ድለ

ምድረበዳ ሰሃራ፡ ቀታሊ ዶብ ንስደተይናታት ምድረበዳ ሰሃራ፡ ቀታሊ ዶብ ንስደተይናታት  (ZOHRA BENSENRA)

ምድረበዳ ሰሃራ፡ ቀታሊ ዶብ ንስደተይናታት

ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ዝገብርዎ ጉዕዞ ካብቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ዝገብርዎ ጉዕዞ ንላዕሊ ቀታሊ ምዃኑ ቪንሰንት ኮኾቴል ኣብ ኤውሮጳ ወኪል ናይ ስደተይታትን ተመዘብልትን ጉዳይ ዝከታተል ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማእከላይ ባሕሪ መካነ መቓብር እንተኾይኑ ምድረ በዳ ሰሃራ ድማ ቀራንዮ እዩ። ኣብቲ ብትካል ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፡ ኣህጉራዊ ውድብ ዛዕባ ስደተይናታት (IOM)ን ማእከል ምውህሃድ ስደተኛታትን (MMC)፡ “ኣብዚ ጉዕዞ እዚ፡ ብህይወት እንተሃለኻ ወይ እንተሞትካ ዝግደሰሉ ሰብ የለን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻብ ሓቢሮም፡ ብዛዕባ እዚ ጸብጻብ እዚ ኣብ ኤውሮጳ ወኪል ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ናይ ዝከታተል ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፥ 32 ሽሕ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፡ ኣብ ሑጻ ሰሃራ ሬሳታቶም ፋሕ ኢሉ ከም ኣተረኽበ ገሊጾም። ብዙሓት ኣብ ጉዝዕ ምድረ ሞት ከጋጥሞም ከም ዝኽእልን እዚ እውን ዓቢይ ፍርሒ ከም ዝፈጥረሎም ባዕሎም እቶም 60% ናብ ሊብያ ዝበጽሑ ዝህብዎ ሓበሬታ ምዃኑ የመላኽት።

ቪንሰንት ኮኸተል ፍሉይ ልኡኽ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዞባ ምዕራባውን ማእከላይን ባሕሪ፥ ነቲ ናይ ጸብጻብ ሰነድ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ናይቲ ትካል ዋና ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ ከም ዝገበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር፡

ንምንታይ እዩ ምድረ በዳ ሰሃራ ምሕላፍ ማእከላይ ባሕሪ ንምሕላፍ ካብ ዝገበር ጉዕዞ ዝያዳ ሓደገይና ዝኸውን?

ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝገልጽዎ ቀዳማይ ሓደጋ፡ ንብረቶም ዝዘምቱ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጸምዎ መጥቃዕትን ከም ዝኾነን፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዞም መንገድታት ዝለዓለ ሓደጋ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘጋጥመን ካብ ብዘሕጋዊ ኣገባብ ካብ ዘሰጋግሩ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝመጽእ ዓመጽን ምፍርራሕን እውን ኣሎ: ምትላልን ግዱድ ስራሕ: ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ጾታዊ ምዝመዛ ዝኣመሰለ እቲ ሓደጋታት ካብ ሰበስልጣን ዶባት’ውን ዝመጽእ ኮይኑ፡ ካብዞም ዕድለይናታት ዘይኮኑ ውልቀሰባት ገንዘብ ንምምንዛዕ፡ ኣብ መስመራት ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ ወይ ኤውሮጳ ብባሕሪ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ውሽጢ ደቡባዊ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከቡ መስመራት’ውን ገንዘቦም ይምንዝዑ። ኣብ በረኻ ዝሞቱ ሰባት፡ ካብ ናይ ጽዕነት መካይን ዝወደቑን ብኣሰጋገርቲ ኣብቲ መገድታት ዝንጸጉ ሰባት፡ ዝሓመሙ ኣብ ማእከል ምድረ በዳ ዝድርበዩ ሰባት እቶም ኣብ ሊቢያ ዝኣተዉ ዘዘንትዎ እዩ። መብዛሕትኦም ኣብ ደቡባዊ ኣልጀርያ፡ ሰሜናዊ ኒጀርን ደቡባዊ ሊብያን መገድታት ዝሰግሩ ናይ ብዙሓት ሬሳታት ርእዮም እዮም፡ እንተኾነ ግን ኣብ ካልእ ከባቢታት ሰሃራ እውን ሬሳታት ርእዮም እዮም። ስለዚ እቶም ዝደሓኑ ስደተይናታት ካብ ዝህብዎ ምስክርነታት ብምብጋስ ካብ ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ ኣብ ምድሪ ይበዝሑ ኢልና ንኣምን።

ሰሃራ ንዘይመንግስታውያን ትካላትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን "ጸሊም ነዃዕ" ድዩ?

