ዒራቕ ኣብ መንጎ ቱርክን ሶርያን: ድሕሪ ናይ ዓመታት ምትፍናን ናይ ዘተባ ባይታ ተዳሉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዒራቕ ኣብ መንጎ ቱርኪን ሶርያን ዘሎ ምፍሕፋሕ ንምውጋድ ናይ ሽምግልና ኣኼባ ከተዳሉ ትፍትን ኣላ፣ እዚ እቲ 13 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ኲናት ሶርያ ካብ ዝጅመር ኣቲሒዙ ኣብ መንጎ ቱርክን ሶሪያን ዝተፈጥረ ተጻብኦ ንምውጋድት እቲ ርክብ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ መኣዲ ዘተ ንምርግጋጽ ይሰርሑ ምህላዉ ይንገር።
እወታዊ ድላይ ቱርኪ
ርእሰ ብሔር ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ ቀረባ እዋን ካብቲ ብሰንኪ ህላወ ወተሃደራት ቱርኪ ኣብ መሬት ሶርያ፡ ሃገሮም ምስ ኣንካራ ዘለዋ ዝምድና ምምሕያሽ ክህልዎ ዘይከኣል እዩ እንክብል ካብ ዝገለጸ ርእሰ ብሔር ሶርያ በሽር ኣል ኣሳድ ርክባት ንኽመሓየሽ ዕድመ ክቐርብ ከም ዝኽል ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዒራቕ ፉዓድ ሑሴን ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ መኣዲ ዘተ ንምድላው ትዓዪ ከምዘላ ክሕብር እንከሎ፡ ነታ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ናብ ሕብረት ዓረብ ዳግማይ ዝተመልሰት ደማስቆ ግን፡ እቲ ምስ ቱርኪ ዝግበር ምቅርራብ፡ ነቲ ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝጀመረ ተነጽሎ ንምዝዛም ካልእ ስጉምቲ ክውክል ይኽእል እዩ።
ዘተ ዝካየደሉ ዕለት ክግለጽ እዩ
ኣብ መንጎ ቱርክን ሶርያን ንቡር ርክብ ንምምላስ ዝሽምግል ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክብ ዒራቕ ዝካየደሉ ዕለት ዛጊት ኣይተፈልጠን፡ ጉዳይ እቶም ኣብ ቱርኪ ዝነብሩ ሰለስተ ሚልዮን ሶርያውያን ስደተይናታት እውን ክዝተየሉ ምዃኑ ብዓቢኡ ክግለጽ እንከሎ ኣብ መሬት ቱርኪ ዘይዕግበት ክዓቢ ዝገበረን ኣርዶጋን ምስ ኣሳድ ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ዝጠልብ ህዝባዊ ጸቕጢ ከም ዘሎ እዩ ዝፍለጥ።