ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Requiem, Op. 48 per soli, coro, orchestra e organo
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ፈተነ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ፈተነ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ  (ANSA)

ፈተነ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ

ነበር ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ግዝኣት ፐንሲልቫንያ ኣብ ዝተኻየደ ፖለቲካዊ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ብሓደ ዜጋ እታ ሃገር ናይ ቅትለት ፈተና ከም ዝወረዶም ይሕበር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ልዕሊ ሕጹይ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ባትለር ፔንስልቨንያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ፖለቲካዊ መድርኽ እንከለዉ ናይ ቅትለት ፈተነ ከም ዝእተፈጸመን እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ተባሂሉ ዝግመት ሰብ ብኡንብኡ ብኣባላት ሓለዋ ጸጥታን ድሕንነትን ከም እተቐተልን ትራምፕ ኣብ የማናይ እዝኑ ብጥይት ከም እተሃረመን ናብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ቤት ሕክምና ከም እተወስደን ድሒሩ ድማ ናብ ኒውጀርሲ ብነፋሪት ከም እተጓዕዘ ዜና ቫቲካን ካብታ ሃገር ዝወጹ ሓበሬታ ጠቒሱ ይሕብር።

ኵላዊ ምኹናን ፖለቲካዊ ዓመጽ

እቲ ፈተነ ቅትለት ካብ ኩሉን ብኹሉን ከም እተወግዘን ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ተቓዋሚ ትራምፕ ዝኾነ ኣብ መርሕነት ዘሎ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን፡ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ምስ ትርምፕ ብስልኪ ከም እተራኸበን ድሒሩ ድማ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኡ ኣቢሉ፥ “[ትራምፕ] ደሓን ከም ዝኾነን ስርሑ እውን የሳልጥ ከምዘሎ ምስ ሰማዕኩ ኣዝየ ተሓጒይሰ፡ ንዕኡን ንስድርኡን ከምኡ’ውን ንኹሎም ነቶም ኣብቲ ናይ ምረጹኑ ጎስጓስ ዝነበሩን እጽሊ” ዝብል መልኽቲ ከም ዝዘርገሐን ወሲኹ ድማ፡ “ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምዚ ዓይነት ዓመጽ ቦታ የብሉን። ከም ሓደ ህዝቢ ተጠርኒፍና ክንኩንኖ ኣለና” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጠቒሱ ይመላኽት።

ጳጳሳት ንፖለቲካዊ ዓመጽ ይኹንኑ

ድሕሪ እቲ ፈተነ ቅትለት ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሊቀ ጳጳሳት ቲሞቲ ብሮልዮ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ “ምስ ኣሕዋተይ ጳጳሳት ብሓባር ንፖለቲካዊ ዓመጽ ንኹንን፡ ንነበር ርእሰ ብሔር ትራምፕ ድማ ጸሎትና ነቕርብ፡ ከምኡ’ውን . . . ነቶም ዝተቐትሉ ወይ ዝተጎድኡን። ንሃገርናን ንፖለቲካዊ ዘይምርድዳእን ፈጺሙ መፍትሒ ዘይኰነ ፖለቲካዊ ዓመጽ ከብቅዕ እውን ንጽሊ - ቢሎም - ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት ኵሎም ኣብ ሃገርና ሰላም ክህሉ ክጽልዩ” ዓዲሞም ኣማላድነት ቅድስተ ማርያም እመ ኣማልክ ሓላዊት ኣመሪካ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጉባኤ ጳጳሳት ዘውጸኦ መግለጺ ጠቑሱ ይሕብር።

ቅድስቲ መንበር ስክፍታኣ ትገልጽ

ቅድስቲ መንበር ዕለት 14 ሓምለ ሰንበት ንግሆ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፥ እቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ንህዝብን ደሞክራስን ዝጎድእን ናብ ስቓይን ሞትን ዘብጽሕ እዩ ቢላ ስክፍታእ ከም ዝገለጸት" ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ፥ እቲ መግለጺ ቀጺሉ " ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጳጳሳት ንሃገሮምን ንግዳያትን ንሰላምን ሓድነት ሃገርን ዓመጽ ድማ ፈጺሙ ከይዕወት ኣብ ዘቕረብዎ ጸሎት ትሓብር” ይብል።

15 Jul 2024, 15:09
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031