ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
ኒጀር፡ ማሊን ቡርኪናፋሶን ሓድሽ ‘ኪዳን ሳሕል’ ይምስርታ ኒጀር፡ ማሊን ቡርኪናፋሶን ሓድሽ ‘ኪዳን ሳሕል’ ይምስርታ 

ኒጀር፡ ማሊን ቡርኪናፋሶን ሓድሽ ‘ኪዳን ሳሕል’ ይምስርታ

መራሕቲ ወተሃደራዊ መንግስታት ማሊ፣ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን ሰለስተ ሃገራት ሳሕል ኮንፈደረሽን ምዃነን ከም ዝኣወጃ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መራሕቲ ወተሃደራዊ ስርዓታት ማሊ፣ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን ሰለስተ ሃገራት ሳሕል ኮንፈደረሽን ምዃነን ከም ዝኣወጁን እዞም ሰለስተ፡ ብወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ንደሓር ኣብ ዝገበርዎ ፈላማይ ዋዕላ፡ ነቲ ፈደራላዊ ኪዳን ንምቛም ውዕል ንምፍጣር ዘብቅዖም ሓባራዊ ሰነድ ከም ዘጽደቑን ካብ ሕጂ ንደሓር እቲ ሓድሽ ውድበ ኣብ ስክፍታታት ጸጥታ ክተሓባበርን ኣብ መወዳእታ ናይ ሓባር ባጤራ ምፍጣር ሓዊሱ ዝያዳ ቅርበት ዘለዎ ቁጠባዊ ምትእስሳር ክፈጥርን ትጽቢት ይግበር።

እዘን ሰለስተ ሃገራት - ብሓባር ልዕሊ 70 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን - ብዓመጽቲ ዕጡቓት ውድባት ብዝፍጠር ዘይውሕስነት ተሃስየን ከም ዝኾናን መራሒ ቡርኪናፋሶ ካፕቴን ኢብራሂም ትራኦረ ካብታ እቲ ዋዕላ ዝተኻየደላ ርእሰ ከተማ ኒጀር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ዋዕላ ‘ንመጻኢ ናይቲ ናይ ሓባር ቦታና ወሳኒ ስጉምቲ’ዩ’ ቢሉ፥ ወሲኹ፡ ብሓባር፡ “ፈደራላዊ ኪዳን ሃገራት ሳሕል’ ብምፍጣር፡ መሰረታት ሓቀይና ናጽነት፡ ውሕስነት ሰላምን ዘላቒ ልምዓትን ከም ዘደልድሉ ይሕብር።

ካብ ቍጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ምንስሓብ

እዚ ስጕምቲ እዚ ካብቲ እቶም ሰለስተ መራሕቲ ብተደጋጋሚ ሃገራቶም ኣባልነተን ዘደስከላሉ ቍጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ከም እተፈልዩ ዝሕብር ከም ዝመስልን እዚ ምንስሓብ እዚ ብመንጽር ምእካብ ሓበሬታ ስለላን ኣብ ውግእ ኣንጻር ግብረሽበራን ንዝግበር ምትሕብባር ጸጥታ ክዕንቅፍ ይኽእል እዩ።

ማሊን ቡርኪና ፋሶን ኒዠርን ኣብ ልዕሊ ነበር ገዛኢት ሃገራቶም ፈረንሳ ብርቱዕ ተቓውሞ የቕርቡ ከም ዘለዉን ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዘሎ ዝሑል ርክብ ይጻወርዎ ከም ዘለዉን። ኣብዚ ቐረባ እዋን ምስ ቱርኪን ሩስያን ኢራንን ምሕዝነት ከም ዝመስረቱ እውን ይንገር።

10 Jul 2024, 17:34
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031