ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Inizio - Requiem, grande Messe des Morts, Op. 5 per tenore, coro e orchestra
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ሓማስ ኣብ ቓዛ ብዛዕባ ዘሎ ተስፋታት ይዛተይ ሓማስ ኣብ ቓዛ ብዛዕባ ዘሎ ተስፋታት ይዛተይ  (AFP or licensors)

ሓማስ ኣብ ቓዛ ብዛዕባ ዘሎ ተስፋታት ይዛተይ

መራሒ ሓማስ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ንምባል ኣብ ዘኽእል ተኽእሎታት ምስ ናይ መንግስቲ ምስሪ ልኡካን ይዝትይ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መወዳእታ ሰሙን ሓላፊ ኣባል ማእከላይ መርሕነት ሓማስ እስማዒል ሃኒየ ምስ ሓላፊ ስለያ ምስሪ ኣባስ ካመል ኣብ ቓዛ ተጻብኦታት ደው ንምባል ኣብ ዝሕግዝ መስርሕ ቀጻሊ ዘተ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ከም ዝዘተየ ዜና ቫቲካን ካብ ምስሪ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

እቲ ብናይ ስልኪ ርክብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ዋሽንግተን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዕርቂ ዘጠቓለለ ናይ እሱራት ምልውዋጥ ስምምዕ ክህሉ ዝብል ኣብቲ ናይ ቶኽሲ ደው ንምባል ዝተሓንጸጸ ናይ ዘተ ሰነድ ክውሰኽ  ሓሳብ ድሕሪ ምቕራባ ከም ዝኾነ ካን እተሰምየ ናይ እስራኤል ረድዮ ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብመሰረት እቲ ፈነወ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ሓሳብ፡ ኣብቲ ነበር ቤት ምኽሪ ኲናት እስራኤል ዝጸደቐን ኣብ ወርሒ ግንቦት ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን ዝቐረበን እማመ ዝተመርኮሰ እዩ።

ተደራደርቲ ቀጠርን ምስርን ምስ ኣመሪካ ብምዃን፡ ስምምዕ ምልውዋጥ እሱራት ዝድግፉ ከም ዝኾኑን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ካልኣይ ዕርቂ ክገብሩ ተስፋ እውን ከም ዘለዎም ይንገር።

01 Jul 2024, 15:41
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031