ብዘይጥርጥር። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብዙሓት ጸሊም ነዃዕ ኣለዉ፣ ኣዝዮም ውሑዳት ሰባት እዮም ዝኣትዉ። ንኣህጉራዊ ትካላት ብሰንኪ ጽንኩር ኣቀማምጣ መልክዓ ምድራዊ ኩነታትን ገለ መንግስታት ሰብኣዊ ትካላት ነዚ ምስጢራውን ዘይተነግረን ዓመጽ ክዕዘባ ስለዘይደልያን ናብኡ ምኻድ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ኣብ በረኻ ዝፍጸም ሞት ዝረአ ተርእዮ፡ ካብታ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ብርቱዕ ነውጺ ዘላ ጃልባ ዝወሓደ ርኡይ ስለዘይኮነ፡ ኣዝዩ ዝወሓደ ሽፋን ማዕከናት ዜና ይረክብ። ሰብኣዊ ትካላት ካልእ መስመራት ሓበሬታ ክረኽባ ኣለወን: ምስ ባህላውያን መራሕትን ከባብያዊ ምምሕዳራትን ዝያዳ ምስራሕ: ንሳቶም መሰኻኽርን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ግዳያት ናይዞም ጕጅለታት እዮም። ነዞም ኣብዚ መገድታት እዚ ዝርከባ ንኣሽቱ ኸተማታትን ልሙዕ ቦታታትን ዚቈጻጸሩ ሰባት ንምርካብን ንምልላይን ካብኦም ሓበሬታ ንምርካብ ምስራሕ የድሊ።

በረኻ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተይናታት ተክለ ሰብነት እንታይ ይመስል? መበቆል ሃገራቶም ይቕይሩ ድዮም?

ብሓፈሻ እቲ ተክለ ሰብነት ብዙሕ ኣይቅየርን እዩ። ኣብቲ ብሃገራት ዝቐርብ ሓባሪ ጸብጻብ ኣዚና ኢና ንምርኮስ። ስደተይናታትን ተመዛበልትን ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ክበጽሑ ከለዉ፡ ኣስታት ሓደ ካብ ክልተ ሰባት ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ወይ ሰብኣዊ ሓለዋ ይረኽብ። ስለዚ ካብ ክልተ ሓደ ኣህጉራዊ ሓለዋ ከም ዘድልዮ ይቑጸር። እቲ ካልእ ብሓፈሻ ብቁጠባዊ ምኽንያት ወይ ኣብ ኤውሮጳ ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት ንኽመሃሩ ካብ ሃገሮም ይወጹ። ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ኩነታት ብውሑድ ብብዙሕ ተመሳሳሊ እዩ። መብዛሕትኦም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ይርከቡ። ሰብዓ ሚእታዊት ነገራት ምስ ተመሓይሹ ናብ ዓዶም ክምለሱ እናሓሰቡ ዝጽበዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ነዚ ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝግበር ምንቅስቓስ ዝጸሉ ለውጥታት፡ ቅልውላው ሱዳን፡ ልዕሊ 10 ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዝተፈጸመ ኲናት፡ ብዙሓት ዜጋታት ናብ ስደት ኣቕኒዖም እዮም። ኩሎም ናብ ሰሜን ኣፍሪቃ ገጾም ኣይኮኑን። ብዙሓት ቡርኪናባውያን ናብተን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ወሽመጥ ጊኒ ይኸዱ።

ካብ ሓደጋታት ሰሃራ ድሕሪ ምድሓኖም፡ ሕጂ’ውን ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ክበጽሑ ድዮም ዝደልዩ?

21% ካብቶም ቃለ መሕትት ዝተገብረሎም ሰባት፡ ሓደጋታት ብዘየገድስ፡ ዝከኣሎም ንምግባር ቆሪጾም ዝብገሱ። ሰብዓን ትሽዓተን ሚእታዊት ብምርጫኦም ዝተጣዕሱ። እቲ ሓቀይና ሓደጋታት እንተዝፈልጡ ነይሮም፡ ነቲ ጉዕዞ ኣመይፈጸሙን። እቲ ዝገርም ግን ንብዙሓት ሊብያ ናይ መወዳእታ መዕረፊት ኮይና ኣላ። ሰብዓ ሚእታዊት ሰባት ኣብ ሊብያ ምስ በጽሑ ኣብ ናይ መወዳእታ መዕለቢኦም ይበጽሑ።

ኣብ መወዳእታ ጉዕዞ ሰሃራ ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ እንታይ ዓይነት ናይ ምቕባል መምርሕታት እዩ ዘሎ? እንታይ ዓይነት ዓመጽን ግህሰትን ተፈጺሙ?

