ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
መግለጺ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተኛታት መግለጺ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተኛታት  (AFP or licensors)

መግለጺ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተኛታት

ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተኛታት (UNRWA) ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ስርሒታቱ ንምቕጻል ጥራሕ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተኛታት (UNRWA) ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ስርሒታት ንምቕጻል ጥራይ ቁጠባዊ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ከም ዝሓበረን ብሰንኪ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው UNRWA - ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተኛታት ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ወጻኢታቱ ንምሽፋንን ኣብ ቓዛ ኣገልግሎታቱ ውሑስ ንምግባር እኹል ገንዘብ ንምርካብ ናይ ቃል ኪዳን ዋዕላታት ክካየድ መደብ ሓንጺጹ ከምዘሎ ይንገር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ምስርንን ዮርዳናዊ መዘንኡን፡ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ዘቕረቦ ጻውዒት ኣሐዲሶም። ክልቲኦም ነቲ ፍልስጤማውያን ካብ መሬቶም ዘመዛበሉ ሕግታት እስራኤል ብትረት ደጊሞም ይነጽጉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብመሰረት ብሓማስ ዝመሓደር ቦርድ ጥዕና ቓዛ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ዝሞቱ ፍልስጤማውያን ብዝሒ 38,243 ከም ዝበጸሐ ይፍለጥ።

12 Jul 2024, 15:39
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031