ኣፍጋኒስታን፦ ልዕሊ 38 ሽሕ ሰባት ካብ ቅልውላው ኵነታት ኣየር ይሃድሙ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እታ ካብ 1976 ኣትሒዛ ድሕንነትን ዘለዎ ሃዋሁን ንምውሓስ ዝሓሸ መጻእን ከም ዝህልዎም ንምግባር እተቓለሰት ዘላ ማሕበር ድሕነት ሕጻንት፣ ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ኣፍጋኒስታን ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ኣረጋጊጻ።
ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት እታ ሃገር ብሰንኪ እቲ ዝለዋወጥ ዘሎ ቅልውላው ኣከባቢያዊ ኩነታ ኣየር ጽንኩር ኵነታት ተፈጢሩ ብምህላው ኣህጉራዊ ረድኤት እናነከየ ይኸይድ ከም ዘሎን ኣመልኪታ።
ብመሰረት ጸብጻባት ማእከል ምቍጽጻር ውሽጣዊ ምምዝባል ዝሃቦ መግለጺ ኣብ መፋርቕ 2024 ድሮ ኻብ ብምሉኡ ኣብ 2023 ዘጋረመ ንላዕሊ ቁጽሪ ናይቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ቘልዑ ዛይዱ ከም ዘሎ ይሕበር ፣ እዚ ኸኣ ምስቲ ዝነበረ ቍጽሪ ካብ 27 ሰነ 2024 ክነጻጸር እንከሎ ካብ 37,076 ናብ 38,488 ክብ ኢሉ ይርከብ ኣሎ።
ከም ምጥልቕላቕ ማይ ድርቂ ክቱር ሙቐትን ህቦብላ ንፋስን ዝኣመሰለ ሓደጋታት ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ንብዙሓት ኣፍግናውያን ቈልዑን ስድራ ቤታትን ካብ ኣባይቶም ከም ከም ዝመዛበሉ ይገብርዎም ኣሎ።
ው. ሕ. ሃ. ሓደ ኻብ ሸውዓተ ዜጋታት ካብቶም ኣብ ደቡብ እስያ ዚነብሩ ሕዝብታት ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር እተመዛበሉ ሰባት ንላዕሊ ንነዊሕ እዋን ኪመዛበሉ ኸም ዚኽእሉ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ከም ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ኣፍጋኒስታን፣ እታ ሃገር ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዝበዝሖ ንጡፍ ዞባ ኢያ እትርከብ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸጋጥም ይኽእል ኢዩ ዝብል ግምታት ውን ኣሎ። ብፍላይ ኣብቲ ብዙሓት ተቐማጦ ዚነብሩሉ ኸባቢ ብኣማኢት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ ሓደጋ ስለ ዜእቱ ህጹጽ ሰብኣዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ርእሲ እዚ ውን ምስ ድርቂ እተተሓሓዘ ጸገማት መብዛሕትኡ ግዜ ነታ ኣብ ደቡብ ኣፍጋኒስታን እትርከብ ኣውራጃ ካንዳሃር ጸልይዋ ኢዩ ።
ማሕበር ሕጻናት ኣድሕን ኣብ ሓደ ጋዜጣዊ መግለጺ እዞም እተበታተኑ ሰባት ዚስተ ማይ ደልዮም ካብ ቤቶም ኣብ ዝወጹሉ ገለ ዝገረሰ ዒላታት ምስ እንስሳታት ብሓደ ክሰትዩ ይረኣዩ ኣለዉ እዝ ድማ ሓደገኛ ምኽንያት ሕማም ለብዒ ሸሮኽን ከም ዝኽእል ኣመላኺቱ።
ዩኒሴፍን ካልኦት ኣህጉራውያን ሰብኣዊ ውድባትን ነቶም እተሸገሩ ዞባታት ናይ ማይ ቀረብ መሳርሒታትን መዕቆሪ ማያትን ክተሓባበርዎም ጀሚሮም ኣለዉ፣ እዚ ድማ ነቲ ብሰንኪ ረሰሕ ማይ ምስታትይ ክኽሰት ዝኽእል ካልእ ጸትገማት ጥዕና ንምክልኻል ዝዓለመ ኢዩ ።
ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ኣፍጋኒኣውያን እውን ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎም ኣሎ። ኣብ ብምሉኡ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን ዳርጋ ሰለስተ ርብዒ ናይታ ሃገር እቲ ዝኸፍአ ቀታሊ ምጥልቕላቕ ማይ ንኣባይቲ ብዙሓት ሰባት ኣዕንዩ ኢዩ።
ኣህጉራዊ ፈደረሽን ቀይሕ መስቀል ከም ዝገለጾ ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ እተጐድአ ኸባቢ ባግዳን ልዕሊ 200 ሰባት ሞይቶም ይርከቡ ።
ካብ ው. ሕ. ሃ. እተዋህበ ኻልእ መግለጺ ኸኣ ልዕሊ ኽልተ ሲሶ ናይተን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዚርከባ ዞባታት ተመሳሳሊ ዕንወት የጋጥመን ከም ዘሎ ኢዩ ዝገልጽ።
እዛ ሃገር ካብቲ ንዕስራ ዓመት እተኻየደ ግጭትን ውግእን ወጺኣ ጥራይ ዘይኰነትስ ብቅልውላው ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ዕንወትን ቍጠባዊ ውድቀትን እውን ብቐጻሊ ትሳቐ ኣላ ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብታ ሃገር ክመጽእ ዝኽል ምምሕያሽን ርግኣትን የዳኽሞ ኣሎ ።