INDONESIA-ENVIRONMENT-ECOSYSTEM INDONESIA-ENVIRONMENT-ECOSYSTEM  (AFP or licensors)

ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ኣከባቢ፦ ብዛዕባ ምድረበዳነትን ድርቅን ምትኳር

ኣመሓዳርን መስራትን ናይ ው. ሕ. ሃ. ማሕበር እምነት ንዓለም ዶ/ር ኢያድ ኣቡ ሞግሊ ብዛዕባ ምድረበዳነትን ተጻዋርነት ድርቅን ከምኡ ውን ብዛዕባ ጽልዋ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ ዓዋዲ መልእኽቲ “ስብህ አንተ” ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ።

ኣባ ተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ነገር ናይዚ ሳውዲ ዓረብ እተአንግዶ ዘላ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ኣከባቢ 2024 ንምድሪ ምሕዳስን ምክልኻል ምድረበዳነትን ከምኡውን ተጻዋርነት ድርቂ ምምዕባል ዝብል ፍረ ነገር ዘለዎ ኢዩ ።

እታ ብ1972 እተመስረተትን ዓመታዊ ኣብ ዕለት 5 ሰነ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ኣከባቢ ቀንዲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣከባብያዊ ተበግሶ ኢዩ።

ሳዕቤን ምድረበዳነትን ምብልሻው ኣከባብያን

ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሳዕ 40 ሚእታዊት ናይ ፕላኔትና መሬት ተበላሽዩ ኢዩ ዘሎ ። ንውሓት ድርቂ ውን እና ወሰኸይ ይኸይድ ኣሎ፣ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ ድማ እዚ ኣብ 2050 ንልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ህዝቢ ዓለም ኪጸሉ ከም ዝኽእል እዩ።

መስራትን ዳይረክተርን ውጥን ኣከባቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተበግሶ እምነት ንዓለም ዝኾነ  ዶ/ር ኢያድ ኣቡ ሞግሊ  ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ኣካዪዱ ።

ዶ/ር ኣቡ ሞግሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ቀንዲ ጠንቂ ምብልሻው መሬት "ንጥፈታት ደቂ ሰብ " ምዃኑ ገለጸ ፣ እዚ ኸኣ ንባህርያዊ ሚዛን ሥርዓተ ኣከባቢ ዚዓናቕፍ ምዃኑ ውን ኣመልኪቱ ።

"ምድረበዳነት ንሕርሻ ዝኸውን መሬትን ንከተማታት ንምምዕባል ዝኸውን መሬት ንምርካብ ምብራስ ኣግራብን ዱርን ዘጠቓልል ኢዩ። እዚ ኸኣ ፍግረ መሬትን ምጽናት እተፈላለዩ ዓይነታት ኣትክልትን እንስሳታትን ከምኡ ውን ንኣከባቢያዊ ዅነታት ኣየር ከም ዝርብሽ ኢዩ ዝገብር። ካልእ ኣብነት ከኣ ልዕሊ ዓቐን ምዝመዛ መሬት ኢዩ - እዚ ድማ ንኣትክልቲ ጥራይ ዘይኰነስ ንመሬት እውን ይጸልዎ ኢዩ፣ ንፍግረ መሬት ድማ የጋድዶ።" ክብል ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ማሕበር እምነት ንዓለም ኸም ዝገለጾ ግቡእ ዘይኮነ ኣገባብ ሕርሻ ማለት ከም  ሓደ ዓይነት ኣዝርእቲ ጥራይ ምጥቃም ብዘይ ግቡእ ዝኾነ ምዕቃብ ሓመድን፣ ብቐሊሉ መሬት ዘዕብርን ፍግረ መሬር ዘቀላጥፍን እዩ።

"ሓደስቲ ከተማታት ምህናጽን ምስፍሕፋሕ ከተማታትን ከምኡ ውን ኢንዱስትርያዊ ንጥፈታት መብዛሕትኡ ግዜ መሬት ዝብክል ዘዕብርን ኢዩ ።"

ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ኣከባቢ 2024
ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ኣከባቢ 2024

ዕላማ ዘለዎ ጣልቃ ምትእታው

ዶ/ር ኢያድ ምዕቃብ መሬት ነቲ ኣንፈት ብከላ መሬት  ክቕይሮ ከም ዝኽእል ምሉእ ብምሉእ ይኣምን ኢዩ ።  ነቲ እተበላሸወ መሬት ብዕላማ ንምዕቃብ ተበግሶ ብምውሳድ ጥራይ ከም ዚሕደስን ናብቲ ተፈጥሮኣዊ ፍርያምነቱን ኣከባቢያዊ ሥርዓቱን ከም ዝመልሶ ገለጸ።

"ምግራብን ምትካል ኣዝርእትን ነቲ ኣብ ምድረ-በዳ ዘሎ ፍግረ መሬት ንምቅላስ ሥርዓተ ከባቢ ዱር ምምላስን ዘጠቓልል ኢዩ። እዚ ኸኣ ነቶም እንስሳታት ዘገዳም መንበሪ ኸም ዚዀኖምን ንለውጢ ክሊማ ከም ዝንክን እውን ዝገብር እዩ። ንጥፈታት ዕቃቤ መሬት ከም ዛላታት ምህናጽን ከምኡ ውን ምስባሕ መሬትን ዝኣመሰለ ናይ ምዕቃቤ ልምድታት ንፍርያምነት ሓመድ የመሓይሾ ጠሊ ድማ ይዕቅብ።"

ስለዚ ሕርሻዊ ፍርያምነትን ናይ ድርቂ ተጻዋርነትን ከም ዚህልወካ ንምግባር መሬት ናብ ምዕቃብ ኪመርሕ ከም ዚኽእል ውን ገሊጹ ።

ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ኣከባቢ 2024
ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ኣከባቢ 2024

ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብዛዕባ ኸም ምህርቲ ማይ ዝናም ዝኣመሰለ ሜላታት ከምኡ ውን ምዕቃብ ማይ ኣብ ዝብል ኣስፊሑ ገለጸ፣ እዚ ሜላታት እዚ ኸኣ "ነቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ማያት ብምክንኻንን ንመጐልበቢ ኣትከልቲ ምድጋፍን ንእተበላሸወ መሬት ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ" በለ።

ኣገዳስነት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ “ስቡህ አንተ”

ዶ/ር ኣቡ ሞግሊ ድምጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብዛዕባ ኣከባብያዊ ዕቃቤ ዝግበር ዓለምለኻዊ ዘተ ከመይ ዝበለ ዓቢ ርዝነት ከም ዘለዎ ገለጸ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ “ስቡሕ አንተ” ዝተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ሰባት ነቲ "ንሓባራዊ ቤት ምክንኻን" ዝኣተዉዎ መብጽዓን ሓላፍነትን ምእንቲ ኽስከሙ እታ እተገፍዓትን እተዘምተትን ምድርና "ኣከባቢያዊ ለውጢ" ከም ዘድልያ ኣመልከቱ።

"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸክሶ ዘመሓላለፍዋ ኣዋዲት መልእኽቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ እምነትን ኣመንትን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ እውን ተሳትፎ ንኽገብሩ ዘነቓቕሕ ኢዩ። “ስቡህ አንተ” ካብ ሃይማኖታዊ ዶባት ወጻኢ እዩ ዜቃልሕ ፣ እዚ ኸኣ እቲ ኣብኣ ተጠቓሊሉ ዘሎ ስነ - ምግባራዊ ኣረኣእያ ዓብዪ ለውጢ እዩ ዜምጽእ" ክብል ውን ደምደመ ።

06 June 2024, 11:53