እቲ ቀንዲ ጸገም ኩለን ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ብዛዕባ ሓለዋ ስደተይናታት ዝምልከት ኣህጉራዊ መሳርሒታት፡ ኣህጉራዊ ይኹን ዞባዊ፡ ኣጽዲቐን እኳ እንተሃለዋ፡ ዝኾነት ሃገር ሰሜን ኣፍሪቃ ግን ናይ ዑቕባ ዝምልከት ሕጊ የብላን። ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ብውሑድ ብብዙሕ ጽቡቕ ዝሰርሕ ስርዓተ ዑቕባ ኣለወን፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ግን ከምኡ ኣይኮነን። እዘን ሃገራት እዚኣተን ኩሉ ግዜ መተሓላለፊ ሃገራት ኢና እየን ዝብላ። ሓቂ ግን ኣይኮነን። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ - 19፡ ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ኩሉ ዓይነት ማሕበረሰባት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ርኢና ኢና፡ መብዛሕትኦም ኣብ ዘይወግዓዊ ቁጠባ ዝሰርሑ እዮም። ብዘይ ሕጋዊ ቅርጽታት እዞም ሰባት ናይ መንበሪ ፍቓድን መሰልን የብሎምን። ኩነታቶም ኣዝዩ ዘይተረጋገጸ እዩ። ከምቲ ካብ ኣልጀርያ ናብ ኒጀር፡ ቱኒዝያ ናብ ሊብያ፡ ናብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዝግበር ምስጓግ መፍትሒ ኣይኮነን።

ኣብዞም መስመራት ሰሃራ ዝግበር ሓገዝ ንምምሕያሽ እንታይ ዓይነት መከላኸሊ መፍትሒታት ክምዕብል ይኽእል፣ ብኣየኖት ተዋሳእቲኸ?

ሃገራት ክሰማማዓ ኣለወን። ነዞም ኣብታ ኣህጉር ዝርከቡ ምንቅስቓሳት ብዝበለጸ ንምምሕዳር ዘጋጥም ብድሆታት ክትምክቶ እትኽእል ሓንቲ ሃገር የላን። ኣብ መስመር ዝተመርኮሰ ኣገባብ፡ ሰባት ዝኽተልዎ መንገድታት ክንሰርሕ ኣለና። ማሕበረሰባዊ ቅላሰ ናይ ግድን ሓደ ዓይነት ኣይኮነን፣ ስለዚ መን ከም ዝጸልዎም፣ ንጉዕዞታቶም ብኸመይ ከም ዝምውልዎ፣ ኣየኖት ናይ መርሓ ግብሪ ንጥፈታት ዘረጋግእ ዋጋ ከም ዘለዎም፣ ኣበይ ሓለዋ ክመሓየሽ ከም ዘለዎን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ክንሰርሕ ኣሎና። ገለ ሰባት ናብ ዓዶም ክምለሱ ሓገዝ የድልዮም። ካብ ሰብኣዊ ትካላት ጥራይ ዘይኮነስ ምሉእ ዝርዝር ንጥፈታት የድሊ። መንግስታት ነዞም ኣብ ባይታ ዝተመስረቱ መፍትሒታት ሓላፍነት ክወስዱ ኣለዎም፣ ነዚ ናይ ምትሕግጋዝ ግዴታ ድማ ክንገድፎም የብልናን። ብቐዳምነት እቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፉ ሰባት ስደተይናታት ይኹኑ ተመዛበልቲ ደረጃ ብዘየገድስ ህይወት ከነድሕን ኣለና። እዚ ፍልልይ ኣገዳሲ እዩ ግን ብመንጽር ህጹጽ ሓገዝ ኣይኮነን። እቶም ዘይሕጋዊ መገዲ ሰባት ዘንቀሳቕሱ፡ ስደተይና ወይ እውን ተመዛበልቲ ይኹን ኣይትፈልጦምን ኢኻ። ኤውሮጳ እውን ነተን ኣብዞም መስመራት ዝርከባ ሃገራት ንሓደገይናን ዘይስሩዕን ጉዕዞታት ክቡር ኣማራጺታት ዝህብ ናይ ምክልኻልን ሓገዝን ኣገባባት ንምትግባር ክትድግፍ ኣለዋ። እዚ ኸኣ ምስቲ መንግስትታት ኤውሮጳ ኣብቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ቫለታ እተገብረ ዋዕላ ምስ ገሊአን ሃገራት ኣፍሪቃ እተቐበለኦ ዚሰማማዕ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

24 July 2024, 15:26