ኣብ ልዕሊ ብእስራኤል ዝተጎበጠ ጎላን ብሚሳይል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 11 ሰባት ተቐቲሎም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ብእስራኤል ዝተታሕዘ በራኽ ጎላን ኣብ እትርከብ ከተማ ድሩዝ ማጅዳል ሻምስ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ሮኬት፡ ህጻናት ዝርከብዎም ዓሰርተ ሓደ ሰባት ከም እተቐትሉን ክላኦት 34 ድማ ንኸብድን ፎኪስን ማህሰይቲ ከም ዘቃለዐ ክንገር እንከሎ፡ ማዕከናት ዜና እስራኤል እቲ ሮኬት ካብ ሊባኖስ ብሂዝቦላህ ከምዝተተኮሰ ክገልጻ እንከለዋ፡ ሂዝቦላህ ድማ ምስቲ ፍጻመ ‘ፍጹም ዝኾነ ርክብ የብለይን’ እንክብሉ መልሲ ክህብ እንከሎ፡ ይኹን እምበር፡ ሓይል ምክልኻል እስራኤል፡ ክፍሊ ስለያ እቲ መጥቃዕቲ ብሂዝቦላህ ከምዝተፈጸመ ጽኑዕ ምረጋገጺ ከም ዘለዎ ይሕብር።
ኣቐዲሙ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖሳዊት ቁሸት ካፍር ኪላ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣርባዕተ ኣባላት ሂዝቦላህ ከም ዝተቐትሉ ክዝከር እንከሎ ስለዚ እቲ ዕለት 28 ሓምለ ሰንበት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቅድሚ ወጋሕታ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ውሽጢ መሬት ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ 7 ዒላማታት ሂዝቦላህ ንዝፍጸሞ መጥቓዕቲ ግብረ መልሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ይንገር።
ኣብ ዶብ ሊባኖስን እስራኤልን ዝነበረ ወጥሪ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ እናሓየለ ይኸይድ ከም ዘሎ ክፍለጥ እንከሎ ፡ እዚ ድማ ድሕሪ’ቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝርአ ዘሎን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኮይኑ፥ ሰራዊት እስራኤል ከምዝበሎ፡ ብመሰረት ስለያ፡ ኣብ ማእከላይ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ካዲጃ ካብ ዝርከብ ኣዛዚ ማእከል ሓማስ ዝንቀሳቐሱ ኣሸበርቲ ምህላዎም ምስ ሓበሩ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ኣብ ደይር ኣልባላ ኣብ ዝርከብ ጎልጎል ዝተተኽለ ድንኳን መውሃቢ ሕክምና ብዘውረዶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 30 ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 100 ድማ ከምዝተጎድኡ ይንገር።
እዚ ከምዚ ኢሉ ኣንከሎ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሓልዮ ሕጻናት ኣብ ካልእ ቦታታት ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዮርዳኖስ ንዝርከቡ ህጻናት ዘጋጥሞም ጸገም እናገደደ ይከይድ ከም ዘሎ ሓቢሩ፥ እቲ ትካል ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ሓዊሱ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ብድምር 143 ፍልስጤማውያን ህጻናት ከምዝተቐትሉ ኣመላኺቱ፡ እዚ ኣሃዝ ምስቶም ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ክነጻጸር እንከሎ፡ ንህጻናት ዘጋጥሞም ዘሎ ቅትለት ብኣስታት 250 ሚእታዊት ወሰኽ ከምዘርኣየም ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ምስ ግጭት ብዝተተሓሓዘ ዓመጽ ክልተ እስራኤላውያን ህጻናት ከምዝተቐትሉ ኣመላኺቱ፡ ብተወሳኺ ልዕሊ 440 ፍልስጤማውያን ህጻናት ከም ዝቖሰሉን እቶም ኣሃዛት ኣብ ዙርያ ልዕሊ ዓቐን ሓይሊ ምጥቃም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣዝዮም ዝተቓልዑ ሰባት ርኡይ ስግኣት የስዕቡ ምህላዉ ጭብጥታት የቕርብ።