ዞባ ዳጀስታን ሩስያ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያንን ምኵራባትን ብምግጣሞም ይሓዝኑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ብቐሊሉ ምንቅስቓስ ዘይከኣለሉ ዞባ ዳጀስታን ሩስያ ዝርከቡ ማሕበረሰብን ኣክበርቲ ጸጥታን ብፍርሂ ራዕድን ተዋሒጦም ይርከቡ ኣለዉ ።
ኣብታ ርእሲ ኸተማ ናይቲ ዞባ ዝዀነት ማካኽካላን ደርበንትን ኣብ ልዕሊ እቲ ጥንታዊ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ብዝወረደ መጥቃዕቲ እቲ ኸባቢ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ናይ ሓዘን እዋን ኣዊጁ ይርከብ ኣሎ።
እቲ ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ትካል ምርመራ ገበን ዝዀነ ኮሚተ፣ ኵሎም እቶም ሓሙሽተ መጥቃዕትታት ዝፈጸሙ ሰባት ድሕሪ ዘስካሕክሕ ውግኣት ከም እተቐትሉ ገለጸ ።
ካብቶም እተቐትሉ 19 ሰባት እቶም 15 ኣኽበርቲ ጸጥታ እዮም ዝነበሩ ።
ሓደ ኻብቶም ዝሞቱ ኒኮላይ ኮተልኒኮፍ ዚበሃልን ከምኡ ውን ኣብ ደርበንት ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ዘገልግሉ ዝነበሩ 66 ዓመት ዝዕድሚኦም ኦርቶዶክሳዊ ካህንን ኢዮም ዝንበሩ።
ሰበ-ስልጣን እቲ ኸባቢ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ነታ ቤተ-ክርስትያን ቅድሚ ምንዳዶም ክሳዶም ከም ዝቖረጽዎም ገሊጾም። እቶም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ነቲ ሰንበት ስላሴ ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ በዓለ ጴንጠቆስጠ ንምኽባር ኣብ ቤተኽርስቲያን ኣብ ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ እዋን ኢዩ እቲ መጥቃዕቲ ዝወረዶም።
ኣብ ደርበንት ድማ ሓደ ቤት መቕደስ ኣይሁዳውያን ከለ-ኑማዝ እውን ብሓዊ ኣንደዱ።
መጥቃዕትታት ምስፍሕፋሕ
ደድሕሪ እቲ ኣብ ደርበንት እተፈጸመ መጥቃዕቲ ነዊሕ ከይጸንሑ ወተሃደራት ኣብቲ ኣብ ጥቓ ማካኽካላ ዚርከብ መፈተሺ ነቝጣ ኣክብርቲ ጸጥታ ተዅሲ ከፈቱ። ብፍሉይ ሓይልታት ቅድሚ ምህዳኖምን ምቕታሎምን ድማ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ሩስያን ምኵራብን መጥቃዕቲ ፈነዉ።
ኣብ ዳጀስታን ዝርከቡ ናይ ሕክምና ሰበ - ስልጣን ከም ዝገለጽዎ 13 ፖሊስ ዝርከብዎም 16 ሰባት እንተላይ ኣርባዕተ ኣባላት ከቢድ ጕድኣት ወሪድዎም ኣብ ሆስፒታል ከም ዝኣተዉ ገለጹ ።
ሰበ ስልጣን ሩስያ ከም ዝገለጽዎ እዚ ምፍሳስ ደም እዚ በቶም ኣብ ሰሜን ኮከሰስ ዝርከቡ ጥሩፋት ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ከም ዝዀኑ ይወቕስዎም ኣለዉ።
ካብ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ኣብ ሩስያ ብረት እተዓጥቑ ሰባት ኣብቲ ኣብ ከባቢ ሞስኮ እተገብረ ሙዚቃዊ ምርኢት ውን ተኰሲ ብምኽፈት ኣስታት 145 ሰባት ቀቲሎም ኢዮም ።
ሓንቲ በቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት እተፈጸመ መጥቃዕቲ ተሓታቲት ዝዀነት ኣብ ኣፍጋኒስታን እትርከብ እስላማዊት ጉጅለ ነቲ ኣብ ዳጌስታን እተፈጸመ መጥቃዕቲ ብኡንብኡ ሓላፍነት ከም እትወስደሉ ገለጸት። እዚ ድማ በቶም "ኣብ ካውካሰስ ዘለዉ ጥሩፋት እስልምና ሓይሎም ንርኣይ ዝገበርዎ ከም ምዃኖም" ውን ገለጹ።
እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዚርከብ ትካል መጽናዕቲ ግጭታት፣ እቲ ኣብ ሰሜን ኮከሰስ ዚርከብ ጨንፈር እስላማዊ መንግስቲ ዝዀነ ቪላያት ካቭካዝ ጠንቂ እቲ መጥቃዕቲ ኪኸውን ከም ዚኽእልን "እተሓላለኸን እተወሃሃደን" ኩነታ ክብል ኸም ዝገለጾን ይፍለጥ ።
ኣመሓዳሪ ዳጌ መሊኮፍ ንኣባላት ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ኻብ ወጻኢ ዝመጹ እኳ እንተ ነበሩ ካልእ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን ።
'ፍርሃት ምዝራእ'
እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት "ራዕድን ፍርህን ኪዘርኡ " ኸም ዝዓለሙ ነቲ መጥቃዕቲ ድማ ምስቲ ሞስኮ ኣብ ዩክረይን ዝገበረቶ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኼተሓሕዝዎ ኸም ዝፈተኑ ገለጸ ፣ ኰይኑ ግና ዋላ ሓንቲ መርትዖ ኣይሃቡሉን ።
ርእሰ ብሔር ሃገረ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ሓደ ኣባል መንግስቲ እስላም ተሓታቲ ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸ፣ ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዩክረይን እተገብረ መጥቃዕቲ ምኽኒት ከም ዝኾነ ውን ኣመልከተ። ክየቭ ኣብዚ ኩነታት እዚ ምንም ተሳትፎ ከም ዘይብላ ገለጸት ።
ሩስያ ብሰንኪ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ዝኸፍአ ብጸረ - ሴማዊ ተግባራት እውን ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ዝብል ግምታት ውን አሎ ።
ብ2023 ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ወረርዎ ዳጌስታን ኣብ ኣርእስተ ዜና ከም ዘቕረበቶ ውን ዝዝከር ኢዪ ።