ድለ

ሕቡራት ሃገራት ንቆጵሮስ መገዲ ሓድነት ይደሊ ሕቡራት ሃገራት ንቆጵሮስ መገዲ ሓድነት ይደሊ 

ሕቡራት ሃገራት ንቆጵሮስ መገዲ ሓድነት ይደሊ

ንቆጵሮስ ምስ ግሪኽ ንምጥርናፍ ዝዓለመ ዕልዋ መንግስቲ ነታ ደሴት ዝመቓቐለ ወራር ቱርኪ ካብ ዝብገሰ ኣብዚ ሰሙን መበል 50 ዓመት ይዝከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንቆጵሮስ ምስ ግሪኽ ንምጥርናፍ ዝዓለመ ዕልዋ መንግስቲ ነታ ደሴት ዝመቓቐለ ወራር ቱርኪ ካብ ዘበገሰ ኣብዚ ሰሙን እዚ መበል 50 ዓመት ይዝከር ከም ዘሎን ካብ 1974 ዓ.ም.  ጀሚሩ ቱርካውያን ቆጵሮሳውያን ኣብ ሰሜን እታ ደሴት፡ ግሪኻውያን ቆጵሮሳውያን ድማ ኣብ ደቡብ እታ ደሱት ይነብሩ።

ንሓሙሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ቆጵሮስ ሓንቲ ካብተን ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘጋጠማ ኣሸጋሪ ጸገማት ኮይና ጸኒሓ እያ። ነዛ ደሴት ዳግማይ ንምጥርናፍ ዝተገብረ ፈተነታት ማእለያ የብሉን። ይኹን እምበር፡ እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምወል ናይ መወዳእታ ናይ ዘተ መድርኽ ኣብ 2017 ዓ.ም. ካብ ዝፈሽል ንደሓር፡ ጻዕርታት ኣብ ዕጹው ኩነታት ይርከብ።

ማርያ ኣንጀላ ሆልጉይን ልኡኽቲ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ቆጵሮስ ርክባት ዘተ ንምንቕቓሕ ነቲ ዕጽው ኩነታት ንምብታኽ ከም ዝፈተነት ዳግማይ ምጅማር ዘተ ክትድህስስ ብዝተዋህባ መዝነት መሰረት ኣብ ቆጵሮስ፡ ኤውሮጳን ዞባን ጽዑቕ ናይ ህጹጽ ዑደት ተካይድ ከም ዘላን እዚ ከምዚ ኢሉ እንኮሎ ጻዕራ ከምቲ ዝደለ ናህሪ ክረክብ ግን ኣይከኣለን።

‘ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘይተማልአ ትጽቢታት ዝፈጠሩን ብጭቡጥ ናብ ዝያዳ ዘይምርድዳእን ተስፋ ምቑራጽን ዘስዓቡ መፍትሒታት ምርሓቕ ኣገዳሲ’ዩ’ ክትብል ሆልጉይን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝጸሓፎ ክፉት ደብዳበ ትገልጽ። ንሳ፡ ናይ ሓባር መጻኢ ንኹሎም ቆጵሮሳውያን ዓበይቲ ዕድላት ከምጽእ ብምባል፡ ኩሉ ብዛዕ እቲ ናብ ሓደ ዝወስድ መገዲ ክሓስቡ ድማ ተተሓሳስብ።

ኣብ መልእኽታ ቆጵሮሳውያን ‘ንታሪኽ ቃንዛ ክስዕሩ’ ኣተሓሳሲባ። ጸገም ቆጵሮስ ዝተሓላለኸ ኮይኑ ጸጥታ፣ ንብረት፣ ስደተይናታት፣ ሰፋሮ፣ ቁጠባን ቅዋምን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ወሳኒ ጉዳያት ዝሽፍን እዩ።

ኣብ ሰሜናዊ ኒቆስያ ቱርካውያን ቆጵሮሳውያን ልኡላውነቶምን ማዕረ ደረጅኦምን ኣፍልጦ እንተዘይተዋሂብዎም ኣብ ዝኾነ መኣዲ ዘተ ኮፍ ከምዘይብሉ ከፍልጡ እንከለዉ፥ እቲ ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዎ መንግስቲ ግሪኽ - ቆጵሮስ ነዚ ኩነታት’ዚ ይነጽጎ፡ ከምኡ’ውን ነታ ደሴት ኣብ ትሕቲ ፌደራላዊ ጽላል ምስ ኣብ ኒኮስያ ዝርከብ ማእከላይ መንግስቲ ዳግማይ ክትጥርነፍ ዝብል ህሉው ውሳኔታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ስለዚ፡ ከምቲ ዘለዎ፡ ስምምዓት የለን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዳግማይ ዘተ ንምጅማር መደብ እውን የለን።

ቆጵሮስ ኣብ 2004 ዓ.ም. ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ተጸንቢራ፡ እንተኾነ ግን ደቡብ ጥራይ እያ ናይ ኣባልነት ሓገዛት ዘለዋ። ቱርኪ እታ እተኸፋፈለት ደሴት ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ንኽትሓብር ኣብ እትገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ሓደ ኻብቶም ቀንዲ ዕንቅፋታት ስለ ዝዀነ፡ ኣብታ ደሴት እተረኽበ ምዕባለ ንቱርኪ ኣገዳሲ ገይርካ ኢዩ ዝርአ ነይሩ። ይኹን እምበር ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ንምዃን ዝገበረቶ ጻዕሪ ነክዩ ኣሎ።

17 July 2024, 15:40