ድለ

ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ህንዲ ዞባ ማኒፑር ዝፍጸም ዓሌታዊ ዓመጽ ይኹንን ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ህንዲ ዞባ ማኒፑር ዝፍጸም ዓሌታዊ ዓመጽ ይኹንን 

ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ህንዲ ዞባ ማኒፑር ዝፍጸም ዓሌታዊ ዓመጽ ይኹንን

ኣብዚ ሰሙን ብጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት - ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተሓትመ ጸብጻብ፡ ኣብ ህንዲ ግዝኣት ማኒፑር፡ ኣብ ልዕሊ ውሑዳን ዓሌት ኩኪ ዝካየድ ዘሎ ቀታሊ ዓመጽ፡ ዞባውን ፌደራላውን ሰበስልጣን ስጉምቲ ዘይምውሳዶም ይኹንን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዕለት 3 ግንቦት 2023 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብታ ብሄራዊ ዓመጽ ብዘይ ምቁራጽ ዝፍጸመላ ዘሎ ሰሜናዊ ምብራቕ ግዝኣት ማኒፑር ህንዲ፡ ብውሕዱ 200 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ልዕሊ 60 ሽሕ ድማ ከም እተመዛበሉን፡ ኣብቲ ዞባ ሰበስልጣን ህንዲ ሰብኣዊ መሰላት ውሑስ ንምግባር ኣብ ዘይክእሉሉ ርኡይ እዋን፡ ኣባይቲ፡ ትካላት ንግዲ፡ ዓድታትን ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ብሓዊ ከም እተቓጸሉን ከም እተዘምቱን

ኣብ መንጎ ዓብላሊ ማሕበረሰብ መይተይን ውሑዳን ኩኪን ካልኦት ቀቢላታት ማሕበረሰባት በረኽቲ ቦታታት ህንዲ ዘጋጠመ ግጭት ኣመልኪቶም ድምጾም ኣብ ልዕሊ ዘስምዕዉ ዜጋታት እውን ዓመጽ ከም እተፈጸመ እቲ ጸብጻብ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብር።

እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብኣህጉራዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዝተዘርግሐ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ምስ ሚያንማር ዝዳወብ ዞባ ቀታሊ ዓመጽ ኣብ ዝፍጸመሉ ዘሎ እዋን፡ ነዚ ዘይውሕስነትን ዓመጽን ኩነታት ሰበ ስልጣን ንምድራትን ንምውጋድን ኣክንዲ ዝዓዩ ብዘርዮ ዘሎ ዘይምግዳስ ይኹንን።

“መንግስታትን ዞባታት ክፍለ ግዝኣት ማእከላይን ኣብ ማኒፑር ንዝፍጸም ግህሰታት ከብቅዕ፡ ንሰባት ክከላኸሉን ንጥርጡራት ገበነይናታት ክሕተቱ ንምግባር ብግልጺ ዘይምኽኣሎም፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰባት ራዕዲ ይፈጥር ኣዕናዊ ተግባራትን ክቕጽል ይገብሮ ምህላዉን እቶም ሰበስልጣን ስጉምቲ ዘይምውሳድን ተሓተትቲ ንሕጊ ኣብ ዘይምቕራብን ዘርእይዎ ዘለዉ ዘይምግዳስ ከብቅዕ ኣለዎ” ይብል እቲ ዕለት 17 ሓምለ ዝተዘርገሐ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል።

ናይቲ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፥ ጨንፈር ህንዲ ሓላፊ ኣካር ፓቴል ምስ ራድዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ. መሕትት፥ እቲ ሓድሽ ዳግማይ ዝተመርጸ መራሔ መንግስቲ ብግልጺ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብኹር ኮይኑ ከም ዘሎን ኣመላኺቱ፥ "መራሔ መንግስቲ ህንዲ ሓንሳብ'ውን እንተኾነ ናብቲ ዓመጽ ዝፍጸመሉ ዘሎ ከባቢ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ጎስጓስ ሓፈሻዊ ምርጫ እውን ኣይበጽሐን፡ ብዛዕባ እታ ግዝኣት ክልተ ሰለስተ ግዜ ጥራይ እዩ ተዛሪቡ" ክብል ኣካር ፓቴል ኣስተብሂሉ፡ እኹል ተገዳስነት ዘይምግባሩ ምርኣይ ብሃቂ ዘሕዝን እዩ" ኢሉ።

ተመሳሳሊ ዘይምግዳስ እውን በቶም ቢጄፒ ዝብል ስያመ ዝፍለጡ ሰበስልጣን ዞባ እውን ይርአ። "ብመዳይ ማሕበራዊ ጸጥታን  ከም ዝፈሸሉ ኮይኖም ክረኣዩ ኣይደልዩን እዮም ዝብል ጥርጣረ ኣለኒ” ይብል።

ሰፊሕ ምዝንባል

ከም ሳዕቤን ናይዚ ዓመጽ እዚ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣስታት 60,000 ናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ መዓስከራት ከም ዝርከቡን ኣብ ኣዝዩ ዘይተረጋገጸ ኩነታት ድማ ይነብሩ ከም ዘለዉን መሰረታዊ ድሌታት፡ መግብን መጽለልን ጥራይ ኣለዎም ዝበለ ፓቴል፡ "መንግስቲ እዞም ሰባት ብዝበለጸ መንገዲ ናብራኦም ዝመርሕሉ ኩነታት ክፈጥር ኣለዎ፡ ከምኡ'ውን ሓደ ካብቲ ክንደልዮ ዝግበኣና ውጽኢት፡ ናብ ዓዶም ዝምለሱሉ ኩነታት ክፍጠር ምግባር'ዩ ዝመስለኒ፡ እንተኾነ ግን ኣብዚ መዳይ ይስራሕ የሎን" እንክብል ዝተሰምዖ ሓዘን ይገልጽ።

ፓቴል ሓደ ካብቲ ቀንዲ ስክፍታታቱ "እዞም ሰባት ኣክንዲ ናብ ንቡር መነባብርኦም ንኽምለሱ ምስራሕ ኣብ መዓስከራት ብቐጻሊ ክነብሩ ንገዛእ ርእሶም ዝተሓደጉ ምዃኖም ምምልካት እዩ - ቢሉ - ከም ሳዕቤን ናይቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዘይተቐጽዐ ገበናት፡ ፓቴል ወሲኹ፡ ማኒፑር ሕጂ ዝተመቓቐለት ዞባ ኮይና ኣላ፤ እቲ ከባቢ ቀቢላታት ኩኪ ዝጎደሎ ኮይኑ ኣሎ እንክብሉ ይሕብር።

ዝፍጸም ምፍርራሕ

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠይናታትን ኣብ ባይታ ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት ዘማእከለ ጸብጻብ ንምቕራብ ከም ዘጸግሞም ዝሓበረ ኣህጉራዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣስዒቡ፥ ደለይቲ ፍትሒ ብኣባላት ዕጡቓት ዓሌት መይተይ ብንጹር ኣብ ሓደጋ ዝወድቁሉ ሓያሎ ጉዳያት ይጠቅስ። ኣብዚ እውን እቶም ሰበስልጣን ንነቶም ዝሳደዱን ዘለዎ ንምክልኻል ዘይሰርሑን፣ ሓድሓደ ግዜ እውን ከይተረፈ ከም ዘፈራርሕዎምን ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ እዚ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ግንዛበ ከዕቢ ዘይፈቕድ ኩነታት ከም ዘሎ የረጋግጽ።

19 July 2024, 15:47