ድለ

PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT  (AFP or licensors)

ኣብ ቃዛ ተዅሲ ናይ ምቑራስ ዘተ ኣብ ግብጺ ክቕስል ተወሲኑ

ጸሓፊ ጕዳያት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ከም ዝገለጾ ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ውዕል እተገብረ ምምሕያሽ ኣመልኪቱ እንክገልጽ ሕጂ እቲ ዝበለጸ ምናልባት እውን ኣብ ጋዛ ተዅሲ ንምቁራስ ዜኽእል ናይ መወዳእታ ኣጋጣሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ ይብል።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ቀዳም ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ሃማስ ንእስራኤል ነቲ ኣብ ጋዛ እተገብረ ውዕል ተዅሲ ናይ ምቍራስ እተገብረ ኩሉ ጻዕርታት ብምዕጋታ ወቐሳ።

ኣብ ርእሲ እዚውን ኣቡ ዙሪ ንዋሽንግተን ኣቕዋም እስራኤል ከም እተቐበለት ገይሩ ብምኽሳስ እስራኤል ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ሓሳባት ትርሕቕ ከም ዘላ ድማ ገለጸ።

ካብቲ ኣቡ ዙሪ ዘቕረቦ ሓሳትባት ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ቢደን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ውዕል ተኹሲ ንምቍራስ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኸም ዝቐረበ ገለጸ እንተዀነ ግን ወሲኹ "ክሳዕ ሕጂ ኣብኡ ኣይንርከብን ኢና" በለ።

ሕጂ እውን እንተ ዀነ እቲ ብዛዕባ ምቍራስ ተዅሲ ዚግበር ውዕላት ረቡዕ ኣብ ካይሮ ኸም ዚቕጽል እዩ ዚንገር ዘሎ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ካብ ግብጽን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስራኤልን ዝመጹ ተወከልቲ ነቲ ኣብ ካይሮ ዚግበር ኣኼባ ንምድላው ብዛዕባ እተገብረ ውዕል ምቍራጽ ዚገልጽ ተክኒካዊ ነጥብታት ብምምይያጥ ኣብ ቀጠር ክጸንሑ ወሲኖም ኣለዉ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ቀጠርን ግብጽን ዘማእከላኦ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መወዳእታ ሕዳር እተዛዘመ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን እተገብረ ናይ 7 መዓልቲ ተዅሲ ናይ ምቁራስ ውዕል እውን ዝዝክር ኢዩ። ይኹን እምበር እቲ ብተኸታታሊ ብመንጐይናነት እተገብረ ጻዕሪ ጭቡጥ ፍረ ኣየፍረየን ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ቃዛ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ንጥፈታት እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰናብት ናይ ቃዛ ሰበ-ስልጣን ጥዕና ኣብ ዝሃቦ መግለሲ ቍጽሪ ምውታት ኣብ ቃዛ ልዕሊ 40,000 ፍልስጥኤማውያን በጺሑ ምሕላው ኣመልኪቱ ኣሎ።

20 August 2024, 18:19