ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Requiem, Op. 48 per soli, coro, orchestra e organo
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ማእከላይ ዝኾነ ፖለቲካ መርገጺ ዘለዎ ፔዘሽክያን ሓድሽ ርእሰ ብሔር ኢራን ኮይኑ ተመሪጹ ማእከላይ ዝኾነ ፖለቲካ መርገጺ ዘለዎ ፔዘሽክያን ሓድሽ ርእሰ ብሔር ኢራን ኮይኑ ተመሪጹ  (AFP or licensors)

ማእከላይ ዝኾነ ፖለቲካ መርገጺ ዘለዎ ፔዘሽክያን ሓድሽ ርእሰ ብሔር ኢራን ኮይኑ ተመሪጹ

ማሱድ ፔዘሽክያን – ማእከላዊ ዝኾነ ፖለቲካ መርገጺ ዘለዎ – ኣብ ኢራን ዕለት 6 ሰነ ርእሰ ብሔር ንምምራጽ ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ተዓዊቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማሱድ ፔዘሽክያን – ‘ማእከላይ’ ዝኾነ ፖለቲካ መርገጺ ዘለዎ ምዃኑ ዝንገረሉ ርእሰ ብሔር ኢራን ንኽከውን ከም እተመረጸን፥ ሚኒስተር ጥዕና ነበር ፔዘሽክያን፡ ኣብ ኢራን ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ተዓዋቲ ምዃኑ ንብዙሓት ወሃብቲ ርእይቶን ተንተንቲ ፖለቲካ ከም ዘገረመን ድሕሪ ምምራጹ ደገፍቱ ምሉእ ለይቲ ሓጎሶም ክግለጹ ከም እተራእዩ ዜና ቫቲካን ካብ ኢራን ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

እዚ ውጽኢት ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ፔዘሽክያንን ኣብ ጉዳይ ኑክልየሳዊ መርሓ ግብሪ ኢራን ዋና ተደራዳሪ ዝነበረ ስዒድ ጃሊሊን ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ዙርያ ምርጫ ዝተረኽበ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ፔዘሽክያን ካብ ጠቕላላ 30,573,931 ድምፂ 16,384,402 ረኺቡ - ካብ ጠቕላላ ድምጺ 49.8 ሚኢታዊ ዝሽፍን ከም ዝኾነን፡ ፔዘሽክያን 69 ዓመት ዕድመ ዘለዎን፡ ብርግጽ ኣብ ፖለቲካ ሓድሽ መጻኢ ኣይኮነን። ብሞያኡ ሓኪምን ሓኪም ናይ ስነ መጥባሕቲ ልቢ ከም ዝኾነን፡ ኣብ ሓደ እዋን ምኽትል ኣፈ - ጉባኤ ህዝባዊ ባይቶ ኢራን ኮይኑ ከም ዘገልገለን፡ ኣብ ዘካየዶ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ነቲ ዕሉል ግብረ ገባዊ መምርሕታት ኢራን ክገትእን ምስ ምዕራባውያን ሓይልታት ሓድሽ ኑክሌየሳዊ ስምምዕ ክገብርን ቃል ከም ዝኣተወን እዚ ድማ ነቲ ስንኩል ዝኾነ እገዳታት ከወግድ ዘኽእል ተስፋ እውን ምዃኑ ክንገር እንከሎ እዚ ፈለማ ንዝመጽእ ዓመት ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሕዝባዊ ምርጫ፡ ድሕሪ እቲ ዕለት 19 ግንቦት ብሓደጋ ሂሊኮፕተር ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ርእሰ ብሔር ኢብራሂም ራይሲን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶምን ምኽንያት ንቕድሚት ዝተሳሕበ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

08 Jul 2024, 15:30
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031