ኲናት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ናብ ዶብ ሊባኖስ ገጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሂዝቦላህ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሚእቲ ሮኬታት ከምዝፈነወን እዚ ድማ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይቶም ንኢራን ቀረባ ዝኾኑ ዕጡቓት ሺዓውያን ላዕለዋ ኣዛዚ ንዝፍጸመቶ ቕትለት ከም ዝኾነን - ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓታት ዕለት 3 ሓምለ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ጉጅለ ሊባኖስን ወተሃደራት እስራኤልን ዝተገብረ ምልውዋጥ ተኹሲ ተበራቲዑ ከም ዝቐጸለን ብመሰረት ምንጭታት ጸጥታ ሊባኖስ፡ ኣንሳ ናይ ኢጣሊያ ኣገልግሎት ዜና፥ ሂዝቦላህ ኣብ ላዕለዋይ ገሊላ ንዝርከቡ ሓያሎ ቦታታት ዒላማ ብምግባር፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብቲ ኣካታዒ ከባቢ ክፋር ሹባን ዘሎ ዋና ቤት ጽሕፈት ክፍለ ሰራዊት 210 ዝኾነ ጎላን ዝርከብ ናይ እስራኤል ሰራዊት ኣብ ናፋሕ፡ ናይ ከባቢ ምክልኻል ኣብ ኪላዓ ከምኡ’ውን ናይ መበል 769 ብርጌድ እስራኤል ኣብ ኪርያት ሽሞና ዒላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ ከም ዝፈጸመን። በዚ ድማ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሂዝቦላን ዝካየድ ዘሎ ዘይተኣወጀ ኲናት መዓልታዊ ናብ ፍጹም ወተሃደራዊ ምዕባለ ክብ ይብል ምህላዉ ዘመላኽት እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ቓዛ ብዛዕባ ምቁራጽ ተኹስን ምሩኻትን ዝምልከት ስምምዕ ሓድሽ ብልጭታ ተስፋ ይኸፍት ምህላዉ የመላኽት።
እስራኤል ንተወንጫፊ ሮኬት ሂዝቦላህ ኣብ ሊባኖስ ዝሃበቶ ምላሽ
ማዕከናት ዜና ሊባኖስ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ ዞባታት ማርጃዮንን ቢንት ጀበይልን ኣብ ዝርከቡ ቦታታት መጥቃዕቲ ኣየርን ደብዳብ መዳፍዕን ከምዘካየደት ይሕብራ። ብፍላይ ድማ ዓይታ ሻዕብ፣ ኽያም፣ ደይር ስርያን፣ ክፋር ኪላ፣ ታይበን ማርካባን ዞባታት ዝምልከት እዩ። እቲ ዝተቐትለ ኣዛዚ፡ ኣቡ ዓሊ (ወይ መሓመድ ኒማህ) ናስር ኮይኑ፡ በዓል መዚ ሓደ ካብ ሰለስተ ጽላታት ደቡባዊ ሊባኖስ እዩ። ብተመሳሳሊ ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ፡ ነቲ ምስ እስራኤል ኣብ ዝዳወብ ሰለስተ ዞባዊ ክፍለ ሰራዊት ሂዝቦላህ ዝኾነ ጉጅለ ዓዚዝ ዝእዝዝ ከም ዝነበረን ካብ ቤሩት ንደቡብ 90 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ምብራቕ ጢሮስ ኣብ ዝርከብ ኣል ሓውሽ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም እተቐትለን ንሱ ማዕረ ናይቲ ዕለት 11 ሰነ ዝተቐትለ ካልእ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሂዝቦላህ ጣልብ ዓብደላ ተመሳሳሊ መርገጺ ከም ዝነበሮ እቲ ምንጪ ሰራዊት ገሊጹ። "ንሂዝቦላህ ኣበርቲዕና ንድምድብ ዓቕሚ ኣሎና ዝበለ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ጋላንት፥ ኣብ ሊባኖስ ዘድሊ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ክንወስድ ወይ ድማ ካብ ናይ ሓይሊ መርገጺ ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ዓቕሚ ኣሎና። ስምምዕ ንመርጽ፡ ክውንነት እንተኣዚዙ ግን ከመይ ጌርና ከም እነጥቕዕ ንፈልጥ ኢና" ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጉባኤ ሚኒስተራት ጸጥታ፥ ዘተ ተኹሲ ደው ምባል
