ድለ

ኣብ መላእ ኤውሮጳን ማእከላይ ኤስያን ኣስታት 400 ህጻናት ብሰንኪ ምውሳኽ ሙቐት ይሞቱ ኣብ መላእ ኤውሮጳን ማእከላይ ኤስያን ኣስታት 400 ህጻናት ብሰንኪ ምውሳኽ ሙቐት ይሞቱ  (ANSA)

ኣብ መላእ ኤውሮጳን ማእከላይ ኤስያን ኣስታት 400 ህጻናት ብሰንኪ ምውሳኽ ሙቐት ይሞቱ

ብናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት - ዩኒሴፍ ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ 2021 ዓ.ም. ጥራይ ኣብ መላእ ኤውሮጳን ማእከላይ ኤስያን ኣስታት 400 ህጻናት ብሰንኪ ምውሳኽ ሙቐት ከም ዝሞቱን፣ እዚ ድማ ኣዝዩ ኣናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሙቐት ንህይወት ህጻናትን ኣዝዮም ተቓላዕትን ዝኾኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ” ይብል።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ መላእ ኤውሮጳን ማእከላይ ኤስያን ብዝወሰኸ ሙቐት ክሳብ 400 ዝኾኑ ህጻናት ከምዝሞቱ ይግመት። እዚ ዕለት 24 ሓምለ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሓልዮ ህጻናት - ዩኒሴፍ ዝወጸ ዘብጻብ ኣብ 23 ሃገራት መዝገብ ሓበሬታታት ብምጥቓምን ብቐረባ ናይዘን ሃገራት ኩነታት ብምምልካት ማእከላይ ገምጋም ዘቕርብ ኮይኑ፡ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ፍርቂ ካብዞም ህጻናት ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዕድሚኦም ብሙቐት ምስ ዝተኣሳሰር ሕማማት ምኽንያት ከም ዝሞቱ ይስነድ - Beat the heat: child health amid heatwaves in Europe and Central Asia

ዞባዊ ዋና ኣመሓዳሪት ጨንፈር ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሓልዮ ህጻናት - ዩኒሴፍ ንኤውሮጳን ማእከላይ ኤስያን ረጂና ደ ዶሚኒቺስ "ኣብ መላእ ኤውሮጳን ማእከላይ ኤስያን ኣስታት ፍርቂ ህጻናት - ወይ 92 ሚልዮን ህጻናት - ድሮ ኣብቲ ብዓለም ደረጃ ሙቐት ብዝቐልጠፈ ናህሪ ዝውስኽ ኣብ ዘሎ ዞባ ንሓደጋ ተቓሊዖም ኣለዉ” ትብል።

ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጸገማት

እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ልዑል ሙቐት ንህጻናት ብፍላይ ድማ ነቶም ንኣሽቱ ዋላ ኣብ ሓጺር ግዜ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት ከስዕብ ከም ዝኽእል ደ ዶሚኒቺስ ኣጠንቂቓ፡ "ብዘይ ሓልዮት፡ እዞም ጸገማት ንህይወት ብዝሓት ሕጻናትን ተኣፈፍትን ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም" ትብል።

ብመሰረት ዩኒሴፍ፡ ህጻናት ንሙቐት ምቅላዕ፡ ቅድሚ ምውላዶም እውን ከይተረፈ ኣብ ጥዕናኦም ጽዑቕ ሳዕቤን ኣለዎ፡ ቅድሚ ግዜኦም ክውለዱ፡ ትሑት ሚዛን ሕርሲ፡ ሞይቶም ዝውለዱ ህጻናትን ዝተፈላለየ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ስንክልና ከስዕብ ይኽእል።

ሞት ዕሸላት

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሓልዮ ህጻናት - ዩኒሴፍ ጸቕጢ ሙቐት ቀጥታዊ ጠንቂ ሞት ዕሸላት ምዃኑን፡ ንዕብየት ዕሸላት ክጸልዎን ዝተፈላለዩ ሕማማት ኣብ ልዕሊ ህጻናት ከስዕብን ከምዝኽእል ይሕብር።

ነዚ ክውንነት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዩኒሴፍ ኣብ መላእ ኤውሮጳን ማእከላይ ኤስያን ዝርከቡ መንግስታት፡ ጽልዋ ማዕበል ሙቐት ንምንካይ ዝሓቀነ ውጥናቶም ከወሃህዱ፡ ኣብ ውጥናት ክንክን ጥዕና ኣብ እዋን ሙቐትን መባእታዊ ክንክን ጥዕናን ወፍሪ ብምግባር፡ ምስ ሙቐት ዝተኣሳሰር ሕማም ኣብ ህጻናት ብዝያዳ ብእኹል መንገዲ ንምድራት ክዓዩን፡ ከምኡ’ውን ስርዓታት መጠንቀቕታ ሙቐት ሓዊሱ ኣብ ስርዓታት ኣቐዲምካ ናይ ምጥንቃቕ ወፍሪ ክበራትዑ ይላቦ።

ዩኒሴፍ ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት የቕርብ

. . . ዩኒሴፍ ምስ መንግስታት፣ መሻርኽትን ማሕበረሰባትን ብምትሕብባ ኣብ መላእ ዞባ ኣንጻር ማዕበል ሙቐት ተጻዋርነት ንምህናጽ ይሰርሕ ምህላዉን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ንመምሃራን፣ ሰራሕተይናታት ጥዕና ማሕበረሰብን ኣባይቲ ስድራን፣ ንጸቕጢ ሙቐት ምላሽ ዝህቡ ክእለትን ፍልጠትን ክሰንቁ ይገብር ምህላዉ ደ ዶሚኒቺስ ነቲ ጸብጻብ ብወግዒ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ከም ዝሓበረት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 July 2024, 15:16