ። ኣብ ርእሲ እዚውን ብዙሓት መራሕቲ ዓለም እንተላይ  ምክትል ርእሰ ብሔር ካማላ ሃሪስን ርእሰ ብሔር ሕ. መ. ኣ. "ዓለም ሓደ ጨቋኒ ንጐረቤቱ ክወርር እንከሎ ምላሽ እንተ ዘይሂባ ካልኦት ጨቈንቲ ብዘይ ጥርጥር ከም ዝትንስኡ ኣጠንቀቑ።   እንተዀነ ግን እታ ኣብ ሩስያ ዝያዳ ጽልዋ ዘለዋ ቻይና ኣብቲ ዘተ ምስታፍ ኣበየት ። እቶም ተሳተፍቲ እውን ከይተረፉ ነቲ ውግእ ብኸመይ ከም ዘቋርጽ ዝገልጽ ናይ መወዳእታ ኣዋጅ ብምሉእ ድምጺ ክድግፍዎ ዘይመስል ኢዩ ነይሩ፣ ዩክረይን ከኣ ሩስያ ካብ ኵሉ ዞባታታ ክትወጸ ግዲ ኢዩ በለት። ገሊኣቶም ኣብ ምዕራባዊ ዩክረይን ወተሃደራዊ ደገፍ ንምሃብ ዝነበሮም ሓሳብት ኸቋርጽዎ ፍቓደኛታት ምዃኖም ኣብ ሕቶ ኣእተውዎ ።
ኣብ ዩክረይን ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ብኣማኢት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ይቕተሉን ወይ ይቖስሉን እዮም ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ከኣ ተመዛቢሎም ይርከቡ።

18 June 2024, 13:16