መራሔ መግንስቲ እስራኤል ኔታንያሁ ምሸት ዕለት 4 ሓምለ ጉባኤ ሚኒስተራት ጸጥታን ደሕንነት ብምጽዋዕ፡ ሓማስ ኣብ ቓዛ ክግበር ዝኽእል ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ብዝምልከት ሓድሽ መርገጺታት ከም ዘዘራረቡን። እስራኤል ትማሊ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ብርእሰ ብሔር ኣመሪካ ባይደን እቶም 120 ጅሆ ዝተታሓዙ እስራኤላውና ናጻ ክልቀቑን ኣብ ፍልጥኤም ቶኽሲ ደው ምባል ዝብል ዘንቕረቦ እማመ ሓማስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ምስቲ ናይ ሽምግልና ጻዕሪ ቅርበት ዘለዎ ፍልስጤማዊ በዓል ስልጣን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓማስ ኣብ ገለ ዓንቀጻት ተዓጻጻፍነት ከምዘርኣየን፡ እዚ ድማ እስራኤል እንተድኣ ኣጽዲቓቶ ኣብ ማዕቀፍ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዘኽእልን ገሊጹ። ሓማስ ዝኾነ ይኹን ስምምዕ ነቲ ኲናት ከብቅዕን እስራኤል ካብ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ናብ ምውጻእ ክመርሕን ኣለዎ። እስራኤል፡ ሓማስ ክሳብ ዝጠፍእ ኣብቲ ውግእ ግዝያዊ ዕረፍቲ ጥራይ ከም እትቕበል ትገልጽ። እቲ ውጥን ገና ኣብ ቓዛ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ጅሆታት ቀስ ብቐስ ክፍትሑን ኣብ ቀዳሞት ክልተ ምዕራፋት ሓይልታት እስራኤል ክወጹን ከምኡ’ውን ፍልስጤማውያን እሱራት ክፍትሑን ዝድንግግ እዩ።
ቓዛ ልዕሊ 38 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱን፣ ኣብ እስራኤል ሓድሽ ምርጫ ንምክያድ ተቓውሞታት ይካየድ
ብዙሓት ኣብ ካን ዩኒስ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን፡ ድሕሪ’ቲ ብሰሉስ ዝተዋህበ ትእዛዝ ምውጻእ ገና መጽለሊ ዝደልዩ ዝነበሩን ንዶባዊት ከተማ ራፋሕ’ውን ዘጠቓለለን፡ መእለዪ ተመዛበልቲ ስለዘይረኸቡ ፈቕዶ ጽርጊያ ከም ዝርከቡን ነፈርትን ታንክታትን እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ፡ ኣብ ከባቢታት ሸጃያ፡ ሳብራ፡ ዳራጅን ቱፋን ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ብዘካየደቶ ደብዳብ፡ ህጻናት ዝርከብዎም ሓያሎ ፍልስጤማውያን ከምዝሞቱን ካልኦት ከምዝቖሰሉን ሰብ መዚ ጥዕና ይሕብሩ። ሚኒስትሪ ጥዕና ሓማስ ኣብ ቓዛ ኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ዘቑጽር ብዘሎ ኲናት ቁጽሪ ሞት ፍልስጤማውያን ናብ 38 ሽሕ ከም ዝበጸሐን፡ 87,445 ከምዝቖሰሉን ሓቢሩ። ብተወሳኺ ኣብቲ ገና ዝሰርሕ ዘሎ እንኮ ቀንዲ ሆስፒታል ካን ዩኒስ ዝርከብ ንምንጪ ኤለትሪክ ዘድሊ ነዳዲ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ክውዳእ ምዃኑ ብምሕባር፡ ሓድሽ ሰብኣዊ ቀረብ ንምውሓስ ሓገዝ ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤት ወሳኒ እዩ እንክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ።